Dehai

EriGazette.org: ባሕሪ መሬት ንኽትለምዕ ብኸመይ ትሕግዛ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 24 November 2017

ባሕሪ መሬት ንኽትለምዕ ብኸመይ ትሕግዛ?

በርሀ በራኺ

November 23, 2017

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcSgm2uKElVBtFtIb4_W0UAuP0In_0ibjMA-2O1FqDyqEeullgDwFw

እኹል ሓይሊ አለትሪክ ክህልወካ ከሎ፥ ዓሳ ብብዝሒ ክትገፍፍን ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ዕዳጋ ክትዝርግሕን ንሰደድ ዝኸውን ክትክዝን የኽእለካ።

ኣብ ከተማን ገጠርን አለትሪክ ምስተዘርግሐ፥ ብዝክኣል መጠን ድማ ዕዳጋታት ዓሳ ዘርጊሕካ ብርትዓዊ ዋጋ ከምዝዕደግ ምግባር፥ ህዝብና ድማ ቀስ ብቐስ ካብ ስጋ ከብቲን ጠለ-በጊዕን ምብላዕ ዓሳ ምብላዕ ምለመደ። ብኸምዚ ኣገባብ እተን ብፍኑው መጓሰ መሬት እንዳዕበራ ዝተሓዛ ጠለ-በጊዕን ከብቲን ቁጽረን እንዳ ወሓደ ምመጸ።

እተን ዝተረፋ ድማ ብስታላ መልክዕ ከምዝትሓዛ እንተዝግበር ዝበለጸ ምኾነ። ብኸምዚ ድማ መሬትና ምለምዐ። ብፍኑው መጓሰ ዝተሓዛ ከብቲን ጠለ-በጊዕን፥ ካብቲ ክበልዕኦ ዝግብአን ዝያዳ ስለ ዝበልዓ፥ ድሕሪኡ ድማቶም ጓሶት ኣግራብ ብፋስ ቆሪጾም ከብልዕወን ይግደዱ፥ ብኸምዚ ኣግራብ ሃገርና እንዳ ጸነቱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ከምዚ ሎሚ ዘሎ ፍኑው መጓሰን ባህላዊ ሕርሻን እንተቀጺሉ፥ ቀስ ብቐስ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምድረ በዳ (ሰሃራ) ክትቅየርያ። ነቶም ብስታላ ኣገባብ ከብቲን ጠለ-በጊዕን ዘፍርዩ ሰባት ኣብዚ ዝኩዓትን ዝመልዕን ዘሎ ዲጋታት ኣብኡ ክቐርቡ ከምዘለዎም እንተዝግበር።

ከምኡ ውን ብሰንኪ እኹል ሓይሊ ኤለትሪክ ዘይምንባር፥ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ዝነብር ህዝብና ኣብ ዕለታዊ ናብራኡ መግቡ ከዳሉ ንዕጸይቲን ፍሓምን እንዳ ተጠቕመ ክነብር ጸኒሑ።

ሎሚ ግን ምስ በብቑሩብ ሓይሊ ኤትሪክ ኣብ ኩሉ ቦታታት እንዳ ተዘርግሐን እንዳ ተዓደለን ዝቕጽል ዘሎ፥ ኣብቲ ክበጽሖ ዘይክኣል ቦታታት፥ ጽሓያዊን ንፍሳዊን ጽዓት ምቕራብ፥ እንተዝክኣል ንውራይ ይኹን ንዕለታዊ መግቦም ከዳልዉ ከለዉ ኣብ ክንዲ ኣግራብ እንዳ ቆረጽካን እንዳ ኣፍሓምካን ትጥቀም፥ ብጽሓያዊን ንፋሳዊን ጽዓት ምተጠቕመ።

ኣብ ዝሓለፈን ግዜ እኹልን ሓያልን ኤለትሪክ ስለ ዘይጸንሐ፥ ዘመናዊ ገዛውቲ ምስራሕ ኣይክኣልን ጸኒሑ። በዚ መኽንያት ናይ ገጠር ህዝቢ ኣግራብ ብምቑራጽዮም ባህላዊ መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሑ ጸኒሖም።

ሕጂ ግን ኤለትሪክ ምስ ረኸበ ኣግራብ ቆሪጹ ገዛውቲ ካብ ምስራሕ ክገላገልዩ። ብኡ መጠን ድማ ኣግራብ ሃገርና ክስስኑዮም። ከምኡ ውን ነዳዲ ብዉሑድን ብክቡር ዋጋን ክዕደል ስለ ዝጸንሐ፥ ባህላውያን ሓረስቶት ንዝሓርሳ ትራክቶራት ንዳዲ ስለ ዝሓጽረንን ስለ ዝኸብረንን ባህላዊ ናውቲ ማሕረስዮም ክጥቀሙ ጸኒሖም። ነዚ ባህላዊ ናውቲ ማሕረስ ንኸፍርዩ ድማ ክንደይ ኣግራብዮም ክራማት ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ ክቖርጹ ጸኒሖምን።

ነጋዶን መንግስትን ካብ ደገ ንውሽጢ ሃገር ዘድልዩ ሃለኽቲ ነገራት ከምጽኡ ከለዉ፥ ብፍርያት ባሕሪ ዝኾነ ዓሳን ጨውን ክለዋወጡ ዓቢ ዕድል ክኸፍተልናዩ። ኩሉ LC (Letter of credit) ክኸውንዩ። ናይ ወጻኢ ባጠራ ድማ ኣይመድለየን።

በዚ መኽንያት ባሕርናን ፍርያት ባሕርናን (ዓሳን ጨውን) መሬት ኣብ ቀጠልያ ንኽትለምዕ ባሕርና ብጨዋን ብዓስኣን ክትሕግዝያ። ሃገረ ሊብያ ኣብ ግዜ ሙዓመር ገዳፊ ቡን ካብ ኡጋንዳ ክትወስድ ከላ፥ ብነዳዲ ትኸፍላ ነይራ። ኡጋንዳ ውን ከምኡ ንነዳዲ ብቡን። ሆላንድን ዓዲ ጣልያንን ውን ከምኡየን ዝገብራ።

ንሕና ከምኡ ዘይንገብረሉ መኽንያት እንታይ ጸገም ኣሎ።

ኣብ ምሕያል ቁጠባን፥ መሬትና ኣብ ምልማዕን፥ ባሕርና ዓቢ ተራ ክትጻወትያ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events