Dehai

ንኣፍልጦን መኣረምታን

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 05 June 2018

Jun 05, 2018

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስም ናይቲ ሃገር ዘምጽኤን ሃገር ዝሃንጽ ዘሎ ውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኹ ንምዝንባዕ፣ ሓዲሽ ውድብ ድሕሪ 1994 ከምዝተፈጥረ ጌሮም ስም ናይዚ ውድብ ንምድዋንን ካብቲ ነጻነት ዘረጋገጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምንጻል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ክዛረቡን ክጽሕፉን ንዕዘብ ኣሎና።

ብሓቂ’ኸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካብ’ቲ ነጻነት ዘረከበ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይፍለ ድዩ? ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ’ኸ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ’ኸ ይፍለ ድዩ? እዚ ሰለስተ ኣስማት በብግዚኡ  እንታይ ዕላማ ንምውቃዕን ስለምንታይን መጺኡ? እዚ ሰለስተ ኣስማት መድረኻዊ ኣጸዋውዓ ናይ ሓደ ውድብን ሓደ ዕላማን እዩ። ኣብ ውሽቲ እዚ ዕላማን ውድብን ሰባት ራሕሪሖሞ እንተኸይዶም ነቲ ዕላማን ኣምርን ናይቲ ውድብ ዝትንክፍ ኣይኮነን።

ብ1970 ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ብዝነበረ ድሑር ኣመራርሓ ኣርባዕተ ጉጅለታት ማለት ሰልፊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓይልታት ቀዳማይን ካልኣይን ዑበሊንን ዕላመኣን ብምንጻር ካብ ተ.ሓ.ኤ ከምዝተፈንጨላ ኣፍሊጠን። እዘን ጉጅለታት ብመሪሕነት ጀብሃ ይህደና ስለዝነበራ ነብሰን ንምክልኻል ኣብ መጀመርታ ስሙር ግንባር ፈጢረን፣ ቀጺለን ድማ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ሓባር ተመኩሮ ብ1974 ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝብል መጸዋዕታ ሓደ ሃገራዊ ውድብ መስሪተን።

ቀጺሉ’ውን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ሓባር ተመክሮ ዕላሙኡን መደባቱን ዝያዳ ብምንጻር ካብ ሓደ ሃገራዊ ውድብ ናብ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ንምስግጋር ብ1977 ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብ’ዚ ጉባኤ ንህዝብን መሬትን ደረጃ ብደረጃ ሓራ ንምውጻእ ዝብል ስትራተጂ ብምሕንጻጽ፣ ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት፣ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፣ሰራሕተኛታትን ሓረስቶትን ተማሃሮን ክምስረታን ኣብ ሓራ መሬት ህዝባዊ ባይቶታት ንክቆማ ብምውሳን ነዚ ደሞክራስያውን ሃገራውን ዕማማት ንምክያድ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ዝብል ስም ኣብዚ ጉባኤ ተጸዊዑ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነዚ ሃገራውን ደሞክራስያውን ዕማም ንምሕያል ሓደ ካብ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ብሳግም ዝፍለጥ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰራዊት ወይ ውድብ ንምሉእ ሓድነት ብምርድዳእ ብ1987 ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣካይዱ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝብል ስም ድማ ከምዘለዎ ጉባኤ ኣጽዲቅዎ።

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጉባኤታት ዝተሓንጸጹ መደባት ብግብሪ ስለዝተሰርሓሎም ድማ ኤርትራ ሃገርና ሓራን ሉእላዊት ሃገርን ክትከውን በቂዓ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፣ ዕማም ሓርነታዊ ምንቅስቃስን ዕማም ምህናጽ ሃገርን ስለዝፈላለ መደባት ህ.ግ.ሓ.ኤ ክንጸር ነይርዎ። ስለ’ዚ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ልዕሊ ሓደሽሕ ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብሚያዝያ 1994 ኣብ ናቕፋ ተኻይዱ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ክሳብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝነበረ ኩነታት ተገምጊሙ፣ ዕማምን ሓላፍነት መንግስትን ግንባር ተነጺሩ፣ ብዙሓት መንእሰያት ዝሓቆፈ ሓዲሽ መሪሕነት ብምምራጽ ዕላማታትን ራእይን ህዝባዊ ግንባር ድሕሪ ነጻነት እንታይ ከም ዝመስል ሃገራዊ ቻርተር ብምስናድ ነዚ መድረኽ ዘንጸባርቅ ሓዲሽ ስም ክህሉ ብምውሳን ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ጉባኤ ከምዝዝከረኒ ናይ’ዚ መድረኻዊ ዕማም ስም እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ብቡዝሓት ሰባት ዝተፈላለየ ኣስማት ቀሪቡ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ብተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ(ድሩዕ) ዝቀረበት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንክትከውን ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቅዋ።

ስለዚ እዚ ሰለስተ መድረኻዊ ኣስማት ናይ ሓደ ውድብን ዕላማን ኣስማት እዩ። ሰባት ክመጹ ወይ ክከዱ ይኽእሉ እዮም፣ ህዝባዊ ግንባር ግን ነባርን ቀጻል እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ብምርጫን ዕበትን ናይ ኩሉ ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፈ ዝተዋህበ ስም እዩ። ግንባር ከም ስሙ ድማ ንብዝሕ ዝንባሌታት ዝሓቆፈ ጥርናፈ ስለዝኾነ ሙሉእነት ፍጹምነት ምጽባይ ወድዓዊ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ቃልሲ ዳይናሚክስ እቲ መስርሕ ብግርጭታትንን ሓድነትን  እንዳተዋሃሃደ እዩ ዝኸይድ ።

ስለ’ዚ “ህ.ግ.ደ.ፍ ኣምጺእኩምልና” ዝብል ኣዘራርባ ዝንቡዕን ዘይቅኑዕን ኣባሃህላ እዩ።          

ግርማይ የማነ

ርያድ                           

tzinaat@gmail.com

ምንጪ፡ ኤሪጋዘተ

Dm eri tv subscribe

Eritrean Memorial Day ምዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com