Dehai

እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ግስም

Posted by: Gebre Fessehazion

Date: Friday, 20 October 2017


እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ግስም     

 
ኣብዚ እዋን`ዚ ብዛዕባ ንህዝቢ፣ ንሰውራን ንመንግስቲን ኤርትራ ብኣሉታ ዝገልጹ ብብዝሒ  ጽሑፋትን ርእይቶታትን ኪንበቡን ኪጸሓፉን ንሰምዕን ንሪእን ኣሎና። 

read More click here:  https://shaneteritrea.wordpress.com/
https://www.facebook.com/dembeertra.amstelveen/posts/1696052213801060

 

`እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ግስም`

ኣብዚ እዋን`ዚ ብዛዕባ ንህዝቢ፣ ንሰውራን ንመንግስቲን ኤርትራ ብኣሉታ ዝገልጹ ብብዝሒ ጽሑፋትን ርእይቶታትን ኪንበቡን ኪጸሓፉን ንሰምዕን ንሪእን ኣሎና። ብፍላይ ናይተን ከም ንግዲ ኮንትሮ-ባንድ ብዘይ ሊቸንሳ ተኸፊተን ዝግዕራ ሬድዮታት፣ ናይ ፓል ቶክ ገጻትን ናይ ማስ - ሚድያ ማዕከናትን ካን መውጽእ ኣፈን ካብ ዝገብራኦ ዓመታት ኣቕጺረን ኣለዋ። እቲ ዘገርም ትሕዝቶአን እቲ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ኣንጻር ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ድሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ሓፋሽ ናይ መትከል ሰዓብቱን ካብ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ዘይተቐየረ ምዃኑ ኢዩ።

ሬድዮ ኣሰና ዘቃልሖ ዘሎ ጽሑፋት ንሞሳን ጅግንነትን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽብ ኮይኑ ረኺበዮ። ነዚ ዘይጽወር ሕሰምን መከራን ጸይሩ፣ ዘይስገር መስገደል ብቓልሱ ሰጊሩ፣ ንቐጻሊ ውዲት ሓያላን መንግስታት ኣላሽ ኣቢሉ ካብ ስንቂ ጸላእቱ ሰኒቑ፣ ካብ ኣጽዋሮም ዓጢቑ፣ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝጨበጠ ህዝብስ፣ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኰንካ ዝተኸልካዮ ስርዓት ንቐል፣ ዝሰራሕካዮ ታሪኽ ኣፍርስ፣ ኣንጻር መራሕትኻ ዓምጽ፣ ርእሰ ምትእምማንካ ኣጥፊካ ተምበርከኽ፣ ኢልካ ዘረባ'ሎ!!

ንምዃኑ መን ንመን'ዩ ዝመኽሮ። እቶም ኣብ ሰሪሖም ዘጽንሕሎም ከተማታት ተኾይጦም እናወዓሉ ነተን ቅሩብ ቁራቦ ብትኳቦ፣ ገለውን ኣብ ክብሪ ዘይብሉ ስራሓት ተዋፊሮም ዝረኽብዎ ባጤራ መኽተት ወልፎም ዝገብርወንን ንስድራኦም'ኳ ንቡር ገይሮም ከማሓድሩ ዘይከኣሉ ዘሎዉን ሰባት ድዩም? (ንብዙሓት ካብዞም ኣብዚ ኣነዋሪ ንጥፈት ተዋፊሮም ዘለዉ ስለንፈልጦም) ወይስ እቲ ምፍራስ ቀሊልኳ እንተዘይኮነ ምህናጽ ግን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ተረዲኡ ነታ ብዂናት ዝዓነወትን ትሕቲ ዜሮ ዝጸንሐ ቁጠባ ሃገሩ ሃኒጹን ኣበራቢሩን ንምምዕባላ ዝሰርሕ ዘሎ - ወኒ ስራሕን ሓርበኝነትን ዘይተፈልዮ ህዝቢ። እቲ ንስራሕ ዝብልዶ ወይስ እቲ ንለምን ዝብልዩ መኺሩ ከስምዕ ዘለዎ? ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቕብ ይብሉ ኣቦዋት ከምዚ ምስረኸቡ። ሬድዮ ኣሰና `ዘይሓፍር ድሙ-ገረማርያም ስሙ` እንተ በልናኩምስ ዘለቕለቕዶ ትብለኩም ትኸውን፣ ዓቂንኩም መልሲ ሃቡና።

እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም - ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ግስም` ዝብል ኣርእስቲ ሂብኩም ድኣ ምስ ኣርእስትኹም ዘይከይድ ሓተታ ኣብዚሕኩም ትብሉ ከምዘለኹም ኣዳዕዲዕና ንፈልጥ ኢና። `ሰብር ውደ፣ በዓል ሰብር ዕዉትቱ` ከምዝበሃል፣ ሓዙና ጥራይ ክንመጻኩም ኢና። እዛ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ዑቕባጋብር ኣብ 1981 ዝደረሳን ዘዜማን ታሪኻዊት ደርፊ ድሕሪ 36 ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ዝኽሪ ኣእትያትና። ሬድዮ ኣሰና ነቲ ዓለም ብዓለማ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትህሉ የብላን ኢላ ውዲት ድሕሪ ውዲት እናኣለመት ብምሉእ ሓይላ ዝተቓለሰትሉ ዕላማ ዘፍሸለን ኣብ 1991 ባህጊ ልቡ ዝሰመረሉን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ተጋዳላይ ድማ ብፍላይ ክብርን ሞሳን ዝግብኦ ክንሱ ከም ነብሱ ዝፈተወ፣ ፈራሕ፣ ዕላምኡ ዝሰሓተ፣ ሓላፍነቱ ዝረሰዐ ጌራ ከተቕርቦ ምፍታና፣ `ኣደ፣ ሓውላል በልያ ከይትቕድመኪ` በለት ኣዲኣ ብዘለዋ ኣበር ከይትጽረፋ ዝተሰከፈት ውላድ ከምዝበሃል፣ እቲ `ተጋዳላይ መዓንጣኻ ሓሪሩ፣ እንታይ`ሞ ኢድካንዶ ሓጺሩ` ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ጽላል - ሕመኣ ዝተላእከን ኣብ መስከረም ዝተዘርግሐን ጽሑፍዩ ነዛ ኣርእስቲ ክንመርጻ ኣገዲዱና።

ተጋደላይ ኮነ እቲ ንሃገሩ ከም ብሌን ዓይኑ ዝከላኸለላ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ነዚ ጽንኩርን ሕልኽላኽን መድረኻት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ከምዘሎ ኣሚኑ እዩ ናብቲ ሓሲቡን ተመራሚሩን ዝኣተዎ መሪርን ሕልኽላኽን ጉዕዞ ዝተጸንበረ እምበር ማና ተጸብዩ ኣይነበረን። እዚ ቃልስ`ዚ ምስ ምሕራር ኤርትራ ደው ከምዘይብል`ውን ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ ስለዝነበረ ኢዩ ነቲ ህላወ ሃገር ኣብ ፈተነ ዘእተወ ወያነ ብቕድሚት፣ ለኣኽቶም ድማ ብድሕሪት ኮይኖም ዘበገስዎ ወራራት ምስ ዋርሳይ - ወራስ ታሪኹን ሕድሩን ኮይኑ መስዋእቲ ብምኽፋል ድሕሪ ምዕዋቱ ብስምምዕ ኣልጀርስ ከተመ ዝገበረሉ።

