Dehai

ኣይንገራህ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 22 September 2017



Virus-free. www.avast.com
ኣይንገራህ
ወዲ ኤረ በሊሕ መስተውዓሊ፡
ጓል ኤረ ክብርቲ ብዓልቲ ዓቕሊ፡
መሲሉዎም ኩፉእ ታሪኾም ዝበሊ፡
ይብሉ ኣለዉ ጃንዳ ሰላም ኢና ንደሊ።

ሕጂኸ መን ኮን ተሪፉዎም፡
ገፈል ንገፈል ቀደም ኣኻኺቦም፡
ምድማር ድዩ ምግዳል ጠፊኡዎም፡
ሎምስ ኣይርከብን ዝሕወስ ኣብ ሕልሞም።

ብስም ሰላም ክንደይ ዘይዋጠዩ፡
ፍርዲ ተዋሂቦም ምትግባር ዝኣበዩ፡
ብደገ ክመስሉ ኣናብስ ብውሽጢ ዝበኸዩ፡
ናይ ወያነ ጉዳይ ፍሉይ’ዩ ጠባዩ።
ንሶም እኳ ንሰላም ክንደይ ከይሓስብዎ፡
መወልቶም ዘዝብሉዎ እናደገምዎ፡
ኣቕልቦ ቃልሲ ህዝቦም መታን ክጠውዩዎ፡
ሉጓም ተበቲኹ እዩ ኣበይ ደው ከብሉዎ።
ሰላም ድኣ ንሕናንዲና ዝጠለብና፡
መታን ክህሉ ጽቢቕ ጉርብትና
ንኹሉ ክፍኣቶም ሸለል ኢልና፡
ህዝብታት ኸይብደሉ መርገጽ ዘነጸርና።

ዓመታት ሓንጊዱ እምቢ ዝበለ፡
ሕጂ ሮድ ማፕ ንሰላም ኣለኒ እንተበለ፡
ብጀካ ሰላም እንታይ ኣሎ ዝድለ፡
መንግስትናስ ብቐደሙ ከምኡ እንድዩ ዝበለ።
እንተ ኾነ ግን ተመን ዝረኤ ብልሕጺ ተዳህለ፡
ዝበሃል ኣሎ ናይ ኣቦታት ምሳለ፡
እቲ ንፈልጦ ወያነ ሕብሩ እንተ ኾሓለ፡
ተመን ምኻኑ ኣይተርፎን ልሕጺ’ዩ ኣይንበለ።

ንህዝብና ሰላም ክኸልእዎ፡
እንታይ ኣሎ እከይ ዘይፈተንዎ፡
ሕጂ ከኣ ሰሪዖም ኣግኣዝያን ዝብልዎ፡
ፕሮፓጋንዳ ወያነ ኩሉ ፈሊጥዎ።

ኣይንገራህ ነስተውዕል ነገሩ፡
ንቕሓትና ነዕቢ ንፍለጦ መሽጎራጉሩ፡
ወያነ ውርሻ’ኡ’ዩ ሓሶት ተግባሩ፡
ሎሚ ዝማሃዞ ኣይኮነን ታሪኽ ዘክሩ።

እወ ሰላም ድኣ ንሕና እንዲና ደሌይታ፡
ልዕሊ ኩሉ ነበርኻ ከይህልዋ መሰታ፡
መቐረታ ስለ ንፈልጦ ላዕላያ ታሕታ፡
እንታይ እሞ ይገበር ብጃንዳ እንደሞ ሞይታ።

ኣብ ብልሒ መላጸ ደው ኢሉ ዝደበለ፡
ኣብ እሳተ ጎመራ ሓምቢሱ መሰስ ዘለ
ተኮል ወያነ ኣይጠፍኦን ወዲ ኤረ፡
ሰላም ክብል እንድዩ ዓመታት ተበደለ፡
ሰላም ብፊደላ ጥራሕ ኣይኮናን ንፈልጣ፡
ኣብ ዕዳጋ ኣይንሸጣ ኣይንልውጣ፡
እምነትና ምዃና ኩሉ ይፍለጣ፡
ስለ ሰላም ኢና ሰጊርና እቲ ኩሉ ጣጣ።
ሰላም ኣይትነብርን እያ ጅሆ ተታሒዛ፡
ሓሚማ ኣይትጽወርን ብቕቓረዛ፡
ጃንዳ ምስ ኮራኩርኪ ሕጂ ተናዘዛ፡
ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀሪቡ’ዩ ስልጣኑ ኽሕዛ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር
210214-ኣይንገራህ.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events