Date: Sunday, 25 March 2018
ሰላም ኣይተ ዳዊት፣
ዕለት 24 መጋቢት, 2018 ዓም ፈረንጂ
ናይ ትግራይ ልሒቓን`ሲ መደረኹም ዘገርም እዩ። ባድመ መሬት ትግራይ ኣያ ኢልካ። ሓሶት ተዛሪብካ። ባድመ መሬት ኤርትራ ከም ዝኾነት ኤርትራውያን ቅድሚ ወራር ስርዓት ወያን ንፈልጥ ኔርና ኢና። ድሕሪ ውግእ ድማ ባድመን ከባቢኣን መሬት ኤርትራ ምዃኑ ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ተረጋጊጹ እዩ። ካልእ ዝገደደ ሓሶት ድማ 'ወያነ ካብ ኣፍ ደገ ኣስመራ እንታይ ዘምልስ ኔሩዋ' ብምባልካ እዩ። ወያነስ መዓስ እያ ኣብ ኣፍ ደገ ኣስመራ በጺሓ? እቲ ትዛረቦ ደምበር`ዶ ትፈልጦ ኢኻ? ወይስ ትሓልም ኢኻ ዘሎኻ? እዚ ኻዕቦ ምዕሮ ሓሶት ዝዀነን ዘይድገም ዘረባስ ኣብ`ዚ እንታይ ኣምጽኦ? ዓገብ ንሓሶት ካብ ኩሉ ክልተ ሕብሪ ጸጉሪ ዘብቘለ ወረጃ ሰብኣይ መልሓስ ዝወጸ ጻዕዳ ሓሶት!
እስከ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ውግእን ከመይ ከምተዛዘመን ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ቁንጫል ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኰሰን ዝድገም ዘረባን ከም ምስክር ካብ መልሓስ ኢህወደግ ላዕለዋይ ካድረ ነበር ኤርምያስ ለገሰ ጽን ኢልካ ስምዓዮ!። ኣብ ዩ ቱብ፥ 'Who wins the Ethio - Eitrea war 1998 - 2000' ኣቲኻ ስምዓዮ። ዓሌታዊ ስርዓት ወያነ ብሰለስቲኡ ግምባራት ማለት ብግምባር ባድመን ዛላኣምበሳን ከምኡውን ብግምባር ቡሬ *ዓሰብ* እግራ ተሓምሽሻን ስድሪ ምስጓም ስኢና ተሮኽምሻ ተጸፊዓን እያ ዝተመልሰት እምበር ፈትያ ኣይኮነትን። እቲ ሓቂ ውሓጦ ወይ ኣይትውሓጦ እዚ ጥራሕ እዩ። ምስ ኩሉ ክብረት፣ እዚ ዎደሓንካ!
*ኣቶ ዳዊት (መዋሊ መዝሙር ሰላም ኢትዮ ኤርትራ) "ወያነ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ እንታይ ዘምልስ ነይርዎ"
https://www.youtube.com/watch?v=icnK71RPK10