Dehai

ከዳዓት ኣኽላባት ወያነ ይነብሑ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ስርሖም ይሰርሑ

Posted by: Hagos Tesfamariam

Date: Friday, 24 November 2017

<p>ከዳዓት ኣኽላባት ወያነ ይነብሑ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ስርሖም ይሰርሑ                               <br /> </p>

ከዳዓት ኣኽላባት ወያነ ይነብሑ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ስርሖም ይሰርሑ                              

ብተስፋማርያም ሓጎስ       

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ይኹን ዓሌታዊ ዋላውን ኣውራጃዊ ግርጭት ተላዒሎም ኣይፈልጡን እዮም። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ይኹን ሃገራት ዓለም ፍሉይ ይገብሮ። ኣስላምን ክርስትያንን ንልዕሊ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዓመታት ብሓባር ብምትሕቝቛፍን ብፍቕርን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ንኽልቲኡ ሃይማኖት ካብቶም ኣብ ዓለም ቀዳሞት ዝተቐበሉ ሓደ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ግርጭት ፈጢሮም ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ  ኤርትራ ንኽበታትኑ ብዙሓት ድሑራት መንግስታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ገዛእቲ ሓይልታትን ብዙሕ ግዜ ፈቲኖምን ገና ውን ይፍትኑ ኣለዉ። እዚ ግን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምናልባሽ ክሰርሕ ይኽእል ይኸውን ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ግን ክሰርሕስ ይትረፍ ክሕሰብ ውን ዝከኣል ኣይኮነን ። መን እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖት ክምህሮ ? መን እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃይማኖት ከምዚ ዓይነት ክዳን ተኸደን ከምዚ ዓይነት ሳእኒ ግበር ኣይትግበር ኢሉ ክምህሮ ዓቕሚ ዘለዎ ? ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ክትከውን ምፍታን ካብዚ ዝዓቢ ጌጋ የሎን። ህዝቢ ኤርትራ ኣማኒ ናይዘን ክልተ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነስ ንርእሱ ሃይማኖት እዩ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣበሃህላ ኣይኮነን ። ህዝቢ ኤርትራ ፣ ሃይማኖት ናይ ብሕቲ እዩ ሃገር ግን ናይ ሓባር እዩ ዝበለ መዓስ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣሚንዎ ፣ እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ።

ከም ሰባት ብሓንሳብ ንነብር፣ ኣብ ግዜ ሓዘን ብሓባር ንሓዝን ኣብ ግዜ ሓጎስ ከኣ ብሓንሳብ ንሕጎስ። እዚ እቲ ማሕበራዊ ህይወትና እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ድማ ኣስላማይ ናብ መስጊዱ  ከይዱ ምስ ፈጣሪኡ ይዛተ ይልምን ንዝገበሮ ጌጋታት ድማ ንኣምላኹ ይቕረ ይሓትት፣ ክስታናይ ውን ናብ ቤተ ክርስትያኑ ከይዱ ምስ ፈጣሪኡ ብጸሎትን ንስሓን ይራኸብ ፣ንሱ ምስ ወድኡ ከኣ ኣስላማዮም ክስታናዮም ብሓባር ይሰርሑ ይሕጎሱ  ዓለማዊ ናብርኦም የካይዱ። በቲ ባህሉ ኮሪዑን ተሓቢኑን ከኣ ንሓድሕዱ ብስኒት ይነብር ። እዚ ኣፍ ንከነጥዕም ኢልና እንዛረቦን እንጽሕፎን ዘይኮነ፣ ብኡ ኢና ዓቢና። እዚ ካብ ወለድና እናተዋራረሰ ዝመጸ ቅዱስ እምነትናን ባህልናን እዩ። ዝደሌናዮ ሃይማኖት ንእመን እንት ደሌና ኣብ መስጊድ እንተ ደሌና ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቲና ክንጽሊ ጸገም የብልናን፣ እምነትና ኣብ መንፈስና እምበር ኣብ ስጋና ኣይኮነን። ካበይ ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ደኣ እዮም ሎሚ ንዓና ኢሂባ ኣስላም ተሸፊንክን ኪዳ ክርስትያን መስቀል ዘለዎ ቀምሽ ተኸደና ኣብ ክሳድኩም ኣብ ኣፍልብኹም ዝበጽሕ መስቀል ግበሩ ዝብሉና ! አረ በጃኩም ! ጸኒሖም ከኣ ኣስላም ንበይኖም ቤት ትምህርቲ ክርስትያን ንበይኖም ቤት ትምህርቲ ይገበር ክብሉና እዮም ! ጸኒሖም ንጎደናታት ሃገርና በዚ ክርስትያን በዚ ድማ ኣስላም ዝኸዱሉ ኢሎም ክፈላልዩና እዮም፣ እዚኦም መዓስ ዝኸስተኑ ወይ ዝመስለሙ እዮም ? ብዓቢኡ ናይ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን  ዓመታት ታሪኽ ይፈልጡ ድዮም ? እዚ እንተ ረሓቖም እዚ ገና በሰላኡ ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሬት ኤርትራን ገና ዘይሃሰሰ በሰላ ብረታዊ ቃልስና ኣፍልጦ ኣለዎምዶ ? ንምዃኑ ኣብቲ መሪር ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልስና ደም ህዝብና ከም ውሕጅ ክዛሪ ማንካ ደም ዝኸዓዉ ድዮም ? ደም ኣስላም ኤርትራውያን ጥራይ ኣይፈሰሰን ወይ ደም ክርስትያን ጥራይ ኣይፈሰሰን፣ ደም ክልቲኡ ሃይማኖታት እዩ ብናይ ጸላእቲ ሳንጃን ቦምብን ጥይትን ፈሲሱ። ኣስላማይ ክስታናይ ከይተበሃሃልና ብሓደ ሰሚርና ስለ ዝተቓለስናን ህይወት ስለ ዝኸፈልናን ኢና ንሹሾ ጸላእትና ምስ ናይ ዓለም ርእሰ ሓያላን ሓገዝቶም ብገዛእ ብረቶም ሓዊ ነስኒስና ብምድምሳስ ኤርትራ ዝፈጠርና ናይ ነጻነት ሽግ ዝወላዕና፣ ኣብ ዓለም መዘና ኣልቦ ቅያ ጅግንነት ዝሰራሕና ።ሞታ ዝሓሰበላ ኣንጭዋስ ኣፍንጫ ድሙ ትሽትት ! ሎሚ  ብናይ ግዳም ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓይልታት ተዓሲቦም ንሓድነትና ብምዝራግ ሃገር ከጥፍኡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ከዳዓት ደቂ ሃገርን ዓሰብቶምን ወይለኦም !።

