Dehai

** መን ደኣ የዘንቱ **ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ) 2017

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 01 December 2017

**  መን ደኣ  የዘንቱ **
 
   ገለን ታሪኽ ሰናኒዓ ዛንታታት ትወራርቕ
ለቂባ ተኻኺባ ፊሊማት ሆሊውድ ትረቓቕዕ
እቲ ፈጻሚ ቅያ ከኣ  ብርገዛእ ውዕሉኡ ክዕዘም
መዓስ ደኣ እዩ እሞ እቲ ረዚን ታሪኽ ክቕለም

    በዱ ዝኽሪ እንከለና ስቡሕ ሽዕበት ዘይተዳህሰሰ
ኳዕናን ግምጃ እንከለና ሃየ እባ ወዙ ከይሃሰሰ
ነቲ ናይ ትማሊ እጹብ ዲንቂ መስተንክር
ሃየ እባ ሰብ ውዕለት ነዘንቱ ዝወዓለ እንድዩ  ዝምስክር

      ክሳብ መዓስ እርም  የሰገር ስቕታ
ይኣክል ! እኽሊ ብገበታ እንድዩ ሰብ ዝስፈር ብዛንታ
ዴንቤንፉ ክብሉ የያን  ሕሉፍ ታሪኽ እንዳ እንዳኣልዓሉ
ሰብ ህጡር  ታሪኽ እንዲና  ኣለና እንዶ  ቅያ ብድንግሉ

      እሞ ነዘንቱ እባ ኣብ ከብሕታት ልብና ንዘሎ
ሰብ  ታሪኽ እንዲና ታ ሰብ  መስተንክር ውዕሎ
ታሪኽ ብታሪኹ በዱ ሽዕበት ስቡሕ ለሰ
ደም ጀጋኑ  ምንጪ ሓቒቕ ዛራ ነትዒ  ዝፈሰሰ

       ክሳብ መዓስ  ትም  እርም
ሃየ እባ ታሪኽና ንቐልም
ፍሊማት  ጽውጽዋይ ዶ ደኣ መቂሩ ካብ ቲ ሓቀኛ ፍጻመ
ዛንታ እንከለና ቆፍኡ ዘምዓረ ገና ዘይተበርበረ

      ነውስ ወከፍ  ስድሪ  ዛ መሬት ኣለዎ እንዶ ታሪኽ
መን ደኣ የዘንትዎ ንበል እባ ሎምስ  ዕሕሕ
ከላእ ትተዓዘሞ  ንምንታይ ብትም  ንዕዘም 
ቅያ ክንሰርሕ ክንብጆ  ዶ ኣይኮናን  ንቀዳደም

    እሞ ደኣ መን የዘንቱ  ታሪኽና እንዳበለሉ
ውዕሎ ጀጋኑ ዘራኽሱ  ክብሪ ዛንታና እንዳ ዘናጠሉ 
 ሳቦያ ንበል   ዘንቱ እዋኑ እዩ እዚ እዋን 
 ሓያል ታሪኽ ኣለና ዛንታ  ህጡር ንዃዕናኑ

         ነዘንቱ ሳቦያ ንበል ኢደይ ኢድካ ንዕመሞ
ቅያ ሰብ ቅያ ሃየ ንቐልሞ
ሰብ ውዕለት እንዲና ሻማ ሻማ ኣብ ከብሕታት ንዘሎ
ዘይተበርበረ  ገና ማንካ ንዘይተላዕሎ
ኣለና እንዶ ኳዕናን ታሪኽ  ውዕሎና እንድዩ እቲ ውዕሎ

               ሳቦያ ንበል
   ኣብ  ቆፎ ዛንታና ንዕሰል 
ሕሉፍና ንበርብሮ 
ውዕሎና ዶ ኣይኮነን እቲ ውዕሎ
           ታሪኽና ብዃዕናኑ 
ገበታ ዝበላል እንከለና ተኸዚኑ
  ኢደይ ኢድካ ንበል ካዕበት ክንጓርቶ
 ኣለና ዝንገር ኣለና  ዝዝንቶ
  

    ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ)
    2017    ጀርመን

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events