Dehai News

መልሲ፡ ስደትን ህድማን ብፍላጥን እኩይ ዕላማን ዝተገብረን ዝቕጽል ዘሎን እምበር "መርገም" ኣይኮነን ኽቡር ሓው ርስቶም!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 11 June 2021

መልሲ፡ ስደትን ህድማን ብፍላጥን እኩይ ዕላማን ዝተገብረን ዝቕጽል ዘሎን እምበር "መርገም" ኣይኮነን ኽቡር ሓው ርስቶም!
=======================================
እዚ "መርገም" ግኒ ዕርፊት ዝበሃል ማሪታዊ ዕሙት እምነት ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ትርአ ትድህሰስ ትጭበጥ ዓለም ፍጹም ኣይሰርሕን ጥራይ ዘይኮነስ ብስሩ የሎን።
 
.......እዚ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ምፍንቓልን ምብትታንን ስቓይን ጥፍኣትን ሞትን፣ ብቐዳምነት ከዳሚት መስፍናዊት ህውሓት/ማሌሊት ነበርን ምዕራባውያን ጎይቶታን ብፍላይ ብኸቢድ ወንጀል፣ እቶም ኣብቲ ጥፍኣት ኢዶም ዝሓወሱን ብግብሪ ዝተዋስኡን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ሓያሎይ ኤርትራውያን ድማ ብሓፈሻ ብመጠኑ ተሓተትቲ እዮም። ብተወሳኺ ኣውራ ድማ እቶም ምስ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ተዓሲቦም ብሽሞም እናሸቀጡ ኮሸምሸም ዝበሉን ፖለቲካዊ ሽርሙጥና ዘካየዱን ቁራብሻኦም ዘሕበጡን ደለልቲን ሸቀጥትን ሸየጥትን ደቂ ሰባት ኸብዶም ጥራይ ዘመዶም ጉጅለታት ኩኑ ውልቀሰባት እሞ ኸኣ ብዝያዳ ብምጽናት ኤርትራውያን ተሓተትቲ እዮም።
 
እቶም ኣእላፍ ኣሻሓት ዶላራትን ኤውሮን ተመዊሎምን ከፊሎምን እናፈለጡ እታ ሓንቲ እንኮ ኽብርቲ ህይወቶም ናብ ሓደጋ ስቓይን ሞትን ኣእትዮም ዝመጹ'ሞ እቲ ኹሉ ዘጋጥም ሽግራት እናፈለጡ ንኹሎም ኣሕዋቶም ኮነ ስድራ ቤቶም ናብ ትግራይ/ሱዳን ዘግዓዙ'ውን ኣብቲ ወንጀል ብግብሪ ስለ ዝተኻፈሉ ብሕጊ ተሓተቲ እዮም።
 
እቲ ሓቂ እዚ እዩ ወሓጥዎ! እዚ ኹሉ ኤርትራዊ ጠፊኡ ሞይቱ እናበልካ ዝካየድ ዝነበረን ዛጊት'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኣውያት ድማ ንመንግስቲ ኤርትራን ንሃገረ ኤርትራን ንምጥቃንን ንምጽላምን ካብ ዝገበርካዮ በደል ንምህዳምን ዝግበር ከንቱ ፈተነን ምስሉይን ብስም መሳኪን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሸቂትካ ዶላራት ምእራይን ጁባኻ ምሕባጥን ናይ ሓሶትን ናይ ሓርገጽ ንብዓት ምንባዕን'ዩ!
 
እዚ ኹሉ ዝሩግ ማይ ሓርየት ምስ ግዜ ዝግ ኢሉ ምስ ጸረየ ግን፣ ገና ርእሲ ወዲ ሰብ ዘንጸራሩ ሓቀኛ ታሪኽ ክወጽእ ምዃኑ ርግጸኛ እየ። ምቕናይ ጥራይ!!!
 
