Dehai

(hdrimedia.com) ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልት መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ

Posted by: Dehai

Date: Wednesday, 11 October 2017


http://hdrimedia.com/events.php



ኣሕተምቲ ሕድሪ ክልት መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ

ኣሕተምቲ ሕድሪ ጽባሕ ዓርቢ 13 ጥቅምቲ 2017 ክልተ መጻሕፍቲ ከመርቕ እዩ። እዘን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝፈረያን ሓያሎ ተጋደልቲ ደረስቲ ዝጸለዋን ዘፍረያን መጻሕፍቲ እዚኣተን፡ ኣካል ናይቲ ብቕጺታት ዝሕተም ዘሎ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ ዕዮታት ሰውራዊት ሳሕል እየን። ዕዮታት ስውራዊት ሳሕል ብምሕታም “ትንሳኤ” ቅጺ-1 ኣብ 2010 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ቅጺ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ዝተተርጐሙ ብዓለም ደረጃ ህቡብነት ናይ ዘጥረዩ ስወራዊ ሓጸርቲ ዛንታት ዝሓዘ መጽሓፍ ፈሊሙ። ካልኣይ ቅጺ ናይዚ መጻሕፍቲ፡ “ስነ-ጽሑፍ፡ ኣመዓባብላኡን ተራኡ ኣብ ሰውራን” ክኸውን እንከሎ፡ ቅጺ 3 ድማ “ድራማ” እያ።

እዘን ክልተ መጻሕፍቲ እዚኣተን ኣብ ሰውራዊ ጽሑፍ ሃገርና ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝፈጠራን ሓደ ወለዶ ተጋደልቲ ጸሓፍቲ ዝዀስኰሳን እየን። ኣሕተምቲ ሕድሪ ዳግም ከሕትመን እንከሎ ድማ ንስለ ቕርሲ ዘይኰነስ ስለ ዘይበርስ ሃብተንን ኣገዳስነተንን እዩ። መኣዲ ስነ-ጽሑፋዊ ክትዕን ዘተን ክዀና ድማ ንትስፎ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events