Dehai News

(shabait.com) መግለጺ ህዝባዊ ግንባር፡ ብምኽንያት መበል 61 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 02 September 2022

 መግለጺ ህዝባዊ ግንባር፡ ብምኽንያት መበል 61 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ

መስከረም 1, 2022


ባሕቲ መስከረም፡ ዕለተ ምፍላም ብረታዊ ቃልሲ፡ ሃገራዊ ኣውደ-ዓመት ዝኽርን መብጽዓን እያ። ሎምዘመን መበል 61 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎና ክንዝክር ከሎና እምበኣር፡ ከም’ቲ ናይ ወትሩ ያታና ብዛዕባ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ታሪኽና፡ ብፍላይ ከኣ ታሪኻዊ ተመክሮታት ሃገራዊ ቃልስና ከነሰላስል ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ፡ ታሪኻዊ ዝኽረትን ንቕሓትን መሰረት ህላዌናን መንነትናን ሓድነትናን ስለ ዝኾነ፡ ቀጻልነት ታሪኽና ብምርግጋጽ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ መበገሲናን ሕሉፍ ዘይብሉ መጻኢ ስለ ዘየለ ከኣ መወከሲ መጻኢናን እዩ።

እቲ ናጻ ኤርትራ ዝፈጠረ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዱብ ህዝባዊ ግንባርን፡ ናጽነታ ዝዓቀበትን ነብሳ እትኽእልን ንኹሎም ዜጋታታ እትኸውንን ድልድልቲ ሃገር ብምህናጽ፡ ቀጻልነት ታሪኹ ንምርግጋጽ ጽኑዕ መበገስን ሓያል ደራኽን ከም ዝኾኖ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ናጽነት፡ ግድላትን ብድሆታትን ምህናጽ ሃገር ኣብ ምግጣምን፡ ግዳማዊ ወራርን ተጻብኦታትን ኣብ ምምካትን ተረጋጊጹ’ዩ። ኣብ’ዚ ፈታኒ ጉዕዞ’ዚ፡ ኤርትራ ነቲ ከንበርክኻ ዝተሃንደደ ቅሉዕ ወራርን ብዙሕ ዝመልክዓቱ ተጻብኦታትን ብጽንዓት መኪታ ናጻ ህላዌኣ ብምርግጋጻ ዳግም ታሪኽ ተሰሪሑ ኣሎ። ንምዕቃብ ናጽነት መስዋእቲ ኣሽሓት ብሉጻት ተጋደልትን ዋርሳይን ኣብ ዝሓተተ ምምካት ወራራት፡ ኣብ ምፍሻል ንዕቑዳት ዝቕጽል ዘሎ ኩሉ ጎድናዊ ግዳማዊ ተጻብኦታትን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ክንከፍል’ኳ እንተ ተገደድናን፡ ኣብ ምህናጽ ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ማዕረ ልዑል ትጽቢታትናን ዓቕምናን ከይንስጒም እንተ ተዓንቀፍናን፡ ብቓልስና ናብ ድርኩኺት ሓድሽ መድረኽ ክንበጽሕ ክኢልና ኢና።

ከም’ቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ማእከል-ስሕበት ቃልስታትን ምንቅስቓሳትን ህዝብታት ዞባና ንሰላምን ምትሕግጋዝን ክኸውን ብምብቃዕ ኣብ ምኽንባል ተኸታታሊ መስፋሕፍሒ ስርዓታት ኣዲስ ኣበባ መሰረታዊ ተራ ዝተጻወተ፣ ሕጂ’ውን ናጻ ኤርትራ ማእከል-ስሕበት ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ዞባና ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ልምዓትን ሓባራዊ ረብሓታትን ባህግታትን ትኸውን ምህላዋ ብወዝቢ ኣይመጸን። ብቐንዱ ውጺኢት ናይ’ቲ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ጆኦ-ፖለቲካዊ ኣሰራርዓ ዝነበሮን ዘለዎን ፍሉይ ቦታ ብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ ድማ ፖለቲካዊ መስርሓት ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ኣብኡ ዝማዕበለ ራእይን ውዳቤን መሪሕነትን ስትራተጂታትን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መንጎ ዞባዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ልምዓትን ሃገራዊ ዕላማታቱን ዘሎ ቀጥታዊ ምውሳብ ብምግንዛብ፡ ከም ስትራተጂያዊ ዕላማ ኣነጺሩ ንምርግጋጹ ከይተሓለለ ምቅላሱ ከኣ መርኣያኡ እዩ።

መበል 61 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ክንጽንብል ከሎና እምበኣር፡ ንባሕቲ መስከረም ከም ኣውደ-ዓመት መብጽዓ መጠን፡ ሓርነትና ዓቂብና፡ ንኤርትራ ከም ፍትሕን ልምዓትን ራህዋን ዝሰፈና ሃገር ንኽንሃንጻ መብጽዓና ከነሐድስ ግቡእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንልዑላውነት ሃገር ካብ ኩሉ ተጻብኦታት እናተኸላኸለ፡ ንዞባዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ልምዓትን እጃሙ እናኣበርከተ፡ ብወራርን ተጻብኦታትን ንዝተኾልፈ ዕድላት ብዝኽሕስ ናህርን ኣድማዕነትን ብምሉእ ዓቕሙ ንምህናጽ ኤርትራ ብምስራሕን፡ ሕድሪ ዝቕበልን ታሪኽ ዝቕጽልን ዝሰርሕን ብቑዕ ወለዶ ብምዂስኳስን ታሪኻዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ቃልሱ ክቕጽል እዩ።

ሕድሪ ባሕቲ መስከረም ስልጥንቲ ኤርትራ ብምህናጽ ክንፍጽም ኢና!

ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!

ዓወት ንሓፋሽ!

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን

1 መስከረም 2022

ኣስመራ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events