•>>>መብርሂ√
••••••••••••••••
ኣብቲ መስርሕ፣ ንዝሸገሮ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ዝብል ኣዎንታዊን ጽቡቕ ባህልና'ኳ እንተዘይረሳዕኩዎን ኣብ ቦትኡ እንተሃለወን፣ ኣብዚ መዳይ'ዚ ግን ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣጋጣሚ ዝተጠቕሙሉ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን'ውን ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቓያትን በሰላታትን ገዲፉሎም እዩ። እቲ ዝኸፍአን ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ካብ ዓዶም ምስ ወጹ ጀሚርካ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከፊሎም እንከብቕዑ፣ ብገለ ውሕዳት ስሱዓት ደቂ ሃገርን ጨካናትን ኣረመናውያንን ባዕዳውያን ተሳቕዮምን ተቐጥቂጦምን ከም ኣቕሑት ብተደጋጋሚ ተሸይጦምን ኣብ ምድረ በዳታት ሰሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ኣርዳኢ ዘይብሎም እታ ኽብርቲ ህይወቶም ስኢኖምን እዮም። ናይዚ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ተግባራት ዝፍጸም ድማ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ንኢትዮጵያ>ሱዳን>ሊብያ>ማእከላይ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ስጋብ ጫፍ ሰሜን ኤውሮጳ ዝዝርጋሕ ዝተወደበ ናይ ስቓይን ስርቅን መሓውራት እዩ። እዚ ማለት ስቓይን ሞትን ሓሊፎም ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ'ውን እቲ ንዋያዊ [ገንዘባዊ] ምንጠላን ብዝበዛን ቀጻሊ እዩ።
 
እዚ ኹሉ ካብ ሰብኣዊ ርህራሀን ናይ ምትሕግጋዝ ጽቡቕ ባህሊ ዝተገብረ ድማ ንማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ኣብ ዕዳ ዕንዲዳ ከቲቱዎ እንክከብቅዕ፣ ካውኡ ዝኸፍአ ድማ እታ ዝነበረት ናይ ስድራ ምዉቕ ርክባትን ኮነ ዕርክነትን ምሕዝነትን ፍቕሪን ኣሓርፊፉ ኣሉታዊ ሳዕቤንት'ውን ኣብ ሓያሎይ ስድራን ሰባትን ኣኸቲሉ እዩ።
 
እቶም ነቲ ኹሉ ብድሆታትን መዓትን ሓሊፎም ይሕመቕ ይጸብቕ ኣብ ዓለም ብህይወት ዝነብሩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትና በቲ ዝሓለፉዎ መንገዲን ዘጓነፎም ስቓይን እናሓዘንኩ፣ እቶም ንምንባር እናደለዩዋ ዝሞቱን ኣብ ዘይግብኦም ዕድመ ዝተቐዝፉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክዝክሮም ከሎኹ ግን፣ ብዝያዳ መዓንጣኻ ዝቐርጽን ኣዝዩ ዘሕዝንን ተርእዮ እዮ! እዚ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣውነት ዝስምዖ ወዲ ሰብ ስጋብ ኣብ'ዛ ዓለም ዘሎ፣ ዘይርሳዕን ዘይሓውን በሰላን እዩ።
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
==========================================
ኣንቱም ሰባት እዚ ኤርትራዊ ረኺብዎ ዘሎ ሽግራት'ሲ መርገም ደኣ ከይከዉን።
 
ርስቶም ደበሳይ [Rustom Debesay]
==============================
ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ሓደ ዓርክና ሓብቱ ሱዳን መጺኣስ ንልብያ ኸይትኸዲ ዝገበርኩ ጌረ ብውሑስ መንገዲ ኸውጽኣኪ እየ ይብላ ፡በዚ ተስርማሚዖም ከኣ ንሳ ኣብ ሱዳን ሓደ ዓመትን ፈረቓን ጸንሐት።
 
ሓደ መዓልቲ ሓደ መትዓቢቱ ንሱዳን ይኸይድ ስለዝነበረ ናይ መሻርፍ ገንዘብ ምስኡ ሰዲድላ ፡ንሱ ኸኣ ገንዘባ ኣብጺሕላ፡ኣብ ሱዳን ኮይኑ ሓብትኻ ሒዘያ ኽመጽእ ክንደይ ትኸፍለኒ ይብሎ ማለት ዩ።
 
ብውረድ ደይብ ወላ ተለቒሐን ምስ ሓብተይ ትሓጋጊዘን ይኸፍሎ ኢሉ ኸኣ 22ሽሕ ይውዓዓሎ፡እቲ ሰብ ፓስፖርቲ ማይ ሰበይቱ ሒዙ ኸይዱ ስለዝነበረን ምስ ሰበይቱ ትመሳሰል ስለዝጸንሓቶን ኩሉ ኣሳሊጡ ሒዝዋ ኣብ ሓዋ መጺኡ ገንዘቡ ተቐቢሉ ይኸድልኩም ፡ብድሕሪ እዚ ጓል ወረቐታ ከይወሰደት ጀሚራ ምስ ሓዋ ዝምድንኣ ሓርፊፉ ንስኺ ገዛ ሓግዚ ኣነ ኸኣ ነዘን ለቓሕ በብቑሩብ ኽኸፍለን እንተበላ ፡መን ዶ ተለቓሕ ኢሉካ እዩ፡ኣነ እኳ መዓት ኣማራጺታት ነሩኒ እዩ ካባኻ ዝጽበዮ ኣይነነረንን ወዘተረፈ እናበለት ፡ነቲ ልብያ ኽኸይድ እየ ገምዘብ ስደደለይ ትብሎ ዝመበረት ቃላታ ብናይ ብድዐ ቃላት ንሓዋ ካብ ጭንቐት ናብ ጭንቐት ከምዝሰጋገር ገበረቶ ፡እዮ ኽኾነሉ ኢሉ ካብዘይብሉ ብለቓሕን ላቔባን ዝሓገዛ ሓዋ ብጭንቐት ኣእምርኡ ስሒቱ ኣብ ጎደና ዛነይ ኽብል ጀመረ፡ሕጂ ውን ሓንቱ ምሕማሙን ጭንቐቱን ኣይተሰቆራን ኣብ ዝኸደቶ ውዒላ ኣብ ዝመሰያ ጥራይ ትሓድር ነበረት፡ነዚ ሕማቕ ዝርኣዩ መትዓቢቱ ኸኣ ነቲ ዝነበሮ ዕዳ ኸፋፊሎም ንሱ ጥዕንኡ ኽምሓየሽ ስለዘይክኣለ ንዓዱ ኣፋኔሞ ንብለኩም።
 
ናይዚኦም መስርሕ ሲ ሐራይ ተዛዚሙ ፡ሓደ ኣብዚ ዘለኽዎ ዓዲ ዝነብር ዘሎ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገምን ውን ወስ ኽብለልኩም፡ንሓዉ ኣብ ባሕርን ሞትን ከይከይድ ኢሉ ተላቓቒሑ 25 ሽሕ ኸፊሉ ኣብዚ ዓዲ ኣምጺእዎ፡ካብዚ ዓዲ ኸኣ ንስዊደን ኣፋንዩዎ፡ዕድል ጌሩ ኸኣ ኣብ ስዊደን እትው ምስበለ ቐልጢፎም እዮም ወረቐት ሂቦሞ።
 
