Dehai

(ሓዳስ ኤርትራ) ግዝኣተ ሕጊ - ሕላገት ስልጣኔ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 22 April 2018

ግዝኣተ ሕጊ - ሕላገት ስልጣኔ

22 ሚያዝያ 2018    ሓተታ

ቅድሚ 25 ዓመት፡ ልክዕ ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ (ካብ 23-25 ማዝያ 1993) መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ነቲ መሪር ቃልሲ ኣሕሊፉ፡ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት ዘረጋገጾ ዘይግሃስ ሰብኣዊን ሃገራዊን መሰሉን ናጽነቱን፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ፡ ረፈረንዱም ብምክያድ፡ ሕጋውነቱ ኰሊዑ፡ ልኡላውነቱ ከም ህዝቢን ሃገርን ብዕሊ ዘረጋገጸሉ፡ ፍስሃ ወ ሰላም ዚዓሰሎ ታሪኻዊ ቅንያት’ዩ ነይሩ።

ግዝኣተ ሕጊ - ሕላገት ስልጣኔ እዩ። ኣብ ማሕበረ-ስነኣእምሮኣዊ ኣቋውማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓሚቚ ሰረት ካብ ዘለዎ፡ ንነዊሕ ዘመናት ተዀስኲሱ ዝተሃንጸ ባህልን ልምድን ሓደ፡ ንሕጊ ምእዙዝ ምዃን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቅድመ- መግዛእታዊ ታሪኹ ጀሚሩ፡ ንሓይልን ስነ- ሞጎት ሓይልን ብንቕሓት ጸብለል ኢሉ፡ ‘ነዊሕ ዘይዘሎ - ሓጺር ዘይሰልኰ’ መነባብሪ ሕጊን ስርዓትን ኣቚሙ፡ ዓመጽን ጎነጽን ዚኣመሰሉ ባህርያት ግዝኣተ-ጫካ ወጊድ ኢሉ፡ ንዘመናት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ዝተመሓደረ፡ ወረጃ ህዝቢ እዩ። 

እዚ ዘይናቱ ዘይጥምት፡ ዓመጽን ጎነጽን ዘይፈቱ፡ ብሕጊን ስርዓትን ምንብባር ዚልማዱ ስልጡን ህዝቢ ግን፡ ኣብ ታሪኹ፡ ግዝኣተ ጫካ ብዚእምነቶም ተጻባእቲ፡ ፍጹም ኣንጻር ባህርያቱ ዚኾነ ዓመጽን ርግጸት ሕጊን እዩ ገጢምዎ። ኣብ መፋርቕ ዚሓለፈ ዘመን፡ መግዛእቲ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተዘርዘረሉ መድረኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኪረክብ መሰሉ እናኾነ፡ ንስትራተጂያዊ ረብሓ ርእሰ ሓያል ኣመሪካ ተባሂሉ፡ ዘይሕጋዊ ውሳነ ፈደረሽን ኣብ ርእሲኡ ተስገዲዱ። እዚ ከይኣክል ድማ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ንውሳነ ሕ.ሃ. ጥሒሱ፡ ነቲ ብዓንተቦኡ’ውን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበረ ፈደረሽን ኣፍሪሱ፡ ንኤርትራ ብሓይሊ ልሒቕዋ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕጊ ብዚነበሮ ጽኑዕ እምነት፡ ነዚ ክልቲኡ ዓመጻት’ዚ፡ ፈለማ ብሕጋዊን ሰላማዊን ኣገባብ’ዩ ተቓዊምዎ። ገዛእቲ ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ግን፡ ንሕቶ መሰል ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስነ-ሞጎት ሓይሊ ኪደቚስዎ ሃቂኖም። ወካሊ ማሕበረሰብ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ባዕሉ ዚወሰኖ ብይን ተጣሒሱ፡ ቅሉዕ ዓመጽ እናተፈጸመ፡ ዓይኑ ዓሚቱ፡ ከምዘይረኣየ ኪኸውን መሪጹ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት፡ ህዝቢታት ናይ ርእሰ ምክልኻል መሰል ከምዘለዎም ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብንጹር ኣስፊርዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ መሰል’ዚ ንምርግጋጽ ብዘይካ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካልእ ኣማራጺ ኣይተሓድገሉን። 

ስቕታ ማሕበረሰብ ዓለምን ደገፍ ኣሳሰይቲን ዘሻደኖም ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኪጭፍልቑ ብሓገዝ ርእሰ-ሓያላን ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ነዊሕ ተረባሪቦም እዮም። እንተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብረት ኣልዒሉ ኣብ ዚምክተሉ ዚነበረ ግዜ እውን እንተኾነ፡ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላማዊን ሕጋዊን ኣገባብ ኪፍታሕ ደጋጊሙ ካብ ምጽዋዕ ኣይተቘጠበን። መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ሕዳር 1980 ዘቕረቦ እማመ ረፈረንዱም ሓደ መርኣያ ናቱ እዩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። 

