Dehai

Dahabshiil long banner 728x90
Eritrea for mobile viewing

"" ይገንጸል ማህደራ"" 2ይ "" ፡ ብገዲም ተጋዳላይ ሸናፊ ኣብርሃም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 01 December 2017

""  ይገንጸል  ማህደራ"" 

    2ይ

    ከይዓርቃ  ቁምጣይ ለጋጊባ
ቁማለይ ትነግፍ ጀብጀበይ ሓጺባ
ኣደን ሓብትን ጸኒዓ ዘጽንዐትኒ
ብጸይቲ በረኻ ሕሉፋ ተራእዩኒ

      ልዕሊ ኣጓብዝ ዘሊላ ሃጂማ
 ነኺሳ ኣብ መትከል  ረጊጻ ዕላማ
ብጸይቲ ዘልኣለመይ ሃገር ገዳማ 
ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት  ስማ

     በጽሒ ክዋላእ
 ንሳ  ወይከ ሰጋእ
ሕጽብቲ መዓንጣ ትገጥም ምስ ኣውዳል ከላእ
 ትሃጅም ቅድሚ ኣባጽሕ  ኢራብ ሞሮር
ዘከርኩዋ  ናፈቕኩዋ ደለኹዋ እምበር

    ዕድመ ግይርዝውናኣ ንኸርተት ኣሕሊፋቶ
ሓድጊ ውሉድ ከይበለት ሐሕሰሙ መሊኻቶ
ክንዲ ሕንጣይ ትስዕም ትኸብድ ትኸብር ትማሙቕ
ማህጸና ንርስቲ ሃገር ሂባቶ ሂወታ ዘይትበቅቕ

   ዘከርኩዋ እምበር ተሸሚመ ኣብ ዝኽሪ
ሓብሓቢት መዓዲት  ጀጋኑ እተፍሪ
መሪሓ  እትዋጋእ ኣርኣያ ጽንዓት
ብጸይቲ ዘልኣለመይ ዘከርኩዋ ብኹርዓት

       ትንበር እዛ ፋኑሰይ
ተጋዳሊት በሉ ብዓውታ  እስከ ዘክሩለይ
 ኣድምቑለይ ስማ  ነዛ ልእልቲ
 ሳልኣ እንድያ ተመንዚዓ እዛ ርስቲ
    
   ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
   ጀርመን /2017

Dm eri tv subscribe

ERi-TV, #Eritrea: Interview with President Isaias Afwerki, November 3, 2018