Dehai News

Shabait.com: ሓተታ፥ “ናይ ኩሉን ንኹሉን” ዓለም – ግዴታ’ምበር ሕርያ ኣይኮነን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 09 May 2022

ሓተታ፥ “ናይ ኩሉን ንኹሉን” ዓለም – ግዴታ’ምበር ሕርያ ኣይኮነን

ቀዳም 7 ግንቦት፡ 2022

ዓለምና፡ ብኣዝዩ ተሃዋሲን ኣሻቓልን መድረኽ ትሓልፍ ኣላ። ኲናት ዩክረየን ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወት ኣውሪድዎ ዘሎ መቕዘፍቲን ስቓይን፣ ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ጽልዋን ብሓፈሻ ኣብ ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን ፈጢሩዎ ዘሎ ወጥሪን ስግኣትን፣ ቁጠባዊን ንግዳዊን ስምብራቱ ብደረጃ ዓለም፣ እምብዛ ከቢድ እዩ።

ዓለማዊ ግድላት መሰረታዊ ፍታሕ ኪርከቦ፡ ነዚ ህልዊ ኩነት ዝወለደ፡ ዕቱብ ኣተኩሮ ዘድልዮ፡ ቀንዲን ጉሉሕን ጸገማት ብሕጽር ዝበለ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ናይ ሩስያ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሱር መሰረት ናይቲ ጸገም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣነጺሩዎ ነይሩ፦

  • ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ እንኮ ቑጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት ንምንጋስን ዕብለላ ሓደ ወገን ክውን ንምግባርን ዝተሃቀነ ዓንዳሪ ፖሊሲ “ድረታ”፣
  • ንሩስያ ንምድራትን ንምድኻምን ንምንጻልን ዝተቐየሰ ውጥን፣ ካብኡ ብዘይንእስ፡ ቻይና ንምድራት ዝተቐየሰ ውጥን፣
  • ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሓያላን (ቻይና ህንዲን ጃፓንን. . .ካልኦትን ከም ኣብነት) ምትፍናንን ግጭታትን ንምጥቛስ ኪካየድ ዝጸንሐ ሽርሒታት፣
  • ብመገዲ “መልሕቓት” ብ”ዓንኬላት ጽልዋ” ዝዝወር ዞባዊ ቅልውላዋት፣
  • ንከም ዩክረይን፣ ምስምስን ግዳያትን ንምግባር ዝህቀን ጸወታታት፣
  • ብዝተፈላለየ ምስምስ ዝህቀን ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊን ምትእትታዋትን. . .ዘስዕቦ ቅልውላዋትን፣
  • ገንዘባዊ ዕብለላ ዶላር ንምንጋስ ዝካየድ ህቀናታትን ዘኸተሎ ቁጠባዊ ቅልውላዋትን፣
  • ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምስምስ ዩክረናውያን ንዝላሸዉ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን (EU, NATO) ንምትንሳእ ዝካየድ ዘሎ ከንቱ ህቀናታት፣

ምስ ካልኦት ዘይተጠቕሱ ተደማሚሮም፡ ነዚ ዘሎ ሓደገኛ ኩነት ዝፈጠሩ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቶም ቀዳሞት ናይ እዋን ዝሑል ኲናት ግዳይ’ዩ። ኣብ 1950ታት ምእንቲ ግሎባዊ ረብሓታት ኣመሪካ ተባሂሉ፡ ሕጋዊ መሰሉ ንናጽነት ተመንዚዑ’ዩ። ክሳብ መፋርቕ 1970ታት ከኣ ኣመሪካ ሕጋዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቕ፡ ንስርዓት ኢትዮጵያ ገዚፍ ደገፍ ምስናቕ ቀጺላቶ። ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ መድረኽ ከኣ፡ መወዳድርቲ ኣመሪካ ዝነበረት ሕብረት-ሶቭየት ኣብ ጎድኒ ስርዓት ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ እጃማ ኣበርኪታ።

