Dehai

ገጽ-መጽሓፍ፡ ኣባ ጎብየ ብቃላት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ እንክትንተን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 16 January 2018

 
ኣባ ጎብየ ብቃላት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ እንክትንተን
 
 
መንከም ተጋዳላይ 
ወርሒ ጥሪ ዕለት 16, 2018 ዓም ፈረንጂ
*ትንተና ጋዜጠኛታት ኢሳት ኣብ`ዚ ስማዕ፡
Bild könnte enthalten: 1 Person, TextBild könnte enthalten: 1 Person, Nahaufnahme

ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ


ኣነ ከም ኤርትራዊ መጠን ኣብ ህይወተይ ካብ ዝተሓጎስኩለን መዓልታት ሓንቲ ሎሚ እያ ብመንነተይ ልዕሊ ካልእ ግዜ ኮሪዔ ሓበን ተሰሚዑኒ ነዚ ብሩኽ ሃገር ሓርበኛ ህዝቢ እንዳሓደርካ ቃልካ ተሐድሰሉ ወረጃ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ውላድካ ኾንኩ ኣፍልበይ ነፊሐ ብሓጎስ ተፈንጪሐ እሞ ከማይ ተሓጎሱ ደቂ ኤረይ ጀጋኑ ናብ ንባብ ክመልሰኩም.


መግለጺ ኣባ ጎብየ ምስተሰምዐ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ እተን ቀንዲ መዛራረቢ ጉዳያት፣


1 ዓንቀጽ 39
2 ቁጠባ ምብሓት
3 ወተሃደራውን ጸጥታውን ምብሓት
4 ጊላ ናይ ደገ ሓይልታት ሙዃን


እቶም ፖለቲከኛታት ብሓደ ድምጺ "ወርቃዊ ቃላት " ክብሉ ይገልጽዎ ቀዳማይ ጸላኢኦም ስለዝፈለጡ


1. ዓንቀጽ 39 (ናይ ምንጻል መሰል) ህግ ካብ መጀመርያኡ እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣድላዪ ከምዘይኮነን ንብሄራት ኣብ ምትፍናን ከምዘእቱን ቀደም ከምዝነገሮምን ሪፑብሊክ ትግራይ ናይ ምምስራት ሕልሞም ቀይሮም ናብ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሰርሑን ከምዝመዓዶምን ከምዘይተግበሩዎን ብመሰነይታ ኣብሪሆም ከም ኣብነት ኣብ ግዜ መፈንቅለ መንግስቲ 1989 ህግ ኣብ እቲ መፈንቅለ መንግስቲ እንተታዓዊቱ እጃሙ ከበርክት ሙዃኑ ክገልጽ ከሎ ወያነ ግን ከም ዝኣበዩ ይገልጽ እዚ ድማ ወያነ ንነብሶም ከም ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሓስቡዋ ኣይነበሩን ክብሉ መጽሓፍ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊኦርጊሳቂቦም ከም ካላኣይ ኣቶ ለንጮ ለታ ኣኣብ ኢሳት ቀሪቡ ህግ ኦነግ ናይ ምንጻል ኣጀንዱኡክቅይር ኩሉ ግዜ ይምዕዶ ምንባሩ ኣብ ቃለመጠይቁ ገሊጹ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንኢህደን ናይ ሕጂ ብኣዴን ይሕግዞ ከምዝነበረ ይገልጹ ብኣዴን ኢትዮጵያውነት ይዝምር ስለ ዝነበረ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓያል ድፍኢት ህዝባዊ ግንባር ኢህወደግ ክምስረት ከምዝገበረ ገሊጾም።


