Dehai

Eritrean Festival Seattle 2017

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 13 August 2017

Eritrean Festival Seattle 2017
National Council of Eritrean Americans annual conference Seattle Washington, USA August 8th - 11th 2017 PFDJ, PGDJ-2, YPFDJ, HIDRI,

https://www.youtube.com/embed/0AhGl3tqPek?rel=0

Image may contain: 1 person, crowd and indoor
“ ኪዳን ወለዶታት - ንልምዓታዊ ሽርክነት”
ብዝብል ቴማ፡ ናይ ክልተ ምዓልታት ዋዕላ ተቓኒዑ

ሃገራውያን ውዳቤታት ሕድሪ፡ ህግደፍ፡ ህግደፍ 2፡ መህግደፍን ሃማደኤን ብሓባር ዝጠርነፈ ብዓይነቱን ውዳቤታቱን ፈላሚ ዝኾነ ዋዕላ ብሓያል ሃገራዊ ስምዒትን ወንን ዝዓሰሎ መንፈስ፡ ኣብ ዕለት ትሽዓተን ዓሰርተን ነሓሰ 2017፡ ኣብ ከተማ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኻይዱ።

ፈለምቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ሓፋሽ ውዱባት ምስ ደቆምን ደቂ-ደቆምን
ኣብ ነጥቢ መቀይሮንብሩህ መጻኢ ኣብ ዝቋመትሉ መድረኽ፡ ገምጋማቶም ዛዚሞም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ተባዕን ቆራጽን ቃልሲ ሞጒሶም።

ንዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን እገዳታትን መሬታዊ ጎበጣን ኣትኪሉ ዝቃወምን ክሳብ ኩሉ ዝእለ፡ መኸትኡ ኣትሪሩ ንምቕጻል ዘውሓሰ፡ ናይ ክለተ ምዓልቲ ዋዕላ ወሎዶታት ብዓወት ክዛዘሙ ከለዉ፡ ዓርቢ ምሸት ዕለት 11፡ 2017፡ ብዓይነቱ ካብቶም ዝሓለፉ ፈስቲቫላት ዝተፈልየ፡ ብዕዙዝ ድምቀትን ብድሙቕ ሃገራዊ ወኒን፡ ንሰለስተ ምዓልቲ ዝኸይድ ተኸፊቱ፡፡

ትሽዓተ ኣርካናት ስነጥበባውያን ኤርትራውያን ካብ ዝመጹ፡ ሰላም ባንድ ናይ ስያትል፡ ኣብ ኣመሪካንን ወጻእን ዝመጹ ድምጻውያን ተዓጂቡ፡ ንሰለስተ ምዓልታት ዝካየድ በብዓነቱ ምርኢተ ባዛር፡ ሰሚናራት፡ ናይ ዞባታት ቁሸታት ዘጣቓለለ መደብ ፈስቲቫል፡ ብተሳትፎ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ ህዝብን ዓበይቲ ወከልቲ መንግስትን ዝኸፈትዎ ሃገራዊ ውራይ፡ ኣብ ምጅማሩ፡ ኣግሂዱ ዓወቱ’ሎ።
ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰኪዔት መርበብ ሓበሬታ መስከረም
Dm eri tv subscribe

Eritrean Memorial Day ምዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com