ተጋዳላይ፣ ሎሚ ንኹሉ`ቲ ኣንጻር'ቶም ንምንጻሉ ዝሰርሑ ሓይልታት፣ ኣንጻር`ቲ ዘይፍትሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ዝተስገደደ እገዳ፣ ኣንጻር ኩሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕብለላ ባዕዳውያን፣ ኣንጻር ኩሉ ትሕተ ሃገራውነት፣ ኣንጻር ተመጽዋትነትን ተንበርካኽነትን እናበደሀ በቲ ሓደ ሃገሩ ኣልሚዑ ቁጠባኡ ኣበራቢሩ፣ ሰብኣዊ ዓቕሙ ኣማዕቢሉን ባህርያዊ ሃብቱ መዝሚዙን ምዕብልቲ ኤርትራ ሃኒጹ ራህዋ ብትምኒት ኣብ ጎደናታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ክፍለ ዓለማትን እናነበረ ዘይኮነ ንኹሉ ብድሆታት ተጻዊሩን ዶባት ሃገሩ ብባዕዳውያን ከይድፈር እናተኸላኸለን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኮይኑ ምስቶም ነዚ ዕላማታት'ዚ ንምትግባር ኣብ ዳያስፖራ እናነበሩ ምስኡ ኢድን ጓንትን ብምዃን እናሰርሑ እሕሕ ንዝብሉ ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ዝውክል ረዚን ቃል ምዃኑ (ተጋዳላይ) ከነዘኻኽር ንፈቱ።

እዞም ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ኸሎ ኣካል ናይዚ ብተጋዳላይ ዝውከል ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ህዝቢ ከለዉ ዝኽበሩን ዝነኣዱን መጠኑ ዝሓለፈ ፍቕርን ምሕብሓብን ዝልገሶም ዝነበሩ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብታ ናይ ሓፋሽ መርከብ ምስ ኣልገሱ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ብጽላለቶም እናባህረሩን ከይርእዩና ኢሎም ሸለብ ገለብ እናበሉ ዝኸዱን ምህላዎም ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ዝተኸወለ ኣይኮነን። እንተቲ ኣብተን ኣብ መእተዊ ተጠቒሰን ዘለዋ መራኸቢ ብዙሃን ዝበሃላ ዝብልዎ ግን መን ከማና ጅግና፣ መን ከማና ክኢላን ፈላጥን፣ መን ከማና ሓላዪ ዘስምዑ መልእኽታት ንእዝኒ ሰማዕትን ንኣዒንቲ ኣንበብትን ካብ ምድኻም ሓሊፉ ባዶሽ ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ ስለዝኾነ ንምዝንጋዕ ክትጥቀመሉ እውን ኣሰልቻዊ ኢዩ።። እቲ ዘገርም ብኣኣቶም ሓፋሽ ከመዛዝን ዘይክእል ደንቆሮ፣ ናብ ዝጠወኻዮ ዝጥወ ተጎታቲ፣ ዝበልካዮ ሰሚዑ ዘተግብር ልኡም ገይሮም ስለዝቖጽርዎ ንሰብኣዊ ኽብሩ ቅንጣብ ሓልዮት ኣይህቡዎንዮም።

ተጋዳላይ እምበኣር ናይ ርሑቕ ራእይ ዘለዎ፣ ብስነ-ስርዓትን ዲሲፕሊንን ተመሪሑ ዝንቀሳቐስ፣ በጃ ሃገሩን ታሪኹን ኪሓልፍ ድሉው ዝኾነ ኣካል ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኣብ ሸብዳዕዳዕን ዳንኬራን፣ ኣብ ቤላቤለውን ህውተታን፣ ኣብ ማና ካብ ሰማይ ኪወርደሉ ምጽባይን መንዩ ዝያዳ ዝተኩብ ኢሉ ኣብ ምምራጽን የለን። እዚ መንፈስ`ዚ ኢዩ ድማ ዘይተሳዓርነቱን ዘይተምበርካኽነቱን ኣግሂዱ ህላዌኡ ኣብ ዓለም ኣረጋጊጹሉ ዘሎ። እዞም ኣካል ናይዚ ሰራሕ ቅያን ፈጻም ጅግንነትን ዝኾነ ህዝቢ ኮይኖም ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ጸኒሖም፣ ውልቃዊ ኩነታቶም ዓጢጥዎም ዘላገሱ፣ ኣብ ዘለዉዎ ጻዕዳ ይጽንሓዮም። እንተ`ቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ግን በቲ ዝተተለመሉ መደብ ቀጺሉ ዓወቱ ርጉጽ ምዃኑ ኣብ ዝተኣማመነሉ ደረጃ በጺሑ`ሎ። በዚ ዓወት`ዚ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ኪዓግብ ከሎ፣ እቶም ውድቀቱ ዝምነዩ ግን ደገፍትን ተደናገጽትን እንተረኸቡ ለቖታ ሓሶቶም ብምንፋሕ ዓንገረር ክብሉ ንሰምዖም ኣለና።

