Dehai

ገጽ-መጽሓፍ፡ *ብዛዕባ ኣንጻር ኤርትራ ቀኒዑ ዝነበረ ተልእኮ ተንኮላዊ ሽርሒ "ምትእኽኻብ ሰንዓ መደብ *ፎርም*" ነበርን ፍሽለቱን።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 27 October 2017

*ብዛዕባ ኣንጻር ኤርትራ ቀኒዑ ዝነበረ ተልእኮ ተንኮላዊ ሽርሒ "ምትእኽኻብ ሰንዓ መደብ *ፎርም*" ነበርን ፍሽለቱን።

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ጥቅምቲ 27, 2017 ዓም ፈረንጂ

 

እዛ ጽሕፍቲ ቅድሚ ቁርብ ጊዜ ዝጸሓፍኩዋ ኮይና፡ ምስዚ ዘሎ ኩነታት መሊሰ ክዝርግሓ ኣድላይነታ ስለ ተራእየኒ ተፈደሉ። ሃገራዊ ድሕነት ናይ ቀረባ እዋን ጭቡጥ ሰነድ፡- " 2004 ብናይ ትግራይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ብናይ ሰንዓ ፎርም ዝበሃል ዘይቅዱስ ማሕበር ኣንጻር ኤርትራ ተመስሪቱ። እቲ ኣመሪካ ዝምወል ማሕበር ኣባላቱ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ የመን፡ ሱዳንን ሶማልያን እየን ኔረን። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ማሕበር ንኤርትራ ብኢኮኖሚያዊን፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ኣኽቢብካን ሓኒቕካን ብምድኻም፣ ንፕረዚደት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ህዝባዊ ግንባርን ካብ ስልጣን ብምልጋስ ኣብ ኤርትራ ሓደ ብኢትዮጵያ ዝዝወር ልሙስ መንግስቲ ብምትካል፣ ንኤርትራ ውድቅቲ ሃገር ንምግባር ዝዓለመ እከይ ውጥን ሒዙ ተበጊሱ።

 

እዚ ብኣማኢት ሚልዮን ዶላራት ባጀት ተሰሊዕዎ ብሓያላት ሃገራት ኣመሪካን ኤሮፓን ዝምወልን ዝጥምዘዝን ምትእኽኻብ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ስርሑ ብዓወት ክዛዝም እዩ ወሲኑ ተበጊሱ። እንተዘይኪኢሉ ከኣ ስርሓቱ ስጋብ ኤርትራ ትምብርከኽ ክቅጽል ይብል። ኣብቲ ግዜ` ብጡፍሻት ኤርትራውያን ተቃወምቲ በሃልቲ ከይተረፈ ዝተጸንበለሉን ዝተዓለለሉን ውጥን እዩ ኔሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ንኹሉ ከም ኣመጻጽኡ ከም ዝምክቶ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣይተረበሸን። ኣብቲ ግዜ' ፕረዚደን ኢሰያስ ኣብ ቃለ መሕትት ሓጻር መልሲ ጥራሕ እዩ ሂቡ፡ "ኩሉ ንግዜ ንግደፎ፡ ኤርትራ ድያ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዋ ንሳተን፡ ግዜ ክዓርቀና እዩ"

 

ብዙሓት ክኢላታት ናይ ፖለቲካ ኢና በሃልቲን ዓበይቲ ናይ ዜና ማዕከናት ናይ ዓለምን ከምቲ ናይ ቅድሚ ነጻነትን፡ ወራር ወያነን፡ ሽዑውን ብድብድቡ ንናይ ኤርትራ ከም ውድቅቲ ሃገር ናይ ምዃንን ኤርትራውያን ልኽዕ ከም ሶማላውያን ነንሕድሕዶም ናይ ምውጋእን ናይ ሕንፍሽፍሽን ተኽእሎታት ተተምንየንን ኣጠንቂቀንን። ግን እዚ ኩሉ ተሻባሸብ ንናይ ኤርትራውያን ሓይሊን መኸተን ብድሆን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ብዝወሰዶ ህጹጽ ስጉምቲ ጸረ መጥቃዕቲ፡ ምስ ሱዳናውያን ተቃወምቲ ምትሕብብባር ዝበዝሓ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ መሬት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እቶም ሓይልታት ወደቀ። በዚ ሃንደበታዊ ምቅይያር ዝሰንበደ መንግስቲ ሱዳን ካብቲ ብናይ ሰንዓ ፎርም ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ኢዱ ብምስሓብ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ተቃዋሚ ሓይሊ ከተታዓርቆን ምስ ኣንጻር ኤርትራ ዝዀና ሃገራት ከምዘይሰርሕን ቃል ኣተወ። 2006 ከኣ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስቲ ተቃዋሚ ሓይሊ ኣብ ኣስመራ ከተሙ። እቲ ተቃዋማይ ውድብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዓቢ ክፋል ስልጣን ናይ መንግስቲ ሱዳን ሒዙ ይርከብ። ካብ ሽዑ ጀሚረን እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ሰላምን ምትሕግጋዝን ይርከባ።


