Dehai News

(EmbassyMedia) 'መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት' ህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8 መጋቢት

Posted by: Yared Tesfay

Date: Friday, 11 March 2022

ሎሚ ዘመን፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ከም መቐጸልታ ተጻብኦ 80 ዓመታት፡ ኣንጻር መንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ዘይፍትሓዊን ዓማጺን ናይ እገዳ ውሳነታት ኣብ ዝውሰነሉ ዘሎ፡ ዞባና ብተሃዋሲ መድረኽ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ታሪኻዊ እዋን እያ ትዝከር ዘላ። “መትከላዊ እምነት ንመድረኻዊ ግድነት!” ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት መሪሕ ጭርሖ 8 መጋቢት እምበኣር፡ ዘለናዮ መድረኽ ዘሰከመና ሓላፍነት ዘዘኻኽር ቴማ እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት ፈታው ሓቂን ርትዒን ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ብስሙር ኣረኣእያ፡ ንኣዕናዊ ግዳማዊ ጣልቃን ምትእትታውን ኣብ ዝምክተሉ ዘሎ መድረኽ እያ ትዝከር ዘላ። ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ከኣ፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ፡ በቲ ያታአን ዝዀነ መትከላዊ እምነት፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ብድሆ ብምስጋር፡ ንምሉእ ኣግእዞ ዝጀመርኦ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ፡ ኣብ ጎድኒ መላእ ህዝበን ኮይነን፡ ኣብነታዊ ተራ ይጻወታ ኣለዋ። ክብሪን ምስጋናን ነታ ወትሩ ድርዒን ሓይሊን ሃገራዊ መኸተና፡ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ!





EmbassyMedia - ኤርትራውያን ደቀንስትዮ 'International Women Day 2022'




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events