Dehai

"" ይገንጸል ማህደራ"" 1ይ "" ብገዲም ተጋዳላይ ሸናፊ ኣብርሃም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 01 December 2017

"" ይገንጸል ማህደራ"" 
      1"ይ
እቲ ትማሊ ኣብቲ ናይ ፍጥጥ ህሞት
ደበንገረ ጸላም  ሲኦል ወቕተ ሞት ሕየት  
መዋድቕተይ ነይራ ኣብቲ ገድሊ መዳፍዕቲ ጎነይ
ዘከርክዋ እምበር ይከኣላ ተጋዳሊት ብጸይተይ

     እታ ድርብ ዝስሕለታ
ፈጻሚት እጹብ ዛንታ
ንሳ እወ እታ ኢራብ ሞሮር
ውዕለታ መዓስ ይኣኽሎ እሞ ደብተር

     ማዕርነት ኮፐን ሃገን ዝብሉና
ኤርትራዊት ዘይውከሱ ነታ ዋዕሮ ጂግና
ልዕሊ ኣባጽሕ እትስጉም ሸሪጥ ሕዛባ
እታ ሓየት ኮርዒዳ ኣውዳላት እንድያ ኣዘባዚባ

   እታ ዘይትጀጁ ሕጽብቲ መዓንጣ
ስረ ሰብኡት ለቢሳ ጋምባለ ምስ ቁምጣ
ድርብ ማሕለኻ ሰጊራቶ ብጽንዓታ  ግምጃ  ሰንደቕ ኣርማ
መወከሲ ታሪኽ እንድያ ኤርትራዊት ተጋዳሊት ሽማ

    ኣበይ ኮን ኣሎ ንሳ ዘይጸመደትሉ ውዕሎ
መሪሕ ኮይና እንድያ ኣብቲ መሪር ተጋድሎ
ሰብኣይ ክጀጁ ንሳ ጸኒዓ ሰገጥ መዓስ ኢላ
እታ ዕጥቕቲ ብጸይተይ ማህደር ደሞ ክብላ

   ቡምባ ጨቢጣ ዝባን ታንኪ ክትሕንገር
ኣብ ህጁም ትዕልል  ሓየት ኣንበሲት ዘከርክዋ እምበር
ንሳ ዘይኮነት መን ይኸውን ማዕርነት መስካሪ
እታ ጅግና ይከኣላ ትንበር ትሃሉ ይሰማዓያ ክብሪ

     ኣብነት ድል -ድል  ኣረ ናታ ስ ሕልፊ ኣለዎ  ሓለፋ
ጽምዲ ዓማሚት  ዕጽፊ እንድያ  ልዕሊ ኣጓብዝ  ተሰይፋ
ንሳ እወ እታ ምርጽቲ ዘርኢ ሃገር ገዳማ
ማህደር ዓለም በሉለይ  ኣድምቐለይ ክቡር ስማ 


  ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
  ጀርመን 
    2017

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events