Dehai

ናብ መንእሰይ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ጥፍኣት መጻወድያ፣ ወያነን ዓንገልቶምን

Posted by: Hagos Tesfamariam

Date: Saturday, 11 November 2017

Hi brotherTesfamariam Hagos

ናብ መንእሰይ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ጥፍኣት መጻወድያ፣ ወያነን ዓንገልቶምን

ብተስፋማርያም ሓጎስ

ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ሕሉፍ ታሪኾም እንትርፎ እታ ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ዝተዓወትዋ ብኲናት ዓድዋ እትፍለጥ ኣብ ልዕሊ ጥልያን ዝተዓወትዋ ኲናት ካልእ በይኖም ብዘይ ናይ ማንም ሓገዝ ብዓወት ዝወጽእዎ ኲናት የሎን። ንነብሶም ካብ ዝኾነ ተጻባኢ ሓይሊ ክከላኸሉ ስለ ዘይክእሉ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ባዕዲ መንግስታት ምስ ተምበርከኹ እዮም። እዚ ንኢትዮጵያውያን ንምንእኣስ ዘይኮነስ ኣብ ግብሪ ዝረኣናዮን ባዕላቶም ውን ኣብ ታሪኾም ዝመሃሩና ሓቂ እዩ። ኣሕመድ ግራኝ ወዲ ኣዳል ንመላእ ኢትዮጵያ ሓዊ ወሊዑ ንኣብያተ ክርስትያናትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ብሓዊ ከቃጽል እንከሎ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ንጉስ ሃዲሙ ኣብቲ ብገመድ ተንጠልጢልካ ጥራይ ዝድየብ ገዳም ደብረ ድሞ ደይቡ ብጥምየት ወርቂ ዘንጉ ሸይጡ ክሳብ ዝበልዕ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ንመንግስቲ ፖርቱጋል ክርስትያን በስላም ንጠፍእ ኣለና ርድኡና ብምባል ወተሃደራት ፖርቱጋል ንኣሕመድ ግራኝ ቀቲሎም ኣብታ ሃገር ሰላም ኣንጊሶም። ኣብ 1935 ጥልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ንብምልእታ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከእትዋ እንከሎ ሃጸይ ሃይለስላሰ ስድራ ቤቱ ጠርኒፉ ንዓዲ እንግሊዝ ሃዲሙ። ድሕርዚ መንግስቲ እንግሊዝ ንጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ሓግሒጉ ብምውጻእ ንሃጸይ ሃይለስላሰ ናብ ዙፋኑ ኮፍ ኣበሎ። ኣብ ዘመነ ደርግ እቲ ምኩሕ ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ንሕና ጸለምቲ ኣናብስ ኣፍሪቃ መንዩ ትኒዕ ዝብለና ይብል ከም ዘይነበረ ሶማልያ ኣብ 1977 ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንሓደ ሲሶ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣእተወቶ። ኣዲስ ኣበባ ንኽትኣቱ 100 ኪሜ ጥራይ ምስ ተረፋ ንሞስኮው ብምኻድ ከምቲ ናይ ኣቦታቱ ርድኡና ብምባል ካብ ሶቭየት ሕብረትን ሰዓብታ ምብራቕ ጀርመን፣ ክዩባን ደቡብ የመንን ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራትን ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ክኢላታት ኣማኸርትን ማእለያ ዘይብሎም ዘመናዊ ኣጽዋርን ኣዕጢቓ ንሶማል ካብ ኢትዮጵያ ኣውጽኣታ። እዞም ሻዕብያ ጠፍጢፉ ትንፋስ ኡፍ ኢሉ ናብ ሰብ ቀይሩ ኣብ ዙፋን ጎይተቶም ዘንበሮም ወጣጡ ትግራይ ውን ከምኡ ናብ ኣሜሪካ ተምበርኪኾም ንዓና ንምጥፋእ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ኣኽቲቶም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ንዓና ደምሲሶም ንኤርትራ ኣብ ግዝኣቶም ንምምላስ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከፊቶምልና፣ እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ታተ ዝብል ህጻን ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ሽማግለ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ በዓል በትሪ በትሩ በዓል ጎራዴ ጎራዴኡ በዓል ሴፍ ሴፉ ብምልዓል ሆ እናበለ እናዘለ ነቲ ዕሱብ ሰራዊት ቆራሪጹ ቀለብ ኣራዊት ብምግባር ዳግም ጅግንነቱ ንዓለም ብምርኣይ ልኡላውነት ሃገሩ ኣውሓሰ። እወ ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ኲናት ሰለስተ ርብዒ ሚልዮን ሰራዊት ክንድኡ ድማ ዕቑር ሰራዊት ኣዳልያ ነቲ ውግእ ከፊታቶ። ኣብ መወዳእታ ተለዅሲሳ ምስ ተረፈት ሓድሽ ቅዲ ኲናት እያ ሓንጺጻ፣ ንሱ ድማ ነቲ ፈሪማ ዝኣተወቶ ናይ ሰላም ውዕል ንኣሜሪካን ሰዓብታን ተኣማሚና ብምንጻግ ንኤርትራ ኣብ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ሸሚምካ ብቝጠባ ንምርማስን ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ግንባር ኲናት ተገቲሩ ከም ዝውዕል ንምግባር እዩ። ነዚ ድማ ንኤርትራ ዳግም ንምስዓር ዝከኣል ነቲ ዓንዲ ሕቖ ሃገርን ሓያል ኣብ ግምባር ኲናት ዘይሰዓርን ምዑት መንእሰይ ኤርትራ ኣታሊልካ ሃገሩ ራሕሪሑ ከም ዝወጽእ ምግባር ምስ ወጸ ድማ ግዳይ ሞትን ስቓይን ጌርካ ዘርምዘርሞ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ምግባርን ዝብል እዩ ኔሩ።

