Dehai

Dahabshiil long banner 728x90
Eritrea for mobile viewing

EriGazette.org: ዓቅሊ ዋጋ በቕሊ …ሕጂ እንታይ እዩ እቲ ተርባጽ? መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣጽኒዑ መልሲ ከምዝህበሉ ርዱእ እዩ። ….

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 03 July 2018

Jul 03, 2018
 
 

ድሕሪ ሉኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሖም መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ ክብሃል ይክኣል። ሉኡኻት ሒዞሞ ዝኸዱን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸብዎ መልስን እንታይ ምኻኑ ጸብጻቦም ከምዘቅርቡ ርዱእ እዩ። ብግዜ ክርኤ እንከሎ ሓደ ሰሙን ኣይመልኣን። ንሕና ግን ንሰላም ክንደሊ ዕስራ ዓመት ኢና ተጸቢና። 

ሕጂ እንታይ እዩ እቲ ተርባጽ? መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣጽኒዑ መልሲ ከምዝህበሉ ርዱእ እዩ። ተቀዳዲሙ ግን ኣብ ቆዮቃ ቆልዑት ኣይኣቱን እዩ። ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ ድማ ርክብ ክልተ መራሕቲ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ተመርኩሱ ከምዝካየድ ብወገነይ ይተኣማመን እየ። 
 
ስለዚ ስምምዕ ኣልጀርስን ንክልታኣዊ ዝምድና ዝምልከት መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ክንጽበ ኣሎና። ልዕላውነት ኤርትራ ግን ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን።
 
ግርማይ የማነ
Dm eri tv subscribe

ERi-TV, #Eritrea: Interview with President Isaias Afwerki, November 3, 2018