Dehai

Article

Posted by: Tesfa Gebremedhin

Date: Monday, 26 March 2018

Tigrigna article for posting. Thanks.

ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር

ብእንግሊዝኛ ደራሲ ፣ ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን ና 
ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፦ገብረየሱስ ወልደሚካኤል

ግርጭት ኣብ መንጎ ብጠባያቶምን ዝንባሌታቶምን ክብርታቶምን ድልየታቶምን፡ ከምኡ'ውን በተሓሳስብኦምን ኣመለኻኽትኦምን ዝፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ወይ ጉጅለታት ዝኽሰት፡ ንውድዓዊ ክውንነት ብዝተፈላለየ ዝትርጉምዎ ባህርያዊ ዘይምስምማዕ እዩ። ነዚ ንቡር ናይ ናብራ ክውንነት ብምግንዛብ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብና፡ ንባህርያዊ መለለይታቱን ማሕበራዊ ኣቀዋውምኡን ብዕቱብነት እንተመርሚርና፡ ነቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ኮማትናን ዝተጎዛዘየ ሃይማኖታዊ ትካላትናን ብብርቱዕ ጓሂ ንዕዘብ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተመስሪተን ዝነበራ ኣዚየን ብዙሓት ኮማትና ጨሪሰን ብዘይ ኣሰር በሪሰን ተሪፈን። ኤርትራዊት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርትስትያን'ውን እንተኾነት ኣብ ክልተ ተመቒላ ትርከብ። (1) ነተን ንመንግስቲ ዝድግፋ ቤተ-ክርስትያናት ዝሓቖፈት ጉጅለ (2) ነተን ናይ መንግስቲ ኢድ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስትያናት ምትእትታው ዝቃወማ ዝሓዘት ግጅለ እየን። ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ብዓቢይ ሓጎስ ዝተመስረተት ቤተ-ክርስትያን፡ ቀዳማይ ዓመታ ቅድሚ ምጽምባላ ኩሉ ሳዕ ኣብ ክልተ ጉጅለ ትምቀል። ብኽልቲኡ ገጻቱ እንተ ተመልከትና፡ እተን ኣብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝምቀላ ቤተ-ክርስትያናት፡ ከምኡ'ውን እተን ኣብ ቅድሚ ዳኛ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን ንጉዳየን ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ወይ ብይን ዘናድያ ቤተ-ክርስትያናት ዝበዝሓ ደገፍቲ መንግስቲ እየን። ኣብ ውሽጢ ኮማትናን ሃይምኖታዊ ትካላትናን ተፈላሊና ክንጐዓዝ ምዕዛብ ዘሕዝን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝግደደ ክኣ፡ እቲ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ ስድራቤታትን ሓድሕዳዊ ዝምድናታት ከይተረፈ ምንጽብራቑ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ሓፈሻዊ ስእሊ ኤርትራዊ ማሕበረተ-ሰብና ዝናኣድ ኣይኮነን። ልምዳዊ ክብርታትናን ባህላዊ ውርሻታትናን ሃገራዊ መንነትናን ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ኣብዚ እዋን'ዚ ገለ ደቅና ኣብ ዕጸ-ፋርስን ጎንጻዊ ገበናትን ብምክፋሎም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኣለዉ። ትሕቲ-ዕድመ ክንሰን ነፍሰ-ጾራት ዝኾና ደቅና'ውን ኣሎዋ። ኣብ ኤርትራውያን መንእሰያት ቁጽሪ'ቶም በይኖም ቆልዓ ዘዕብዩ ዘለዉ ዓቐኑ ብዘሰንብድ መንገዲ ይውስኽ ኣሎ። ገሊኦም ቆልዑት ድማ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ገዝኦም ራሕሪሖም ይኸዱ። ኣይማኖታዊ ትካላትናን ኮማትናን ንመንእሰያትና ዝኸውን ሃገራዊ መንነቶም ሓንጎፋይ ኢሎም ዝኹስኲስሉ፡ ሃገራዊ ባህሎም ዝሓቚፉሉን ዘማዕርግሉን፣ ከም ኤርትራውያን ኣዕሩኽን ምሓዙትን ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ዝዋስእሉን ጥጡሕ ባይታ ክፈጥራ ብዘይምኽኣለን፣ ደቅና ምስ ካልኦት ዜጋታት ብምምርዓው ናብ ዘይፈልጥዎ ባህሊ ይርዕሙ ኣለዉ። ናብ ቤተ-ክርስትያን ክንመላለስ ከለና ከም እዱባት ክርስትያን ተወሃሂድና ብሰላም ናይ እምነትና ጉዳይ ጥራይ ክንገብር ትጽቢት ይግበረልና። ይኹን እምበር፡ በንጻሩ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሃለውለው እንዳልዓልና፡ ባእሲ እንዳጽሕተርና፡ ኣብ ውሽጥና ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ንፈጥር። ቤተ-ክርስትያናት ናብ ተጻብኦ ቦታታት ስለ ዝተቐየራ ደቅና ናብኡ ገጾም ክቕልቀሉ ኣይደፍሩን። ስለዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ቤተ-ክርስትያናት፡ ዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት፡ ናብ መጨርሻ መዕለቢኦም ንክበጽሑ ንነዊሕ ጉዕዞ ዝቀራረቡለን መዕቆቢታት ኮይነን ትሓጺረን ተሪፈን። ንደቅና ካብዚ ኣብ ኮማትናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን ፈጢርናዮ ዘለና ጎንጻውን መርዛምን ሃዋህው ከነድሕኖም፡ ሓድሕድና ክንጸዋወርን ክንከባበርን ኣድላይ ኣገዳስን ምዃኑ ነስተውዕል። ኣብ ወጻኢ ንነብር ኤርትራውያን ኲልና ነዚ መንእሰይ ወለዶ'ዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ድራማ ክንሰርዖ ሞራላዊ ግዴታ ኣሎና።

ናብዛ ዓለም እዚኣ ተፈላሊና፡ በበይንና መጺእና፡ ከምኡ'ውን ተፈላሊና፡ በበይንና ገዲፍናያ ክንከይድ ኢና። ይኹን እምበር፡ ከም ደቂ-ሰብ ኣብዛ ዓለም ከለና፡ ጐድኒ-ጐድኒ ብሓባር ክንነብር ትጽቢት ይግበረልና። ብዝተፈላለየ ተመኩሮታት ሂወት ስለ ዝሓለፍና፡ ዝተፈላለየ ጠባያት'ዩ ዘሎና፣ ሓቢርና ክንነብር ከለና ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዝምድናታትን ኲነታትን ግርጭት ዘይተርፍ ነገር እዩ። ንደቂ ሰባት ዝጠምሮምን ዘቀራርቦምን ግርጭት እምበር ስምምዕ ዘይምዃኑ ምግንዛብ ክኣ ኣገዳሲ እዩ። ሀራክሊቱስ ከምዚ ይብል" ተፈጥሮ ዝመሳሰሉ ነገራት ዘይኮነስ ተጻረርቲ ነገራት ተጊሁ እንዳናደየ ንዖኦም ጠርኒፉ ውህደቱ የረጋግጽ"። ስለዚ ኣብ ሂወት ግርጭት ንኣወንታዊ ለውጥን ምዕባለን ዘጋጥም ዕድል ወይ ብድሆ እዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ግርጭት ዘይምህልው ዘይኮነስ፡ ጽቡቕ ፍረ ንምርካብ ንግርጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ምእላይ እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ባህሊ ናቱ ኣረዳድኣን መስርሕ ኣፈታትሓን ግርጭት ከም ዘለዎ ኣብዚ ክንጸር የድሊ። ገለ ባህልታት ባእሲ ብዉዕዉዕ ክትዓትን ብቅሉዕ ኣገባብን ክፍትሑ የተባብዑ። ካልኦት ድማ፡ ብተሪር ዲስፕሊናዊ ትሕትናን ውሕሉልን ጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ዘይምስምማዕ ይመርጹ። ግርጭት ብውሕሉል ኣገባብ እንተድኣ ተታሒዙ ናብ ኣወንታዊ ለውጢ ከምርሕ ይኽእል። በገባብ እንተዘይተታሒዙን፡ ብፍላጥ ሸለል እንተተባሂሉን ግን፡ ንዝኾነ ዓይነት ዝምድና ኣዕናዊ ክኸውን ይኽል። ግርጭት ንገዛእ-ርእሱ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ኣብ ኣተሓሕዝኡ ዝምርኮስ ጉዳይ'ዩ። ጽቡቕ ጠባይ ክሃንጽ ይኽእል፡ በንጻሩ ክኣ ቅልውላው ክፈጥር ይኽእል። ንግርጭታት ከመይ ጌርና ንጥቀመሎምን ንፈትሖምን ኣብ ብህሪያዊ ጠባያቶምን ናይ መወዳእታ ዕላማናን ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ግርጭት ኩሉ ሳዕ መናርቲ ሂወት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለ ሰባት ክህሉ ይኽእል። ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ክኣ ክልዓል ይኽእል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክብርታትን፡ ስነ-ሓሳባትን፡ ዝውንኑ ውልቀ-ሰባት ክኸውን ይኽእል፣ ከምኡ'ውን ትጽቢት ናይ ሓደ ጉጅለ ካብቲ ክልእ ጉጅለ እንተዘይተማሊኡ ግርጭት ክልዓል ይኽእል። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፈአ ግርጭት ግን፡ ሓደ ቀሺ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ መራሒ ጥራይ ዝኸውን፣ ትሓዝ ንብረትን ኣቦ-መንበር ናይ ቦርድ ክኸውን ክመጣጠር ከሎ ኣብ መንጎ እቲ ቀሽን ኣባላት ቦርድ ቤተ- ክርስትያንን ዝኽሰት እዩ። ዝኾነ ኰይኑ፡ ኣብ ኮማትናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን ዘሎ ግርጭት፡ ብንጹር ምስ ፖለቲካን ምስትውዓል ዝጎደሎ ዘተን ዝተኣሳሰር እዩ። ብሓቂ ብሕሱር ማሕበረ- ፖለቲካዊ ዕንደራ ተሃሚዂና ወይ ለሚስና ኢና። መብዛሕትና ነቲ ቀንዲ መባሲ ማሕበረ- ፖለቲካዊ ጉዳያት ፍልልያትና ንርዳእ ኔርና እንተንኸውን ትርጉም ምነበሮ። ብዙሓት ካባና፡ ሓደ ጉጅለ ወይ እቲ ካልእ ጉጅለ ነየናይ ሓሳብ ይጣበቕ ከምዘሎ ብንጹር ከየረጋገጽና ነቲ ዘለናዮ ጉጅለ ንድግፍ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንብዙሕ ዓመታት ኣዕሩኽ ዝነበሩ፡ ነንሕድሕዶም ክናቖቱ ጀሚሮም። ገለ ኣዝማድ'ውን ምስ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ስለዝወገኑ፡ በዝማዶም ከም ጸላእቲ ተቖጺሮም። እቲ ሽግር ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን፡ በበይኑ ሃይማኖታዊ እምነትን ዘሎና ክንስና፡ ከም ቀደምና ኣዕሩኽን ኣዝማድን ኮይና ክንቅጽል ከምንኽእል ካብ ዘይምርዳእ ኢዩ። ፖለቲካዊ ዝምባሌና ወይ መርገጺና ብዘየገድስ፡ ብርግጽ ጥቡቕ ዝምድና ክንምስርት ዘኽእሉ ናይ ሓባር ሮቛሒታት ኣለዉና። ብሓባር ኮማትናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን መስሪትና እንዳዀስኮስና፡ ነቶም ኣብዛ ህሞት'ዚኣ ንዓቢ ሓደጋ ተቓሊዖም ዝርከቡ ደቅና፡ ብሓደ ተጠርኒፍና ከነድሕኖም ንስራሕ። ነዚ መንእሰይ ወለዶ ዘሎና ብግቡእ ናይ ምምልማልን ወይ ምኹስኳስን ግዴታ ምዝንጋዕና ዘሕዝን እዩ።

ግርጭት ምፍራህ ልሙድ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ምሁራትን ሞያውያን ኤርትራውያን፡ ካብ ግርጭት ክሃድሙ ክብሉ፡ ካብ ኮማውን ሃይማኖታዊ ትካላትን ንጥፈታት ምስታፍ፡ ንነብሶም ከግልሉ ዘይገብርዎ ጻዕሪ የልቦን። ግርጭት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከውን እሞ ምስ ካልኦት ዘለዎም ጽቡቕ ዝምድና ከይባላሾ ስለዝሻቐሉ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ በቲ በብግዚኡ ከም እሳተ-ጎመራ ዝትኮስ መወዳእታ ዘይብሉ ቆይቅን ባእስታትን ስለዝሰክሑ ይኸውን። ኣብ ንፍሲ-ወከፍ ቤተ-ክርስትያን ሓደ ብርግጽ ዝተቶኰሰ እሳተ-ጎመራ ኣሎ፡ ወይ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍንጀር ዝተደጐለ ከም ዘሎ ምዕዛብ ዘሻቕል እዩ። ብረንደን በርሻርድ ከምዚ ይብል"ንግርጭት ጎሲኻዮ ምሕላፍ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግርጭት ንምምላጥ ዘተኣማምን ግዚያዊ ስትራተጂ ክኸውን ከሎ፣ ንዝተናወሐ ስቓይ ዘአንግድ ናይ ነዊሕ ግዜ ፍቱን ስትራተጂ እዩ።"እዚ ብፍላይ ኣብቶም ንጹሃት ደቅና ስንብራት ይሓድግ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ፡ክልተ ሓለፍነት ዝጎደሎም ወለዲ ክብኣሱ ከለዉ ኣብ መንጎ ዝሳቐ ኩሉ ሳዕ እቲ ምስኪናይ ቆልዓ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ንግርጭት ጎሲኻዮ ምሕላፍን ንብስኻ ምንጻልን፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ምፍትሑ ዘምርሕ ኣይኮነን። በንጻሩ እኳ ድኣ፡ ግርጭታት ብቕልጡፍን ውሕሉልን መንገዲ እንተዘይትኣልዮም በብደረጃ እንዳዓበዩ ናብ ትቓውሞን ቅርሕንትን ቂምን እዮም ዝምዕብሉ። ስለዚ ድማ እዮም፡ ከምዚ ዓይነት ግርጭታት ናብ ውልቃዊ ምስተቐየሩ ኣብ ምጨርሻ ምእላዮም ኣጸጋሚ ዝኸውን። ግርጭታት ኣብ ክንዲ ጎሲኻዮም ትሓልፍ፡ ግንባር ንግምባር ገጢምካ ናይ ምውጋዶም ጥቕሚ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ። ብዙሓት ግርጭታት ዝላዓሉ ካብ'ቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘርእይዎ ድኹም ብቕዓት ናይ ዝርርብ ዘስዓቦ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ምዕዛብ ይክኣል። ብዙሕ ግዜ መዛርብትና ዝብሎ ብግቡእ ኣይንሰምዕን ጥራይ ዘኮነ፡ ብግቡእ ሓሳብ ንሓሳብ ኣይንለዋወጥን ኢና። ዝበዝሕ ግዜ መንቀሊ ግርጭት ዝኾኑ፡ ዝዛርቦ ዘለኹ ኣይስማዕን እዩ ዘሎ ዝብል ስምዒትን ዘይምርድዳእን እዮም። ስለዚ ኣብ ምፍታሕ ግርጭት፡ እቲ ቅዳማይ ሕጊ፡ ጽን ኢልካ ምስማዕን ነቲ ዝግለጽ ዘሎ ቀንዲ ስክፍታን መልእኽትን ክትርድኦ ምፍታንን እዩ። እዚ ነገር'ዚ ኩሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኮነን፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ኤርትራውያን ግርጭት፡ ውልቃዊ ስምዒትን ናህርን ስለ ዝውሰኹ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ይገብሮ። ኣብ ምፍታሕ ግርጭት ብህድኣትን ትሕትናን ምክብባርን ምልዛብ ወይ ምዝርራብ ኣድላዪ እዩ። ንሰባት ዘቀራርቦምን ናብ ሓድነት ዘብጽሖምን ምዝርራብ ኢዩ። ኣተሃናንጻ ሓንጎልናን፡ ቅርጽን ኣሰራርዓን ኣካላትና ካብ ነንሕድሕድና ተፈላለየ ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ኣድላይነት ምርግጋጽ፣ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዩ ዝተፈላለዩ ጠባያትን ባህርያትን ኣራኣእያታትን ዘለውና። ከም ኩሎም ደቂ-ሰባት ኩልና ብብዙሕ መንገዲ ንፈላለ ኢና። ኮይኑ ግን ካብ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ዝመጽእና ጭዋታት ሰባት ክኣ ኢና። እዚ ድማ ኢዩ ንኩልና ብሓደ ዝጠምር ናይ ሓባር ንውንኖ ረቛሒ። ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ክብርታትን ድልየታትን ዘለና ፍልልያት፡ ከምቲ ብበዓይነቱ ሕብርታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ተሰሪዑ ተዋሃሂዱ ቆይሙ ዘሎ ጽቡቕ ቀስተ-ደበና ነድንቆ፣ ከምኡ ድማ ነቲ ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ፍልልያትና ከነድንቖ ይግባእ።

ካብ ሓንቲ ምቕልልቲ ስድራቤት ወይ ድማ ካብ ደጎል ሓደ ቤት-ትምህርቲ ጀሚርካ፡ ክሳብ'ቲ ዝተራቐቐ ቦታ ቤት ዕዮ፡ ኣብ መዓልታዊ ደረጃ ሂወትና በብዓይነቶም ግርጭታት የጋጥሙናን ንምኰርን ኢና። ብሕልፊ ኣብዛ ናይ ሎሚ ተመቓቓለትን ተሓላለኸትን ድብዝዝትን ዓለም ትርከበሉ እዋን'ዚ፣ ኣብ መንጎና ንዝህሉ ግርጭት ናይ ምእላይ ክእለት ወይ ብቕዓት ምውናን ወሳኒ ናይ ሂወት ብልሓት እዩ። ናይ ስድራቤት ባእሲ ይኹን ወይ ናይ ሰብኣይን ሰበይቲን ባእሲ፡ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዕሩኽ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ጉጅለ ምስ ካልእ ጉጅለ ሰባት፣ ሕጋዊ ክሲ ኣብ መንጎ መእመናን ሓደ ቤተ ክርስትያን፡ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኮማትን ሓደ ጉጅለ ምስቲ ካልእ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ዝርኣዩ ባእስታት ዝኣምሰሉ፣ ቅድሚ ንገዛእ ርእሶም ናብ ቤት ፍርዲ ምቅልዖም፣ ነቶም ተባእሱ ኣካላት ወይ ጉጅለታት ረኺብካ ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ ምትብባዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ነዊሕ ዘይገብር፡ ኣብ ብዙሓት ቁሸታትን ከተማታት፡ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብና፡ ልዕሊ 98% ባእስታቱ ብተመርጹ ዓበይቲ ሽማግለታት ዝቖማ ኮሚቴታት ብምትሕብባር ቤተ-ክርስትያን ብልምዳዊ ኣገባብ ይዓርቕ ነይሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝውሰኑ ጉዳያት ካብ 2% ዝዋሓዱ እዮም ዝነበሩ። እንተኾነ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሕብረተ-ሰብና 98% ጉዳዩ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክውሰን ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 2% ክኣ ብሽማግለታትን ቤተ-ክርስትያንን ፍታሕ ይግበረሉ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብክልቲኦም ተባእሱ ወገናት ቅቡል ዝዀነ ናይ ክልቲኦም ድልየታት ዘዕግብ ርትዓዊ መፍትሒ ግርጭት ሃሰው ምባል በዳሂ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ግርጭት ንምፍታሕ ክንጽዕር ከለና ክንማሃሮ ዝግባእ እዚ ልሙድን ምኽኑይን ዝኾነ ዝስዕብ ኣግባብ መፍትሒ ባእሲ ኣብ ግምት ምእታው እዩ።

መጀምርያ፡ ኣብ ኩሉ ባእሲ፡ ዋላ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ዘተ'ውን እንተኾነ፡ ክፉት ልዝብ ቀንዲ ወሳኒ እዩ። ካብ ሓቂ ከይርሓቕካ ብዛዕባ'ቲ ዘባኣሰ ኲነታት ዝምልከት፡ ከመይ ከም ዝስማዓካ ምግላጽ፡ ነቲ መባእስትኻ ብሓቂ ዕቱብነት ድልየትካን ተግባራትካን የፍልጦ። ነቲ ካልእ ሰብ ዝገበሮ ሓዲግካ፡ ኣብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ጥራይ ምትኳር፡ ካልእ ዘየድሊ ግጭት ከይፍጠር ንምግታእ ይሕግዝ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ " ሰባት ነንሕድሕዶም ስለ ዝፈራርሁ ኣይሰማምዑን፡ ስለ ዘይፋለጡ ክኣ ይፈራርሁ፡ ዘይፋለጡ ድማ ነንሕድሕዶም ስለ ዘይዘራረቡ እዮም"። ሰባት ግዜ ወሲዶም፡ ቅድሚ ዝኣገረ፡ ንምጽራይን ምርዳእን ዝኣክል፡ ኣገደስቲ ሕቶታት ዝሓቱ ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝርከቡ መብዛሕትኦም ዘይምርድዳኣት ክውገዱ ምኽኣሉ። ብቕንዕና ምዝታይን ንምትሕብባር ፍቓደኛ ምዃንን፡ ናብ ዕርቂ ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ጽዕሪ ኩል ሳዕ ሓገዝቲ እዮም። ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ፡ ነቲ ካልእ ሰብ ዝብሎ ከይኮለፍካ ዘርብኡ ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ። በቲ ባእሲ ዝትንከፍ ዘበለ ነብሲ-ወከፍ ሰብ፡ በብተራ ከይተኾልፈ ክዛረብን ርእይትኡ ክግልጽን ዕድል ክረክብ ይግባእ። ኣባላት ብዙሓት ኤርትራዊት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያናት፡ ኩሎም ባዕላቶም ክዕረቑ ተኽእሎ ከምዘይብሎም ልሙድ ትዕዝብቲ ኮይኑ'ሎ። ምኽንያቱ ድማ ንሕና ኣብ ወጻኢ ንነብር ኤርትራውያን፡ ዘተና ንምርድዳእ ዝዓለመ ዘይኮነስ፡ መልሲ ናይ ምሃብ ሽውሃትን፡ ናብ ምቊያቚን ወይ ንምትራኽን ዝቐንዐ ስለዝኾነ እዩ። ግቡእ ኣቓልቦ ምሃብን ጽን ኢልካ ምስማዕን፡ ናይቲ ባእሲ ባህርያትን ትሕዝቶን ምርዳእን፡ ነቲ ግርጭት ብግቡእን ርትዓውን መንገዲ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ክብ የብሉ። ሳልሳይ፡ ንኹሎም ወገናት ዘርብሕ ፍታሕ ዕላማ ወይ ማእከል ዝገበረ መስርሕ ንምፍታሽ፡ ኩሎም ይኾኑ'ዮም ዝብሃሉ ምርጫታት ቀሪቦም፡ ብሓባር ኰንካ ክዝተየሎምን ክግምገሙን የድሊ። ብቕጽበት መልሲ ንምርካብ ዝድርኽ ስምዒት ክህሉ የብሉን። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ፡ ጸግዒ ወይ ሻራ ዘይብሎም ርእይቶታት ንምርካብ ሳልሳይ ኣካል ምውሳኽ። ራብዓይ፡ እቲ ዘተ ብናይ ኩሎም ወገናት ዘዐወተ ፍታሕ ይዛዘም። እቲ ፍታሕ ናይቲ ሽግር ፍጹምን ብዘይጉድለትን ክኸውን እኳ እንተዘይክኣለ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ክብጻሕ ዘለዎ ስምምዕ ንኽልቲኦም ወገናት ብመጠኑ ዘዕግብ ምርጫ ይኹን። ሓደ ወገን ብምጐዕባዕን ብምህዋኽን እንተ ተዓዊቱ፡ ዘይርትዓዊ ወሳኔ እንተሓሊፉ፣ ወይ ድማ እቲ ካልኣይ ኣካል ኣልሽ ኢሉ ኢዱ ኣንተዳኣ ሂቡ፡ ብርግጽ እተወጽዐ ወይ ዝተሳዕረ ወገን ኣሎ። ከም'ዚ እንተኾይኑ ክኣ፡ እቲ ውጺት ወይ ፍታሕ፡ ነቲ መሰረታዊ ነገር መንቀሊ ግርጭት ኣየወገዶን እዩ ዘስምዕ።

ሕመረት ናይ ሓደ ግርጭት ተረዲእና፡ ብመሰረት'ዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምስርሕ ብርትዓውን ፍትሓውን መንገዲ ክንፈትሖ፣ መጀመርያ ከተሓባብሩና ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ወይ ጉዳያት ከምዘለዉ ምፍላጥ፡ ከምኡ'ውን ክፈላልዩና ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ከምዘለዉ ምስትውዓል የድሊ። ይኹን እምበር፡ ዝበዝሕ ግዜ እቶም ከተሓባብሩና ዝኽእሉ ካብቶም ክፈላልዩና ዝኽእሉ ነገራት ዛይዶም ንረኽቦም። ሓድሕዳዊ ዝምድናናን ሓባራዊ ልዝብናን ክብ ክብልን፡ ቀጻልነት ክህልዎን፣ ኣብ ኣቀባብላ ከተሓባብሩና ዝኽእሉ ነገራት ነቶኰር። ሓደ ኣዚዩ ኣገዳሲን መሰረታውን ዝኾነ ንኹልና ከተሓባብር ዝኽእል ነገር፡ ሓልዮት ናይቶም ቀንዲ ግዳያት ፖለቲካዊ ባእስና ዝኾኑ ደቅና ኢዩ። ኣብ ምትዕራቕ ሓድሕዳዊ ዝምድናታትናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን ዝኽሰቱ ጉጅላዊ ባእስታት፡ ቀንዲን ዝኸፍኡን ደረኽቲ ሓይልታት ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ፣ ከም ትዕቢት፡ ድርቅና፡ ስስዕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ድንቁርና ዝኣምሰሉ ባህርያት ኢዮም። ብትዕቢትና ንሓፍረሉ፡ ስሰዐና ነወግደሉ፡ ድርቅና ኒዮው ንብለሉ፡ ኣተሓሳስባና ንቕይረሉ ግዜ ኣኺሉ'ዩ። ንነብስና ካብ ተነጽሎን ወይ ኣውራጃዊ ወገንነትን ሓራ ንውጽኣሉ፡ ሕጽረትን ደረትን ዓቅሚ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኣፍልጦና ንኣምነሉ ግዜ በጺሑ'ዩ። ብቕንዕናን ካብ ልብን፡ ንዕርክነትናን ምሕዝነትናን ንኹስኩሰሉ ፡ ከም ኩሎም ደቂ- ኣዳም ልኡማት፡ ንሓድሕድና ብትሕትናን ሕያውነትን ንዋሳኣሉ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ወገና ድማ ከም ነብስና ነኽብረሉ ግዜ ኣኺሉ ኢዩ። ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን፡ ኣባላት ቤተ ክህነትን፡ ካብ ተሓብእሉ ቦታታት ናብ ቅርዓት ወጺኦም ኣብ ምፍታሕ'ቲ ውሪሩና ዘሎ ግርጭታት፣ ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብና መሪሕ ተርኦም ክጻወቱን፡ ፍረ ሰላምን ውህደትን ክዘርኡ ይግብኦም። ነፍሲ-ወከፍ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኣብ ምህናጽ ዱልዱላት ኮማትን፣ ከምኡ'ውን ቤተ-ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ናብ ተጻብኦታትን ጽልእን ቤት-ፍርዲ ዝቕየራ፡ ከምቲ ግቡአን ቤት-ኣምላኽ ኮይነን ክዕቀባ፡ ኣብ ስራሕ ተጊህና ንሳተፍ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኮማትናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን፡ ንግርጭትን ባእስን ባዕላትና ኣንተዘየሳዊርናዮምን ኣንበድቢድናዮምን፡ ቀጻልነትን ዕድመን ህላወን ከም ዘይብሎም ንገንዘብ።

ብሓፈሻ ንሕና ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ፈላልዩና ዘሎ ሓጹር ኣፍሪስና፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓደገኛ ጉዕዞ ምኣዝኑ ወይ ኣንፈቱ ቀይርና፡ ንደቅና ሓዲሽን ዝበለጸን ደረጃ መነባብሮ ክንሃንጸሎም ዓቢ ብድሆ ይጽበየና ኣሎ። ኣብ ሓድሕዳዊ ዝምድናታትናን፡ ኮማትናን፡ ሃይማኖታዊ ትካላትናን፡ ምእንቲ ተቢዕና ፍቕርን ምክብባርን ብጻይነትን ከነተኣታቱን ከነማዕብልን፡ እታ ነጥቢ መቕይሮ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ክንረኽባ ኣሎና። ዕላማና ክንወቅዕን ቀጻልነት ጻዕሪ ዓወትና ክነረጋግጽን፡ ነቲ ዘልማዕናዮ ሓድሕዳዊ ዝምድናታትና ጻህያይ ከይውሕጦ ሸለል ክንብል የብልናን። ንጥፈታትን ጉዳያትን ኮማውን ሃይማኖታዊ ትካላትናን፡ ጽቢብ ኣረኣእያ ዘለዎም ብሃማትን፡ ዘጒባዕብዑ ደናቊርን ከካይድዎን ክመርሕዎን ኣይንፍቀድ። ንገለና ዕሽነት ንገለና ድማ ምርቓ መሲሉ ይርአ ይኸውን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ንኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ሓድነትን ሰላምን ስምምዕን ከልብሶ ዝኽእል ዝበለጸ ኲነታት፣ፖለቲካዊ ጸቕጢ ካብ ጉዳያትን ንጥፈታትን ኮማውን ሃይማኖታዊ ትካላትን ጨሪሱ ክውገድ ከሎ እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና!__


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events