ኣብዚ ኣጸቢቕና ከነስተብህለሉ ዘለና፣ ኣብዝ እከይ ውጥን እዚ ዝዋስኡ ዘለዉ በዓል መንእዮም ?

1. ነዚ እከይ ውጥን እዚ ሓንጸጽቱ ወያነን ዓንገልቶምን
2. ኣብ ደገ ዘለዉ ቀደም ማዕበል ሰውራ ንደገ ዝሰንደዎም ጎሓፋት ኤርትራውያን
3. ተበለጽትን ከዳዓት ጠለምቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝኾኑ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ሰረቕትን
4. ብኣውራጃዊ ሕማም ዝመሽመሹ ከዳዓት ደቂ ሃገርን
5. ብዓቢኡ ድማ ኣሜሪካን ሰዓብታ ሃገራትን እዮም

እዛ ሓንካስ ጭፍራ ያኢ ብእንጌራ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሰብ ጠጠው ኢላ ክትከይድን ህይወታ ከተትርፍ ምኽኣላ ረሲዓ፣ ከምኡ ውን ሳላ ህዝባዊ ግንባር ሰውራኣ ከተደልድል ትንፋስን ዕጥቅን ስንቅን ሓይሊ ኮይንና ኣብ ዝብጻሕ ከም ዘየብጻሕናያ ኣብ ዙፋን ጎይቶታ ኣደልዲላ ኮፍ ምስ በለት ንምጥፋእና መጠነ ሰፊሕ ወራር ምክያዳ ፣ ዓሻስ ቅልጽሙ እንተ ሓበጠስ ዝሓየለ ይመስሎ ከም ዝበሃል ፣ ኣብቲ ባዕላ ዝወልዓቶ ሓዊ ከም ሕሱም ምስ ተለብለበት ሓድሽ ኢላ ዘውጻኣቶ ቅዲ ኲናት ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ መጻወድያ የእቲኻ ምብትታኑን ምጥፋኡን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ወያነን ዓንገልቱን ኣብ ዘጻወድሉ መጻወድያ ኣትዩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ተሸሚሞም ጠፊኦም፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ኣሽሓት ድማ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ከም ገንሸል ኣውደ ኣመት ተሓሪዶም ኮላሊቶም ተሸይጡ፣ ኣሽሓት ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ህይወቶም ብኸንቱ ዓሪባ። ክንደይ ንምዝካሩ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ብደላሎን ሸፋቱን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ተፈጺሙ። እዚ መንእሰይ ወለዶ እዚ ፣ እዚ ኹሉ ግፍዕን መከራን ክረክብ ንህዝቢ ኤርትራ መዓንጥኡ እዩ ዘሕርሮ። ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ብሉጻት ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፣ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ምምጻእን ምውሓስን ዝተኸፍለ መስዋእቲ እዚን ወዲ ከምዝን ኣብ መጻኢ ወለዶ መታን ከይርአ እዩ ኔሩ። መንእሰይ ኤርትራ ሕጂ ውን እንተ ኾነ ነቲ እከይ ውጥን ናይዛ ሓንካስ ጭፍራ ገና ይኣትዎ እዩ ዘሎ ። ዋላ ውን ንኹሉ መሰናክላት ሰጊሩ ኣብ ኤውሮጳ እንተ ኣተወ እንታይ እዩ ክገብር ? ነቲ ህይወት ክገጥሞ ይኽእልዶ ?

