Dehai

ነቢይ - ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) 2018

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 14 January 2018

ነቢይ

ማዕበላት ይተሓቖን ምስ ንፋስ ቃኤሉ
ህቦብላ  ይናወጽ  ሓጎጽጎጽ ጉዕዞ ንኣመሉ
ውዲታት ይተታዕ  ተርባጻት ትማሊ የቕዘዝዉ
ነብይ መዓስ ይእግሞ ኪነው ሎሚ እንድዩ ምምዕዳዉ

        ይደጋገም ኣበሳ ኣብ ልዕሊ ኣበሳ
ወይ ከ ምዕይ ካብ ቲ ሓራ መስመር ህዱእ ምረሻ
ዋጭዋጭታ  ወኻሩ ዘይቅልሶ ሓየት ኣንበሳ
ኮርዒዳ እንዲኻ ጭጉራፉ ዘስኑ ሃብሮም  ጓሳ

       ዘይከምቶም ገሊኦም ብዋጋ ህዝቦም ዝቋመሩ
ብብልሽውና  ዝጠስጠሱ ማሕፉዳ ጅቦኦም  ዘህጥሩ
ኮርሻ ስልጣኖም ወርቂ ለቢጦም ዘጌጹ
ነቢይ ግና ጽኑዕ ኣብ መርገጹ 
ንስኻስ ሃልወልና ደኣ ገባቶ ይቕበጹ

      መን ኣሎ እሞ  ዘይ ንስኻ ሕዉስ ምስ ህዝቡ
ንሪኢ ዶ የለናን ነጋውስ ብየማነ ጸጋም ክዕጀቡ
እንትርፎ  ኮረሾኦም ዝፋኖም ዘሙቑ ሰብ ክራባታ 
ሓጽብታት ዲጋታት ዝምውዓል ዘይ ነብይ የለን ኮታ

      ኣብ መብረድ ሳሕል ዝተሳሕለ
    ቃሉን ግብሩን ሓድሕድ ዝሳነ
ዘይጸዓድ ዘይስነፍ ብግዚያዊ ወጥሪ ዘይጀጁ
ወትሩ ንቑሕ ሓኾት ዝብል ሃገር ከገምጁ

           እንጉይ እንተበሉ ኣዛብእ ቀትሪ
ጫምጫምታ ህጹፋት ዘንውሑ ባሕጃሪ ጽፍሪ
ብሓያል  ዓቕልኻ ነብይ ቀስሞም ሰባሪ
ሃልወልና ዕድመን ጥዕናን  ይሃብካ ፈጣሪ

    ገና ኣብ ሸፋሕታ በታ ናይ ትማሊ ሽዳ
ወትሩ ኣብ ጽምደት  ሃብሮማይ ኮርዒዳ
እዛ ዓዲ ሓጥር ክንደይ የፍሪ እቲ  ከብዳ
ሃልወልና ደኣ  ነብይ ኣርሓ በዓል መንጉዳ

      ዕጽፊ ሰጉም ኣንታ ዕጉስ
ጎብለል ዞባና ኣንበሳ ኣናብስ
ቅድስቲ መሬት ዋሕሳ ኢኻ ፋርስ
ጥዋፍ ቤተልሄም  ቀንደል ሃገር ድሙቕ ፋኑስ

    ንበር ክበር   ነብይ  ኣድሃ  ሓጥር
 ጅልሕላሕ ዝሓልሙ ክብሉ ሕርር ኩምትር
ብርክኻ ትጽናዕ ዓይኒ ኣባይካ ይደፈን
ብሳላ ተሓሊፉ ግብታ ተካል ጸዋግ  ዘመን   
          
       መስጊዱን ዶግዕኡን ቁር ኣኑን
ታቦቱን ማህሌቱን  ዳዊቱን
ከበሳን ቆልኡን  ብሓደ እትውድን
ጓሳ ህዝቡ እንዲኻ ነቢይ ኣንታ እሙን

       እምበር ንርኢ ዶ የለናን ገዘፍቲ ኣኽብድቲ
ህዝቦም ዘናቑቱ መጋበርያ ኮይኖም ከደምቲ
እንተ ንስኻ ግን ነቢይ  ተሰካሚ ጾር  ጾር ሃገር                                
 ሰፊሕ እንግድዓ ወዲ ህዝቢ  ንበር ሃልወልና  
ኣድሃ  ኣንታ ጽኑዕ ማእገር
    ዘይብገርርርርር

    ኣሸናፊ  ኣብርሃም (ኣሼ) 
 2018
    ጀርመን
    ዓወት ንሓፋሽ

https://drive.google.com/file/d/16aPrhxjyia1ZVECnFihsrxeN3y9AolbZ/view?usp=sharing





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events