ካልእ ንብሎም የብልናን፣ ብዛዕባ ዕቤትን ምዕባለን ኤርትራ ዝሓስብ፣ ብዛዕባ ሰላምን ቅሳነትን ኤርትራ ዝትምነ፣ ብዛዕባ ጸጥታን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝግደስ፣ ብዛዕባ ፍትሕን ዲሞክራስን ማዕርነትን ምንጋስ ዝጣበቕ ካብቲ ዝደምየላን ረሃጹ ዘንጠብጥበላን ዘሎ ተጋዳላይ (ሓፋሽ) ንላዕሊ ዋላ ሓደኳ የለን። እቲ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ጽሑፍ ተጋዳላይ ሎምስ ፈሪሑ፣ ነብሱ ፈትዩ . . ወዘተ. ዝብል ሓረጋት ግን ንተጋዳላይ ኣይውክልን። ነብሱ ዝፈተወን ዝፈርሐን ድኣ ኣብዚ ዘለናዮዶ ኣይኮነን ተሸጒጡ ከምዚ ትጽሕፍዎ ዘለኹም ጸጽሒፉ ዝዝርግሕ ዘሎ። ፈራሕን ነብሱ ዝፈቱን እንተዝኸውን ድኣ ናይ ቀደም ገዲፍና ትማሊ ትማሊ ብትምክሕቲ ዝተበገሱ ወራራት ወያነ ኣምኪኑ ሃገርን ህዝብን መድሓነ ይመስለኩም።

ብዝኾነ ተጋዳላይ ማለት ይከኣሎን ዋርሳይን ነቲ እግሪ እግሩ ታሪኽ ዝወርስ ዘሎ ኣርከበን ክምህ ዘይብል ሓፋሽን ዘጠቓልል ኮይኑ እቲ ሬድዮ ኣሰናን ኣስነቕቲ ሓሶታን ኪጠቕስዎን ኪዛረብሉ ዘይደልዩን፣ ገለ ካብቲ ንዓለም ዘስደመመ ቅያ ስራሖም ኣሕጽር ኣቢልና ክንጠቅስ ኢና።ብሓፈሽኡ ተጋዳላይ ኣብ ከቢድ ናይ ልምዓት መደባት ኣብ ምስልሳልዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ኤርትራ፣ ዓመት ምሉእ ዝውሕዙ ኣፍላጋትን ቃላያትን ዘይብላ፣ ኣብ ክረምታዊ ዝናብ ዝምርኮስ ሕርሻ ዝካየደላ፣ ኣብ ንድርቂ ዝተቓልዐ ከባቢ እትርከብ ሃገር`ያ። ነዚ ትዕድልት`ዚ ብኸቢድ ስራሕ ዜጋታታ ናብ ረብሓኣ ንምውዓል ተጋዳላይ ኣለናልኪ ብምባል ዝሰርሖም ዲጋታትን ሓጽብታትን ኣብ ኩለን ዞባታት መስተርሆ ፈጢረን ጥራይ ዘይኮነ ጎረባብትና ኣሕሉቕ ለመንትን ተመጽወትን ኣብ ዝኾናሉ እዋን `ለዘበን ኣብ ኤርትራ ብጥሜት ትሳቐ ትንፋስ ኣይክትህሉንያ - ቅሰኑ` ዝትሕዝቶኡ ቃለ መሕትት ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሳላቲ ተወፋይነትን ተበላሕነትን ተጋዳላይ ህዝብን መሪሕነትን ኤርትራ ዝተሓፍሰ ዓወት ኢዩ። ኣብ ትሕቲ`ዘን ካብ ዓቕመን ንላዕሊ መሊአን ዝፈሳ ዘለዋ ዲጋታት ተዳልዩን ድሮ ሰብ ሰፊርዎ ምህርቱ ዝሕፈስ ዘሎን ሕርሻታት ዝፈረየ ኣእካል፣ ኣሕምልትን ፍረታትን ብምትእምማንዩ ድማ ተጸባይነት ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ተኻኢሉ ዘሎ። ኤርትራ ኣብ ብድርቂ ዝተጠቕዐ ከባቢ እትርከብ `ሓምላይ ደሴት` ምዃና ዘመስከረት ሃገር ኮይናላ። እዚ ማለት ንሬድዮ ኣሰናን ኣስነቕቲ ሓሶታን መርድእ፣ ንተጋዳላይ ህዝባ ድማ ውሓለን ክኢላን ዘብሎ ብቕዓቱ ዘመስክረሉ ውጽኢት ስርሑ ምዃኑ ክንድርጉሓልኩም ንፈቱ።