2. ምብሓት ቁጠባ እዚ ድማ ህግ ብንግሁኡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ኩሉ ህዝቢ ክትዝርግሑዎ እንተኽኢልኩም ጥራሕ ኢኹም ብሰላም ክትነብሩ ትኽእሉ ከም ኣማራጺ ግን ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዘሕለፎ ከርከላሕ ጻማ ወይ ካሕሳ ከም ዝግቦኦ ድማ ነጊሩዎም ወያነ ግን ንብሙሉኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተላይ ንህዝቢ ትግራይ ወጊኖም ውሑዳት ተረባሕቲ ኮይኖም ንህዝቢ ብዓልየት እንዳጋጨዉ ክነብሩ ፈቲኖም እዚ ድማ ዓቢ ዕንወት የውርድ ከምዘሎን ኢትዮጵያ ናብ ምፍርራስ ትኸይድ ከምዘላን ሓገዝ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከይፍለዮም ተማሕጺኖም።


3. ወተሃደራውን ጸጥታውን ምብሓት እዚ ድማ ብቀንዱ ቀዳማይ ጸገም እዩ ኩለን ብሄራት ኢትዮጵያ እጃም ከም ዝህሉወን እንተዘይ ጌርካ እቲ ምትፍናን ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ይበጽሕ እሞ ግርጭት ይበዝሕ ሕጊ ይርገጽ ገለ መሰላ ከተራጋግጽ ገለ ድማ ልዕልናኣ ክትሕሉ ነዚ ክጥዕሞም ድማ ህዝቢ ብብሄር ፈላልዮም ከናቁትዎ ፈቲኖም ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ነቂሑ ናብ ሓድነት ይመጽእ ኣሎ ድሕሪ ወያነ የማዕዱ።


4. ጊላ ናይ ደገ ሓይልታት ህግ ጽባሕ ናጽነት ነጊሩዎም ደጊም ታሪኽ ኢትዮጵያ ቀይሩዎ ጸጋታት ስለ ዘለኩም ድሕሪ ዝተወሰነ ደገፍ ና ርእስኻ ምኽኣል ኣድሂብኩም ስርሑ ደጊም ልመና ይኣክል ኢሉዎም ግን ኣይሰምዑን እታ ዝጸንሐት ክንቅጽላ ኢና ኢሎም ሓንጊዶም ኢትዮጵያ ናብ ዘይትወጾ ለቃሕን ድጎማን የእትዮማ ኢሎም ብምስትምሳል ተንቲኖም 
ካልእ መበገሲ ውግእ ዶብ ወይ ባድመ ከምዘይነበረን


ኣካይዳ ኤርትራ ደስ ዘይበሎም ሓይልታት ንኤርትራ ምድቋስ ተባሂሉ ከም ዝተኣዘዙን ንምትግባሩ ከምዝተንቀሳቀሱን ገሊጾም እዚ ድማ ዕንወትን ጥፍኣትን ጥራይ ከም ዝነበረ ትርፉ ገምጊሞም ወነንቲ ነብሶም ዘይሙዃኖም ድማ ኣብዚ ኹሉ ሽግር ተሸሚሞም መውጽኢ ከምዘይብሎም ተንቲኖም።፣


ኣብ መወዳእታ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣሰወርቂ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሚእቲ ዓመት ዕዮ ገዛ ሂብናዮም ኢሉ ትባሃል ዘረባ ክሳብ ሕጂ መረጋገጺ ከምዘይረአኸቡላን ሓቅነት ከምዘይብላን ድሕሪ ምግላጽ ንኽቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ሓቂ እዚ ዘረጋገጸሎምን ኣብ መጻሕፍቲ ምሁራት ኢትዮጵያውያን ከምዝረኸቡዎን ብምግላጽ ዕድመን ጥዕናን ተመንዮም ታራ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ድማ ዕዙዝ ክኸውን ኣዘኻኺሮም።


ኩሉኹም ዘንበብኩሞ ኮመንት ሃቡ 
ወድቀት ንወያነን ሳዓብታን 
ዓወት ንሓፋሽ!!

 

 
Bild könnte enthalten: 1 Person, Nahaufnahme
Bild könnte enthalten: 1 Person, lächelnd, Selfie
Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen
Bild könnte enthalten: 1 Person, lächelnd, steht
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events