ሕጂ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ እቲ ዘይቁዱስ ፎርም ምምስራቱ ኩነታት ኣበይ ይርከቡ ኢልና እንተመዚንናን ገምጊምናን፣ እተን ንኤርትራ ሕንፍሽፍሽን ቅልውላውን ከእትዋላ ዝመኸራ ሃገራት ኩላተን ሕንፍሽፍሽ ኣትዩወን እታ ኣብ ክሻፋ እቲ እኩይ ምትእኽኻብ ዝኣተወት ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ዋላ ሓንቲ ድምጺ ናይ ጥይት እኳ ዘይስመዓላ ሃገር ኮይና ኣላ። እቶም ዝርካቦም ከም ተላኣኻኽቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝተዓሰቡ ባኮታት ተቃወምቲ ናይ ኢንተርነት ተጋደልቲ ኮይኖም ተሪፎም። ነተን ደለይቲ ክፍኡና ብዝርዝር ክንርኤን እንተፈቲንና ከኣ፣ እታ ከም መአከቢን መጸውዕን ናይቲ ፎርም ዝተጠቀሙላ የመን ውግእ ሕድድሕድ ኣጋጢሙዋ። ፕረዚደንታ ሃዲሙ፡ ሕጂ ናይቲ ዝሃደመ ፕረዚደት የመን ስእሊ ወሪዱ ናይቲ ከተጥፍኦ ዝመኸረት ፕረዚደን ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጎደናታታ ክትሰቅል ተገዲዳ። ፕረዚደት ሳልሕ እንታይ ይብል ይህሉ ይኸውን?


ካልአይቲን ቀንድን ወዳቢትን መራሒትን ናይቲ ፎርም ኢትዮጵያ እቲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ደመኛ ጻላኢ ህዝቢ ኤርትራ መለስ ዜናዊ ብፍርሓት ካብዛ ዓለም ተሰናቢቱ። እታ ሃገር ብጥምየትን ሕንፍሽፍሽ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተምርሕ ኣላ። ህዝቢ ኣንጻር እቲ ብትግራይ ዝምራሕ መንግስቲ ተላዒሉ፡ ብጥይትን መቅተልትን ዘይዕገት ኮይኑ እቲ ንኤርትራ ኢሎም ዝቀረብዎ ሰራዊት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክቀትል ወፊሩ ይርከብ።


ጅቡቲ ዕግርግርን ጥምየትን ትሕመስ ኣላ። እቶም ብድብያ ዝጀመሩ ተቃወምቲ ስጋብ መሬት ምቁጽጻር በጺሖም፡ እቲ መንግስቲ ዕግርግር ኣትዮዎ ነዝተቃወመ ኣብ ምቅታል ተዋፊሩ፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 19 ሰለማውያን ተቃወምቲ በቲ ስርዓት ኣብ ሓንቲ ግዜን ስዓትን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተረሺኖም።

 

ብዛዕባ ኩነታት ሶማል ኩሉ ስለ ዝፈልጦ ንሕለፎ። እታ ድሕሪ ኤርትራ ዝሓሸ ምርግጋእ ዘለዋ፡ እታ ብግዚኡ ኢዳ ዝሰሓበትን ዝተነሰሐትን ሱዳን እያ። ሕጂ እሞ እቶም ሓያላት ዝበሃል ምትእኽኻብ ኤሮፓዊ ሕብረት ከይተረፈ ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኤርትራ ክተሓባበር ወሲኑ ኣባላት ሃገራት ናይቲ ሕብረት ናብ ኣስመራ ይውሕዛ ኣለዋ። ነቲ ሕብረትን ንሃገሩን ወኪሉ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝገበረ ናይ ኢጣልያ ሚኒስተር ኣብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ዝገበሮ ቀለ መሕትት ዝተዛረቦ ንኹሉ ዝሓለፈ ዘጠቃልል ይመስል፡ "ምስ ኤርትራ ብክብረትን ሕውነትን ክንሰርሕ ወሲንና ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ዝፈተናዮ ናይ ምንጻልን ምጉዕባዕን ኣካይዳ ኣይሰርሐን" ግዜን ዓቅልን ዘይፈትሖ ነገር የለን። ምስ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ተኣምራት ክንርኢ ኢና።"


ዝበረኸ ክብርን ሞጎስን ንዝሓለፉን ህሉዋትን ጀጋኑና!
ዓወት ንሓፋሽ!!!

 

Bild könnte enthalten: 4 Personen, Personen, die lachen, Personen, die sitzen und im Freien
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events