Dehai

BBC ካብ ሸራሮ ናብ 'ማእኸል ዓዲ' ሰራዊት ክግዕዝ እዩ

Posted by: Ghezae Hagos

Date: Friday, 17 August 2018

  
                    BBC News ትግርኛs ናቪጌሽን

ካብ ሸራሮ ናብ 'ማእኸል ዓዲ' ሰራዊት ክግዕዝ እዩ

እዚ ሊንክ ቅዳሕ
ብዛዕባ እዚ ሓበራዊ ምግባር ተወሳኺ ኣንብብ
ናይ ሓበራዊ መግበሪ ፓነል ዕጸው
ወተሃደርImage copyright MARCO LONGARI
ካብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ከባቢ ሸራሮ፡ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝግዕዝ ሰራዊት ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል መዚ እቲ ኸባቢ ኣረጋጊፁ።
ሓሙስ ቐትሪ ብርክት ዝበላ መካይን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ከባቢ ሸራሮ ከምዝኣተዋ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊፆም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ምስክር ዓይኒ "ልዕሊ ሰብዓ ኣውቶቡሳት" ናብቲ ኸባቢ ኣትየን ከምዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ርግፀኛ ኾይነ ዝዛረቦ ከባቢ ሰብዓ መካይን ኣለዋ። እተን መካይን፡ ዓበይቲ 'ታታ' ዝዓይነተን ናይ ህዝቢ [መጓዓዝያ] እየን" ይብል።
ብመሰረት ካብ ነበርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፤ ካብቲ ኸባቢ ይወፅእ ዘሎ ሓይሊ "ክፍለሰራዊት ሰላሳ" ዝበሃል እዩ።
ብዛዕባ እዚ ዝሓተትናዮም ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን፡ "ናብ ማእኸል ሃገር ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ምህላዉ" ሓበሬታ ከምዘለዎም ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ 2000Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ 2000
"ኣብቲ ግንባር፡ ኣብ ቅድሚት ከይኮነስ፡ ብድሕሪት ኮይኑ ይቕመጥ ዝነበረ ሓይሊ እዩ ይንቀሳቐስ ዘሎ" ኢሎም።
ብዛዕባ ብዝሒ እቲ ይግዕዝ ዘሎ ሰራዊት ሓበሬታ ከምዘይብሎምን፡ ንምክልኻል ሃገር ዝምልከት ምዃኑን 'ውን ተዛሪቦም።
"ብቀዋምነት ድዩ [ይወፅእ ዘሎ] ወይስ ንግዚኡ ዝብል ድማ፡ ንሕና እንፈልጦ ፕሮግራም 'ውን ኣይኮነን። ኣካል ስራሕ ናይቲ ምምሕዳር ስለዘይኮነ" ኢሎም።
እዚ ምግዓዝ ሰራዊት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ዝጀመረኦ መስርሕ ሰላም ዝራኸብ ይኹን ኣይኹን ዛጉድ ኣይተፈልጠን።

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events