እዚ ኣብ ኤርትራ ቦታ የብሉን፣ ተዓሲብና ከነተግብር ኢና ዝብሉ ዕሱባት እንተለዉ ከኣ ኣብኣ ትደዮም ! ብሓዊ ድጻወት እንተ ነደደ ክበኪ የብሉን ንብሎም ። ኣብ ስደት ዝርከቡ ብወያነ ዝተዓስቡ ዕሱባት ደቂ ሃገር ፣ንህዝቢ ኤርትራ ምዉታት ምዃኖም ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም፣ ንኤርትራ ኣይኮነንዶ ብጋህዲ ክረግጽዋስ ዋላ ብሕልሚ ውን ኣይረግጽዋን እዮም። እዚ ንዕኦም  ናይ ስነ ኣእምራዊ ጭንቀት ፈጢርሎም ኣሎ። ወያነ ለኪምዎም ከም ዝመውት ሕጂ ኣጸቢቑ ይስቆሮም ስለ ዘሎ ከዕለብጡን ከንጸርጽሩን ክውጭጩን ናይ ግድን እዩ ፣ ነታ ናይ ዘለኣለም ገሃነመ እሳት ጉድጓድ ኣብታ ደንደሳ እዮም ዘለዉ። ሕጂ ንሳቶም በይኖም ነታ ገሃነመ እሳት ክኣትዉዋ ኣይመረጹን ናይ ግድን ደሰንይዎም የድልይዎም ኣለዉ። ነዞም መጣፍእቲ ክኾንዎም ዝመረጽዎም ከኣ ነዞም ሓደስቲ ድስደዱ ዘለዉ እዮም። ነገሩ ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ መታን ከይከውን ኣንታ ሓድሽ ስድተኛ መንእሰይ ንሕና ንነግረካ ኣለናኣብ ፈቐደኡ ዝተፈላለየ ኣስማት ተጠሚቕካ ኣንጻር መንግስትን ሃገርን ከተጸልም ትውዕል ዘለኻ ሕርሕራይ ጌርና ንፈልጠካ ኢና፣ ዝኾነት ትዛረባ ሕማቕ ቃል ትትንክፈናን ተሕምመናን እያ እቲምንታይሲ ነፍሲ ወከፍና ( ኤርትራውያን ) ነዛ ሃገር ደም ኣፍሲስናላን ህይወት ኸፈልናላን ኢና። ኣንታ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢልካ ዘለኻ መንእሰይ ንዘዝተበሃልካዮ ሓቂ ይኹን ሓሶት ከየረጋገጽካ ፣ ጽባሕ ተመሊሱ ንዓኻ ጎዳኢኻ ይኹን ጠቓሚኻ ከይመሜኻ ምሽሙሻት ርኳን ሕብረተ ሰብ ዝኾኑ ፣ ዓይኖምን ኣእምርኦምን ብጽልእን ቅርሕንትን ዝዓወሩ፣ ብኣውራጃዊ ሕማም ዝተበከሉ፣ ዝበሉኻ ኣሚንካ ኣንጻር ህዝብኻን መንግስትኻን ኣይትኹን ! ኣብ ዝመረጽካዮ ሃገር ተቐመጥ ዜጋ ናይቲ ዘለኻዮ ሃገር ኣይኮንካን ክትከውን ውን ኣይትኽእልን ኢኻ ! ፈቲኻ ጸሊእካ ኤርትራዊ ኢኻ ። ጽባሕ ተመሊስካ ንእትኣትዋ ኤርትራ ሎሚ ኣንጻራ ጠጠው ኣይትበል ! ንጥፍኣታ ኣይትመነ፣ ጽባሕ መን ኢኻ እንተ በሉኻ መን ኢኻ ክትብል፣ ኣበይ ኢኻኸ ክትኣቱ ? ኤርትራዊ ምዃንካ ብትውልዲ ጥራይ በይኑ ኣኻሊ ከይመስለካ፣ ነጻ ኤርትራ ክትፍጠርን ንስኻ ኤርትራዊ ዝብል ዜግነት መታን ክህልወካ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ መንእሰያት እዮም ሞባእ ንናጽነት ተኸፊሎም። ነዚ ሓቂ እዚ ምስ እትፈልጥን ንዕኡ ንምዕቃብን ንምዅላዕን ምስ እትሰርሕ ጥራይ ኢኻ ኤርትራዊ እትኸውን ።እዚ ክቡር ታሪኽ እዚ ንዘንት እለት ተኾሊዑን ኣብ ኣእምሮ ኤርትራዊ ትውልዲ ክሰፍርን ብኹሉ ዓቕምና ለይትን ቀትርን ኣስሚርና ክንሰርሕን ታሪኽ ናብ ቀጻሊ ወለዲ ክሰጋገርን ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!         


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events