እቲ ካብ መዝነቱ ዝፋኖ ዘሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ: ኣብ ትግራይ መንእሰያትን ንኣሽቱን ብለይቲ ተወሲዶም፡ ገሊኦም ከም ዝተቐትሉን ዝገልጽ ሓበሬታታት ምህላው ብምሕባር፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ተሓተትቲ ምዃኖም ንጹር እዩ" ክብል ከሲሱ እዩ።
ማርክ ሎውኩክ ብ 10 ሰነ ሰብ መዚ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ 131 ክልከላታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ እቲ 54 ብወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ እቲ 50 ድማ ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተኻየደ'ዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብሪጣንያ ዝተኣከቡ መራሕቲ ናይተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት ጉጅለ -7 (ጂ7)፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ምጽውዖም ይዝከር።
ቤት ጽሕፈት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብዚ ወሳኒ እዋን፡ ንዓለምለኻዊ ሕግን ልዕልናን እተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ብምጥሓስ፡ ዘየድልይ ምትእትታውን ምፍርራሕን ብምግባር ካልእ ጎንጽን ዕግርግርን ምስዋር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ቅቡል ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ "ቀረባ እዋን" ክወጽኡ ኢዮም ክብል ተዛሪቡ።
ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀ ስላሴ እቶም ወተሃደራት ዝወጽኡሉ ግዜ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ገለ ቴክኒካውን ኣገባባውን ጉዳያት" ምስ ተጻፈፉ ከም ዝወጽኡ ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዝርእዮ ዝገለጸ እቲ ኣምባሳደር "ኤርትራውያን'ውን ኣብቲ ጉዳይ ንጹራት ምዃኖም" ገሊጹ ይብል እቲ ጸብጻብ።