መንእሰይ ዝጠፍአ ጠፊኡ እቶም ብህይወት ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ውን ካብ ዝብኢ ሃዲሞም ናብ ገረብ ይድይቡ እሞ ኣብቲ ገረብ ከኣ ነብሪ ይጸንሖም ከም ዝበሃል ፣ ኣብ ኤውሮጳ ድማ ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ናይ ታሪኽ ሓተላ ይጸንሕዎም እሞ መሳፍርቲ ዕሲ መታን ክኾንዎም መሊሶም ናብ ካልእ ገደል የእትውዎም፣ እዚ ድማ ኢሳያስ ከምዚ ጌሩ ሻዕብያ ከምዚ ፈጢሩ እናበሉ መሳርሒ ይጥቀምሎም ኣለዉ። እዞም ጎሓፋት ቀባሪ ዝሰኣኑ ሬሳታት ነቲ መንእሰይ ኮሓልቲ ተመሲለን ኣንቆርቲ ኮይኖሞ ይርከቡ ። እዚ መንእሰይ እዚ ብዛዕባ ሃገርን መንግስትን ዝብሎን ድዛረቦን ንጎድኒ ገዲፍና ብኤርትራውነቱ ክንሕግዞን ክንሕብሕቦን ናይቶም ኤርትራውያን ንኤርትራ ሃገሮም ካብ ዝኾነ ተጻባኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣለናልኪ ሃገረይ ዝብሉ ሓላፍነት እዩ። ነዚ መንእሰይ እዚ ምሕላይን ምሕብሓብን ንሃገርና ምሕሳብን ምሕብሓብን ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ፋሕ ኢሉ ኣደዳ ስቓይን መከራን ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ሃሙን ቀልቡን ምስ ወለዱ እዩ። ከመይ ጌረ ወለደይ እሕግዝ ኢሉ እዩ ዝጭነቕ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘለዋ ማሕበረ ኮማት ዓቕልን ትዕግስትን ዓጢቐን ነቲ እቶም መንእሰያት ብዝዕባ መንግስቲ ድዛረብዎ ሕማቕ ዘረባ ኣቓልቦ ከይሃባ ከመይ ጌረን ነዚ መንእሰይ ኣብቲ ማሕበረ ኮማት ይጽንበሩን ብኡ ኣቢሎም ናብ ልቦም ይምለሱን ጥራይ ከተኩራ ኣለወን። ነዚ መንእሰይ ንሕና ኣብ ልቡ መሊስና ኣብ ጎድኒ መንግስቱን ሃገሩን ደው ከም ዝብል እንተ ዘይጌርና ፣ ጽባሕ ንሃገር ዓቢ ዕንወት ምዃኑ ካብ ሕጂ ክንፈልጥ ኣለና ። ጸላእትና ክወቕዕዎ ዝደለዩ ዕላማ ንመንእሰይ ኣታሊልካ ካብ ሃገሩ ኣውጺእካ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ጌሮም ንኸጥፍእዎ እዩ፣ ገና ውን ኣብ ዝኣተዎ ሃገር ደድሕሪኡ እናሰዓቡ ዘርምዘርሞ ንምግባሩ ይሰርሑ እዮም ዘለዉ።

ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኤርትራዊ እዩ፣ ናቱ ዓወትን ምዕባለን ፣ ንሃገር ዓወትን ምዕባለን እዩ ።

ወያነ ዝምውሎምን ዘዋፈሮምን ከዳዓት ኤርትራውያን ነዞም መንእሰያት ኣብ ዓዘቕቲ ከይሸምዎም ንሕና ቃልስና ከነሐይል ኣለና ። ወያነ ነዞም ግዳዩ ዝገበሮም መንእሰያት ገና ፈጺሙ ንምጥፍኦም ብዝተፈላለየ ተንኮላት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ፈሊጥና ንሕና ከኣ ነዞም ደቅናን ኣሕዋትናን ዝኾኑ ውጻእ መዓት ደቅናን ኣሕዋትናን ዝኾኑ ንምድሓንን ጽባሕ ሓበን ሃገርን ዓንዲ ሕቖ ሃገርን ክኾኑ ካብዛ ደቒቕ እዚኣ ንስራሕ ንበገስ።

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !!!

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events