ሓደ ትፈልጥዎ ሓቂ ከነልዕል። ዝኾነ ኤርትራዊ ብቑዕ ይኹን ዘይብቑዕ ምኽንያት ሃልይዎ ካብ መርከብ ሓፋሽ ዘልገሰላ ህሞት ከምዝጠዓስ፣ ተነጽሎ ከምዝስምዖ፣ ናይ ምምላስ ድሌት ከምዝሓድሮ ብዙሓት እዚ ዕጫዚ ዘጋጠሞም ሰባት ዝዛረብሉ ጉዳይ ኢዩ። ነዛ ህሞት እዚኣን ነቲ ዝስዕብ ህይወቶምን ብፍላይ ነቶም ሓሜናውያን ኮይኖም ዘሕንግዱ ኢያ እምበኣር `እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም፣ ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ግስም` ትብል ኣርእስቲ ዝተመርጻ። ተወሳኺ መብርሂ ኣይመድለየን ግን ድማ `ንለባም ኣምተሉ ንዓሻን ደርጉሓሉ` ከምዝበሃል ኣቱም ካብ መስመር ሓፋሽ ዝወጻእኩም ምኽንያትኩም ብዘየገድስ፣ ነቲ ከይተንከፈኩም ትትንክፍዎ ዘለኹም ህዝቢ፣ ነቲ ፍቕርኹምበር ጽልእኹም ዘይደሊ ህዝቢ፣ ነቲ ክትምለስዎ ብዓቕሊ ዝጽበየኩም ህዝቢ፣ መትከሉ ስለዘይገደፈ፣ ንጹር ዕላማኡ ስለዝተኸተለ፣ ንስለ ሃገርን ህዝብን ስለዝተበጀወ ከም መሃይምን ደንቆሮን ቆጺርኩም ኣይተቃልልዎ። ቃልሱ ምስቶም ብቐጥታን ብቓጻን ዝገጥምዎ ጸላእቱ ድኣ`ምበር ምሳኻትኩም ኣይኮነን።

ብውሽጥኹም ትርበጹ እንተሊኹም መድሃኒቱ ይቕረታ ሓቲትካ ምምላስ`ዩ። እዋይ ነበር ምዃን ክሓስ ም. . . ዝበልናውን ነቲ ውሽጣዊ ዘየቕስነኩም ኣበር ስለንፈልጥ`ዩ። ዓማጽ እኽልን ዓማጽ መንግስትን ከይደቀሰ ይሓድር ከምዝበሃል ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እንተዘይደመርክምሉ ምሓሸ ንብለኩም ንጽላል በዓልቲ ሕመኣን መሰልታን።

ውደ ሓንኩም!! ኣብ ሰሰናዩ የራኽበና፣ ልቢ ኣንተ ጌርኩም ማለትና ኢዩ።

By Eritrean Media Group in Holland

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events