Dehai

ECSS-Online.com: ካልኣይ ኣርእስቲ – ተኸራኸርቲ ወገናት ምዕራፍ 1. ሓፈሻዊ ድንጋገታት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 24 September 2017

ካልኣይ ኣርእስቲ – ተኸራኸርቲ ወገናት
ምዕራፍ 1. ሓፈሻዊ ድንጋገታት

ወርሒ መስከረም ዕለት 24, 2017 ዓም ፈረንጂ፡

Part 3

ዓንቀጽ 63. – ደረት ተፈጻምነት

(1) ድንጋገታት ናይዚ ምዕራፍ ኣብ ትሕትዚ ሕጊ ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዳንነት ተፈጻምነት ይህልዎም።
(2) ድንጋገታት ናይዚ ምዕራፍ ንይግባይ ኣብ ዝትግበርሉ ግዜ “ይግባይ በሃሊ” ን “ወሃብ መልሲ”ን ዝብሉ ቃላት ከከም ኣድላይነቱ “ከሳሲ” ን “ተኸሳሲ” ን የጠቓልሉ።

ዓንቀጽ 64. – ብቕዓት

(1) ዝዀነ ሕጋዊ ብቕዓት ዘሎዎ ሰብ ተኸራካሪ ወገን ኪኸውን ይኽእል።
(2) ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ኽሲ ስሩት ረብሓ ኣብ ዝህልውሉ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ፣ ዝዀነ ሰብ ክኸስስ ኣይክእልን።
(3) ብኸሳሲ ካብኡ ዝሕተት ዝዀነ ኽሲ ኣብ ዝቐርበሉ ዅነታት እንተ ዘይኰይኑ፣ ዝዀነ ሰብ ተኸሳሲ ዀይኑ ኣይቀርብን።
(4) ድንጋገታት ናይዚ ዓንቀጽ፣ ኣብ ትሕትዚ ሕጊ ንዝተፈቕደ ምጥማር ናይ ተኸራኸርቲ ወገናት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይድርቱን።.........................................

.........................ምንባብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ቀጽልዎ።

ብርሃነመስቀል  ሃብተማርያም

ዝሓለፉ ቀዳማይን ካልኣይን  ሕታማት፣


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events