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ንሓቂን ፍትሒን ከጥፍእ ስለዘይተኻእሎ፡ ወተሃደራዊ ዕንደራ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዘራያቶምን ኣብ መኸተ ፍትሒ መኺኹ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ብዘለዎ ኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ብገዛእ ቅልጽሙ፡ ኣኽሊል ሓርነቱ ደፊኡ። 

ብ1966 ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዚጸደቐ “ኣህጉራዊ ውዕል ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ባህላዊን ሓርነት” ዓንቀጽ-1 “ኩሎም ህዝቢታት ናይ ርእሰ ውሳነ መሰል ኣለዎም። በዚ መሰል’ዚ መሰረት ፖለቲካዊ ሕርያኦም ኪውስኑ፡ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ምዕባለኦም ከሰላስሉ ሓራ እዮም” ይብል። እዚ መሰረታዊ መሰል’ዚ ዝተነፍጎም ኣብ መግዛእቲ ዝተቘርኑ ህዝቢታት እምበኣር፡ ብኹሉ መልክዓት ቃልሲ እንተላይ ዕጥቃዊ ቃልሲ መሰሎም ከረጋግጹ ፍቑድን ሕጋዊን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ብገዛእ ቅልሙ ዘረጋገጾ መሰል ዝያዳ ንምዂላዕ፡ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ዚሳተፍዎ ህዝባዊ ረፈረንዱም ዓዲሙ፡ ብምዕሩግን ስልጡንን ኣገባብ፡ 99.8% “እወ ንናጽነት” ብምድማጽ፡ ድሙቕ መደምደምታ ገይርሉ። 

ውጽኢት ረፈረንዱም ኣብ ዝተገልጸሉ ቅንያት፡ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብጻይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ድሌቶም ከይገልጹ ንነዊሕ ዓመታት ተሓሪምዎም ጸኒሑ እዩ። በዚ ከኣ ከቢድ ዕንወት ዘስዓበ ነዊሕ ኲናት ተኻይዱ። እዚ ረፈረንዱም’ዚ እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ድሌት ህዝብታት ንምዕምጻጽ ሓይሊ ምጥቃም፡ ጉዳያት ብፖለቲካዊን ሰላማዊን መገዲ ምፍታሕ ስልጡን ኣገባብ ምዃኑ ንኹሉ ትምህርቲ ዚህብ’ዩ” ኪብል ገሊጹ ነይሩ። 

ብርግጽ ድማ፡ እዚ ስልጡንን ሕጋዊን ኣገባብ’ዚ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዓቢ ትምህርቲ ኪኸውን ምተገብአ። የግዳስ ድሕሪ’ዚ ተሞኩሮ’ዚ እውን፡ እቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ መንበረ ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ዝተረከበ ስርዓት ወያነ፡ ብስነ-ሞጎት ሓይሊ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ከዐውት ከንቱ ዕንደራ ኣካዪዱ - ኣይሰለጦን። ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ፍሉጥ ናይ መኸተ ያታኡ፡ ወተሃደራዊ ዕንደራኡ ኣምኪኑ፡ ብመሰረት ባህሉን ልምዱን፡ ነቲ ወራሪ ስርዓት ኣብ መጋባኣያ ሕጊ ኣቕሪብዎ። ብ13 ማዝያ 2002 ከኣ፡ እቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ኲናት ሕጋዊ መኸተምታ ተገይሩሉ። 

መስርሕ ዳንነት ፍትሒ ምስ ኣድመጸ እውን እንተኾነ፡ ስርዓት ወያነ፡ ልዕልና ሕጊ ኪቕበል ኣይተብዐን። ን16 ዓመታት መመላእታ ድማ ካብ ግዝኣተ ሕጊ ንምምላጥ ከዕለብጥ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን፡ ቀደም ንሕጊ-ኣልቦነት ስርዓታት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ኢሉ ዚርኣየ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሕጂ እውን፡ ካብ ግዝኣተ-ሕጊ ንምምላጥ ኪርአ ዚጸንሐ ምዕልባጥ ብስቕታ ምዕዛቡ እዩ። ብስቕታ ምዕዛቡ ከይኣክል እውን፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ንግዝኣተ ሕጊ ዚሞጎተት ኤርትራ ዘይፍትሓዊ ውሳነታት ከሕልፍ ተራእዩ። እንተኾነ፡ ዓመጽ ንምኽዋል ኮነ ካብ ሕጊ ንምህዳም ዚግበር ኩሉ ዓይነት ፈተነታት ፋይዳ ከምዘይርከቦ ወርሒ ማዝያ ክልተ ሳዕ መስኪራ እያ። ስለዚ ድማ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣማኸርቶም፡ ሕጂ’ውን ብዘይካ ብሕጋዊ ብይን ምምእዛዝ፡ ካልእ ሓሸውየ ትርጉም ከምዘይብሉ ተገንዚቦም፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምቕባል ትብዓት ከጥርዩ ኤርትራ ትጽውዕ። መሰረት ሰናይ ጉርብትናን ስልጡን ምንብባርን፡ ግዝኣተ ሕጊ ስለዚኾነ!







6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events