ውድድር ዝሑል ኲናት ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ ከብቅዕ፡ ዝሑል ኲናት ድሕሪ ምኽታሙ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳመይ ግዳይ፡ ናይቲ እንኮ ቁጠባዊ ዓለም ንምፍጣር ዝተሃንደደ ዓንዳሪ ፖሊሲ ኣመሪካን ናይ መልሕቓት ስትራተጂን እዩ ኮይኑ። ኣብ 1998፡ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ጎድኒ’ቲ ወራሪ ስርዓት ክትከውን’ያ መሪጻ። እቲ ኲናት ብሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ተሓምሺሹ፡ ጉዳይ ዶብ ሕጋዊ ብይን ምስ ተዋህቦ ከኣ፡ ኣመሪካን መሻርኽታ፡ ባዕሎም ዝኸተምሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ብምጥሓስ፡ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ከሳስዩ ተራእዮም።

መርገጺን ርእይቶን ኤርትራ፡ ኣብዚ ህልዊ ዓለማዊ ኩነት እምበኣር፡ ካብዚ መሪር ሕሉፍ ተሞኩሮ ዝብገስ እዩ። ካብ ባህጊን ርእይቶን ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ኣውራ ህዝብታት ደቡባዊ ግሎብ ድማ ዝፍለ ኣይኮነን። ርግጽ’ዩ እዚ ዘሎ ርቡጽ ዓለማዊ ሃዋህው፡ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ምልክታት ምዃኑ ኣየማትእን። እንተኾነ ናበይ ዝወስድ መሰጋገሪ? ናብ ሓደ ወይ ክልተ ቀጽርኣዊ’ዶ ብዙሕ ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት? ንህዝብታት ዓለምና በብዞባኡ’ኸ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል?. . . ብዙሓት ሕቶታት ዘበጋግስ’ዩ። ሓደ ፍሉጥ ሓቂ ግን ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኩሎም ህዝብታት ዓለም፡ ንክልተ-ቐጽራዊ ወይ ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘብህግ ነገር የብሎምን። ህዝቢ ዓለም ዘገድሶ ናይ ደምበታት ፍቕዲ ዘይኰነ፤ ብቐንዱ ልዑላውነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ሰላምን ዕብየትን ዘውሕስ ዓለማዊ ስርዓት እዩ።

በዚ ምኽንያት ኤርትራ፡ ዓለምና ካብዚ ኣሸጋሪን በዳሂን ኩነታት’ዚ ብዝወሓደ ዕንወት ክትወጽእ፡ እቲ ናብዚ ደረጃ’ዚ ዘምርሐ ግጉይ ፖሊሲታትን ዕንደራን ተኣሪሙ፡ ረብሓ ኩሎም ህዝብታትን ሃገራትን ዘረጋግጽ፡ ምዕሩይ፡ ውዱን፡ ሕጊ ዝማእገሩ፡ ኣህጉራዊ ስርዓትን ስትራተጂያዊ ዝምድናታትን ከምዘድሊ ትኣምን። ናብዚ ደረጃ ንቕሓት’ዚ ንምዕራግ ድማ፡ ሰፊሕን ሓቛፊን ልቦናን ቅንዕናን ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት።

እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ምዕምጻጽን ምኽርዳንን ድሌታት ግን፡ ሓባራዊ ፍኖተ ዕቤትን ብልጽግናን ህዝብታት ዓለም ብምዕንቃጽ፡ ምትፍናንን ዘይምርግጋእን ዝያዳ ብምጉሃር፡ ከቢድ ሓደጋ ዘኸትል’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ዓለምና ነዚ ዘሎ ዕብለላን ቁርቁስ ቀጽሪታትን ንሱ ዝፈጥሮ ቅልውላዋትን ኲናትን ሰጊራ፡ ናጽነት ልኡላውያን ሃገራት ብምዕዛዝ፡ ውህደት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ህዝብታት እተረጋግጽ፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊ ዝነገሳ “ናይ ኩሉን ንኹሉን” ርግእቲን ሰላማዊትን ዓለም ክትከውን፣ ንህዝብታት ዓለም ሕርያ ዘይኮነ ግዴታ’ዩ። እንተዘይኮነ፡ በዚ ዘሎ ሓደገኛ ኣካዪዳ፡ ወዲ-ሰብ ውሑስ መጻኢ ክህልዎ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ኣብ ክሊ እዞም ሓቂታት እዚኣቶም እምበኣር፡ ከምቲ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ናይ ሩስያ ዑደቱ ጸቒጡ ዘስምረሉ፡ ኤርትራ፡ ሩስያን ዩክረይንን ናጻ ክልተኣዊ ፍታሕ ዝረኽባሉ ባይታ ክፍጠር ትድግፍ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events