Dehai

EriGazette.org: ገዛ ዳኒኤል ስለምንታይ ተሰሪቑ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 30 January 2018

Jan
29
2018
 

ኣብ መንጎ ህዝቢን ናይ መንግስቲ ትካላትን ከም ባንኪታት ኢንሹራንስን ዘሎ ምትእምማንን ዘይምትእምማን፥ ሳዕበን ናይ ምትእምማን ዘለዎ ረብሓን ናይ ዘይምትእምማን ዘስዕቦ ጉድኣትን ፍልልዩ ንርኤ። (ብ በርሀ በራኺ 28-01-18)

ባንኪን ናይ ባንኪ ጥቕሚን እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ ድግሽነሪ  ምግንጻል ዘይድልዮ ጉዳይ’ዩ። ባንኪ ማለት እሙን ገዛ ናይ ህዝቢን መንግስቲን ፖሊስን ቤት ፍርዲን ከምኡ ውን ክሳብ ናይ ዓለም ሕጊ ዋሕስነት ዘለዎ ገዛ ማለት እዩ።

ኣብ ኩሉ ዓለም ድማ ኣሎ። እዚ’ንታይ ማለት’ዩ፥ ገለ ሰባት ኣለና ኣብ ባንኪ ጥረ ገንዘብ ጥራሕ ከምዝቕመጦ ገይርና ንኣምን። ባንኪ ግን ገንዘብ ጥራሕ ኣይኮነን ዝቕመጦ ወይ ዘቐምጥ ዝዕቅብ ዝሰትር፥ ኩሉ ድሕሪ ባንኪ ውን ወይ ማዕረ ባንኪ ዘሎ ሓደ ዓቢ ዋሕስነት ዘለዎ ሰታሪን ተካኢን (ከሓሲ) ናይ ኩሉ ብሰንኪ ባህርያዊን ብሰብን ዝመጽእ ኣብ ልዕሊ ቅኑዕ ሰብን ንብረትን ንዝመጽዕ ናይ ምዕናውን ምኽሳርን ሳዕበን ዝኽሕስን ዝትክእን ትካል እዩ።

እዞም 2 ዓበይቲ ንህዝቢ ንመንግስቲን ንካፒታልን ዘወሃህዱን ዝጠምሩን ዋሕስነት ዘለዎም ትካላት’ዮም። ንብረትካ ኣብ ገዛኻ፥ ኣብ ገዛ ቤተ-ሰብ፥ ኣዕሩኽትኻን ብሕድሪ እተቐምጦ፥ ኣብ ግዜ ባህርያዊ (ሓዊ) ይኹን ሰብ ብዘምጽኦ ሓደጋ (ስርቂ) ነቲ ብሓደራ ኣቐምጠለይ ዝበልካዮ ሰብ፥ ስረኻ ብኽሳድካ ኣውጽኣያ ኣይትብሎን ኢኻ ነሱ ውን ናይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ግዳይ ስለ ዝኾነ።

ባንኪ ግን ዝኾነ ንብረት ወርቂን ይኹን ካልእ ክቡራት ነገራት ቫልዩ ዘለዎም ብገንዘብ ተተሚኖም ተመሊሶም ዘይርከቡ ንኣብነት ከም ዶኩመንትን ስእልታትን ስልማትን ናይቀደምን ክቡራትን ቀጻሊ ዘይትወድየን ከም ስዓታት ክሳብ ክዳውንቲ ብሽም ቀዳማይ ዋንና ኣብ ባንኪ ከተቐምጦ ከለኻ ብድሕረኻ ነስኻ በጋጣም ብሓደጋ ብዘይ ለበዋ እንተሞትካ መንዩ ናትካ ተካኢን ወራሲን ውን ምስቲ ንብረት ብጽሑፍ ኣብ ባንክ ተቐምጥ።

ቅዳሕ ድማ ናብ ገዛኻን ካብ ገዛኻ ሓሊፉ ውን ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ሓደ ዓቢ ናይ ኖታዮ ቤት ጽሕፈት  ቅዳሕ ተቐምጥ። እዚ ነቲ ነስኻ ነሱ ነሳ ነሳቶም ጥራሕ’ዮም ዝውክሉኒ ዝወርሱኒ እትብሎም ሰባት ኣስማቶም ምስኡ ተቐምጥ። እዚ ንብረት’ዚ ብዋሕስነት ናይ መንግስቲን ክሳብ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም (UN) ዋሕስነትን ዘለዎ ይኸውን። ብሂወትካ ከለኻ ውን ኣብ ዘድልየካ እዋን ትርእዮን (ቸክ ትገብሮ) ትጥቀመሉን።

