Dehai

**ስም ምረጹላ** ብገዲም ተጋዳላይ ሸናፊ ኣብርሃም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 01 December 2017

**ስም ምረጹላ**
   
 ኣብቲ ከም ሽሙ ገድሊ
ክትድብል ርእየያ  ትማሊ
እታ ብልጽቲ ብጸይቲ ዘልኣለመይ
ናይ ጽንዓት መምህር መዳፍዕቲ ጎነይ

      ዓጽመ ስጋኣ ተበያይዱ
ጥይትን ጅላድን  ኣብ ዝባና በሪዱ
ጽማመ ዝመለለያ ሓኾተ ጻዕራም
ኣርኣያ ዓቕሊ ክትጸንዕ ጉዳም

       ባህሪ ዘይሓልካ ሙሉእ ተስፋኣ
ወናኒት ሞራል ኒሕ  ዘይጽንቀቕ ሓቦኣ
 ክምስታ ዘይፍለያ ዘይትጀጁ ብወጥሪ
እታ ተጸማሚት ኣርማ ጽንዓት እያ እምበሪ

     ሃይ ዘይወጻ ነካስ ጉዳም ክትጽመም
ልዕሊ ኣባጽሕ እትሃጅም ናብ ቲ ረመጽ እቶን
እንትርፎ ሕራነ ሕጹብ ከብዳ ምስ ድፍድፍ ሓሞታ
ሰም እባ ምረጹላ ዝዳረግ ዝበቅዕ ምስ ውዕለታ

       ኣንታ ጅግና ደኣ ኩሉ እንድዩ ዝበሃሎ
ሓየት እንተተባህለት መዓስ ንስማ  ይውክሎ
ስም ግዳ ምረጹላ ነዛ ማእከል ስሕበት ጽንዓት
ንዋዕሮ ደባሊት ሓኔታ ዓላሊት ኣብ ኩናት

         ክንደይ እምበር 'ያ ተዋሊአ ዕንክይክይ በረግ በረግ
ጀቖቕ ዝበላ ከብዳ ንሳን ክትረጋገግ ኣብቲ ረግረግ
ምስ ድርብ ዕያር ሓልኪ ገጢማ ነኺሳ እተንክስ
ኣበርኹለይ ስማ ነዛ ንግስቲ  ነጋውስ

    ስም ምረጹላ ሓየት ትማሊ ሓየት ሎሚ  ዘንት እለት
ዕቐና ሃቡለይ  መልማሊት ኣፍራይት  ሓቦኣ ዘይነከየት
ገበታ ቃንዛ ጸይራ ኣውዳላት  ክልህልሁ
ሐሕሰሙ መሊኻ እንድያ ሃገር ቀሲና ከተስተርሑ

         ዕድመ ግርዝውናኣ  ዕድመ መርዓ ደርዓ
ማህጸና እምበር እያ ንሪም ወፍያ ክንዲ ሕንጣይ ቆልዓ
ክንዲ ወሊዳ ትኸብድ ትኸብር  ትማሙቕ
ገድሊ ዝመረጸት  ከውታ እዋን ከተብርቕ

          እቲ ጥቦት ማዓጓጉርታ ብረሃጽ ተሓጺቡ
 ክንዲ ማሕዘል መዓንጣኣ  ሸሪጥ ተኸቢቡ
እንትርፎ ሃፈጽታ ዕብልኹታ ሽታ ባሩድ 
ዕጣን ዶ የህጊጋ መቦኮርያ ሃነን ዝብል ዑድ

          መዓስ ኣብረቕሪቓ ኣጊጻ  ብብሩር ወርቂ
ኣምባር ዶ ተሓናቒት ኩትሻ ተሰሊማ ዑንቂ
ጥልፊ ዶ ሽፎን ጋቢ ደሪዕ  ተጀንጂና ዘመዕርጋ
ልዕሊ ኣባጻሕ እባ ደኣ ኣብ መጋርያ እቶን ተረጋሪጋ

       ባህሪ ዘይሓልካ  ሽግር ዘይእግማ
ልዕሊ ጽማመ ነቲ ሕሱም እንድያ ተጸሚማ
ኣድንቐለይ ተጋዳሊት ኣበርኹላይ ክቡር ስማ
ስም መረጸላ  ንክብርተይ  ሃገር ዝገዳማ

  ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
   ጀርመን
 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events