Date: Thursday, 25 January 2018
ዝኸበርኩም ኣካየድቲ ዌብ ሳይት
ተኸታትሊ መደብ ደሃይ ኦርግ ኢየ: ካብ እተስፍርዎ ሓበሬታታት ንጉዳይ ሃገርናን ካልእን ብዙሕ ትምህርትን ሓበሬታትን ኢየ ዝረክብ ብስርሓኹም ዕጉብ ኮይነ ኣሳልጦ ይምነየልኩም።
እዛ ዝልእኸልኩም ዘለኹ ጽሕፍቲ: ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ብዕለት 20 ጥሪ 2018 ኣብ ቲቪ ሰነድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ: ንኽቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ክጸርፎን ከቓልሎን ስለ ዝሰማዕክዎ: ብዛዕባ ሑሩይ ዘሎኒ ርእይቶይ ክገልጽ ስለ ዝደለኹ ኣብ ድሃይ ንኽተውጽእዎ ብትሕትና ይሓትት።
ፋሲል ቀለታ (ሚላኖ)