እሞ ክቡራት ኤርትራውያን ንማዕጾን መፍትሕን ዋላ ኣላርም ዘለዎ ገዛናን መኪናናን ገዛ ጎረበትናን ኣይንእመን። ነዚኦም ኣሚንና ዋላ ንሓንቲ ቀዳመ ሰንበት ክገይሽ ስለ ዝኾንኩ ኢልና ንክቡር ንብረትና ክዕቀበልናን ክጸንሓናን ኢልና ኣብ ኣርማድዮ ዓጺና ማዕጾ ገዛና ረጒጥና ኣይንግሽ ኣይንውጻእ ኣይንዙር።

ሰረቕቲ ኣብ ገዛ ነጋዶ ሃበትምን ኣርቲስቲን ዝኾኑ ሰባትን ጥራሕ ኣይኮኑን ሃሰስ ዝብሉ፥ ሰረቕቲ ካብቲ ናትካ ዝሕይል እንተልጀንት ዝኾነ ናይ መካይን ይኹን ናይ ገዛውቲ መፋትሕ ኣለዎም። ካብ ሰረቕቲ ዝሕይል ካልእ ውን ኣሎ፥ ናይ ሓዊ ባርዕ (ምቅጻል) ካብ ገዛኻ ዝነቅል ይኹን ካብ ገዛ ጎሬበትካን። ኩሉ ግዜ ግን እታ ገዛኻ ንባዕላ ብሓዊ ህሙኽ ክትብል ከላ ኢንሹራንስ ኣእቲኻያ እንተጸኒሕካ ኣይትኸስርን ኢኻ። ወርቂን ክቡራት ደኩመንትን ስእልታትን ኣይምለሱን’ዮም ኣብቲ ናይ ኢንሹራንስ ፖሊሲ ውን የለዉን እትዋት ኣይኮኑን። እዚኦም ኣብ ባንኪ ምስ ዝቕመጡ ጥራሕ’ዮም ጋራንትድ ዝኾኑ (ዋሕስነት ዘለዎም)።

ባንኪ ከመይ ገይርካ ከምዝስረቕ ውን ኩሉ ብልሓት ኣለዎም ኣብ ባንኪ ኣትዮም ክሰርቁ ከለዉ ግን ነቲ ክቡር ነገር ብገንዘብ ዘይትመን ከም ስእልታትን ዶኩመንትን ኣይወስዱን’ዮም። ከም ጥረ ገንዘብን ወርቂን’ዮም ዝወስዱ ካብ ባንኪ ንኽወስዱ ግን እቲ ዕድል ብሕልፊ ኣብ ሃገርና 0.001 ሓንቲ ሽሓዊት እያ’ታ ከተጋጥም   ትኽእል ኢልካ እትግምታ ነሳውን 8 ጎድኒ ዘለዎ ዋሕስነት ኣለዋ።

እዞም ገንዘብኩም ክቡር ንብረትኩም ኣብ ባንኪ ኣይተቐምጡ ዝብሉ እቶም ብሰረቕቲ ተኸፊሎም ናይ ስረቕቲ ኣድቨርታይዝ ዘወዓዉዑ (ረክላም) ዝገብሩ እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ መጀመርታ 90ዓታት ኣብ ኤርትራ ወያነ ዘዋፈሮም ኣብ ቁጠባ ህዝቢ ዓቢ ክሳራ ኣእትዮም እዮም።

መንግስቲ ካብ ዘይብሉ ንስድራ ስዉኣትን ንስኩላንን ንመጣየሲን ኢሉ ዝሃቦም ገንዘብ ድሮ መንግስቲ ናይ ደበስን መጣየሲን ክህብ’ዩ ምስ ተሰምዐ’ዮ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንድታት ክነዝሑ ጀሚሮም።

ኣብ ፍቕዶ ኣንዳ መስተን እንዳ ኣውቶቡሳትን ኣብ ዕዳጋታትን ገንዘብ ኣብ ባንኪ ኣይተቐምጡ ጽባሕ መንግስቲ ኣይህበኩን’ዩ፥ ውለድ ውን የብሉን እንዳበሉ ናብ ኩሉ ህዝቢ ብወረወረ ከምዝባጻሕ ገይሮም ምስኡ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እትዮጵያ ሎሚ ኣብ ባንኮም ገንዘብ ኣንተ ኣቐሚጥካ ካብ 15 ክሳብ 20% (ዕስራ ካብ ሚእቲ) ውለድ ይህቡኻ (ይሓስቡልካ) ኢሎም ኹሎም’ቶም ካብ መንግስቲ መጣየሲ ድዩ ናይ ደበስ ዝተቐበሉ ብመንገዲ’ቶም ደላሎ ኣቢሎም ንኢትዮጵያ ኣስጊሮሞ።

እዚ ገንዘብ’ዚ ክሳብ ሎሚ ከምዘይተረኽበን ከምዘይተመልሰን ናይ ኩልና ተዘክሮ’ዩ።ነዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ ከዳሉን ክጽሕፍን ዝወገደድኒ ኣብረድዮ ህዝቢን ፖሊስን ርክባት ናይ ዳኒኤል ተቐዳዳማይን ተዓዋታይን ንብረት ካብ ገዝኡ ክሳብ 8000,00 ኤውሮን 360 ናይ ደቡብ ኣፍርቃ ራንድን ካልእ ዝተፈላለየ ሽልማትን ናይ ካልኦት ሰባትን ካብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተሰርቁ ምስ ሰማዕኩ’የ ስለምንታይ ክንድዚ ገንዘብን ወርቂታትን ኣብ ገዛ? ካብ ዝብል ሕቶን ምግራምን ተላዒለ’የ’ሞ ነዚ ዘንበብና ናብ ኩሉ ምእንቲ ክባጻሕ ሸር ካብ ምግባር ኣይንትሃመል።

ንባዕልና ውን ንጠቐመሉ። ባንክታት ውን ንህዝቢ ቀጻሊ ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠ፥ ናይ ደገ ይኹን ናይ ውሽጢ ሃገር ባጠራ ኣብ ዘድልዮም ግዜ ብዝደለይዎ እዋን ብዝደለይዎ ኣገባብን ንኣብነት ዕድጊ ክገብሩ ድዮም ቤተሰብ ምብጻሕ ንደገ ክገሹ ክጀለዉ ክረኽብዎ ድዩ ብካሽ ወይስ ኣብቲ ዝኸድሉ ሃገር ዘሎ ባንኪ ድዩ ትራንስፈር ክግበረሎም ወይ ኢንተርናሽዮናል ቸክ ክወሃቦም ከምዝኾነ ባንክታት ሓበሬታን ዋሕስነትን ክህባ ክኽእላ’ለወን።

ናይ ሃገርና  ባንክታት ኢንሹራንስን ናይ ኣድቨርታይዝ (ንህዝቢ ቀጻሊ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ድኽመት ኣለወን። ትካል ኢንሹራንስ ድማ ምእንቲ ተኣመንቲ ክኾና ከምቲ ኣብቲ ናተን ፖሊሲ ዘሎ ውዕላት ኣብ ግዜ ሓደጋን ካሕሳን ክኸውን ከሎ ከምቲ ኣብቲ ውዕል ዘሎ ከምዘይ ገብራን ከምዘይ ክሕሳን ምስኡን ኣብ ክንደይ ኮለልን ከምዘብጽሓ’የን ዝሕመያ ዘለዋ።

ሰብ ታክሲ ንኣብነት ሓደ በዓል ታክሲ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ መኪናኡ ታክሱ ክትዕረ ሰሙን ካብ ስራሕ ጠጠው እንተ ኢላ በቲ ንመዓልቲ ዘእትዎ ዝነበረ ተሓሲቡ ናይሰሙን ጠጠው ዝበሎ፥ እቲ ዝሃረሞ ሰብ ብናቱ ኢንሹራንስ መንገዲ ክኽሕሶ ከምዘለዎ እንተዝግበር። ኣብዚ ሰብታክሲ ድማ ንመዓልቲ ክንደይከምዝእትዉ ይሓብኡ’ዮም እንድዩ ዝበሃል ኣብዚ ውን ምእንቲ ኣብ ግዜ ሓደ ክረብሑ ኢሎም ንእቶቶም ኣይምሓብኡን ብቕንዕና ንኽሰርሑ ምሓገዞም ዝብል እምነት ኣሎ።

ገዛ ዝውንን ሰብ ድማ ገዝኡ ኢንሹራንስ ንኸእቱ ብድልየት ዘይኮነስ ብምግዳድ እንተዝኸውን። ኣነ ጥንቁቕ’የ ንዓይ ናይ ሓዊ ባርዕል ኣየጋጥመንን’ዩ ትብል ትኸውን ጎረበትካ ኸ ሓዊ’ኮ ካብ ገዛኻ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጅምር ካብ ገዛ ጎረቤት ካን ክመጽእ እኽእል’ዩ ብ በርቂ ዝመጽእ ሓዊን ዕንወትን ውን ኣሎ። እሞ መንግስቲ ማሕበር ኢንሑራንሲን ንወነንቲ ገዛ ገዛውቶም ኢንሹራንስ ንኸእቱ እንተዘድድዎም ክንደይ ህዝቢ ኣብ ንብረቱን ኣብ ሂወቱን ኣብ ትሕቲ ረቢ/ኣምላኽ ናይ ዋሕስነት ዋሕስነት እንዳተሰምኦ ምነበረ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ድማ ካሕሳ ከምዘሎ ፈሊጡ ካብ ክቱር ጓሂ ነብሱ ኣይምሃሰየን።

ዓወት ንሓፋሽ!!

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events