ድሕሪ ወረቐት ምውሳዱ ግን ሓደ ዓቢ ጸገም ተፈጢሩ፡ሓዉ ይድውለሉ ኣየልዕሎን እዩ ባዕሉ ኸኣ ሓሲቡ ኣይድውልን እዩ ፡እዚ ሓዉ ዳርጋ ኽሳብ ሕጂ እዩ ዕዳ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ግን ስዊደን ካብ ዝኣቱ ኣስታት 6ዓመት ጌሩ ኸብቕዕ ወላ ንስድራቤቱ ኣብ ዓዲ እዩ ዘይድውል እዚ ሓዉ ንዓዲ ኽድውል ከሎ ኸኣ ኣሎ ዶ ብሂወት እናበሉ ስድራቤቱ ኣሳቕሞ፡በዚ ኣንጸርጺሩ ይድውለሉ ኣየልዕሎን እዩ፡እንተልዓሎ ኸኣ ብስንክኻ እየ ኣብዚ ተድረብየ ዝነብር ዘለኹ ኣይትደውለለይ ኽቐትለካ እየ ወዘተ እናበለ ሕማቕ ዘረባ ጥራይ እዩ ዝድርብየሉ ስለዚ ብሰንኩ ብዙሕ ይሳቐ ከምዘሎ ሓቢሩኒ፡እንታይ እሞ ኽትገንር ዕድልካ መርቕ ዕድልካ ርገም ኮይኑ ነገራቱ፡ኽሕግዘካ ዘምጻእካዮ ሓውኻስ ኽቐትለካ እየ ኽብለካ መርገም ጥራይ እዩ ኽኸውን ዝኽእል።
 
ብዙሓት ሰባት እዮም ከምዚ ኣጋጢምዎም ንዕዘቦም ዘለና ፡ገሊኦም ከኣ 25ሽሕ ከፊሎም ኣምጺኦሞስ ባዕሉ ይገልጥ ነብሱ ጥራይ ይኽኣለልና ይብሉኻ፡ነብሱ ጥራይ እንተኾይኑ ኽኽእል ደኣ ኣብቲ ዝነበሮ ኾይኑ ዘይክእላ እንታይ ኽገብር የሸግረኩም ኔሩ፡ሰብ ትሕግዞ ንነብሱ ኾይኑ ንጽጉማት ወገናቱ ኸኣ ኣለይ መለይ ኽብል እምበር ንውልቑ ደኣ ኣብዝኾንር ቦታ ኽነብር ይኽእል እንድዪ እንታይ ምሕጋዝ ኣድልይዎ?
 
ብዝኾነ እዞም ኣብ ጥጡሕ ናብራ ምስ በጻሕኩም መቶም ኣብዚ በጺሕኩሞ ዘለኹም ኽብጽሕኹም ዋጋ ዝኸፈሉ ምብዳልኩም ብላዕሊ ኽትረኽብዎ ኢኹም፡እንተ እቶም ጨጓር በጊዕ ኣሎ እናበልዎ ሞተ ዝገብርኹም ዘለዉ ግን ኣምላኽ ሽግርኩም ይርኣየልኩም።
 
ሃገራት ኤሮፓ ሓተቲ ዑቕባ ምቕባል ካብዝገድፍኦ ኣስታት 5ዓመት ኮይኑ ኣሎ፡ኣብዚ ሓጂ ኸኣ ኣብ ልብያ ኣትዮም 6ሽሕ ዶላር ክፈሉልና ኽብሉ ንሰምዕ ኣለና ፡እዚ ብሓቒ ዓገብ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ፡ካብ ልብያ 6ከፊልካ ዕድል ጌሩ ጣልያን እንተኣተወ እሞ ኣብ ካምፒ መሽምሹ ብጭንቐት ዕድመ ንእስነቱ እንተሕለፈ ሓውኻ እንታይ ኢኻ ትኸስብ ሓውኻ ሓቀኛ መገዲ ኣርእዮ እናርኣየ ኣብ ገደል ኽኣቱ ግን ኣይተተባብዓዮ፡ሪስኪ ወሲድካ ዝኽየድ መንገዲ ኣብቲ ጫፋ ዓወት ምስ ዝርኣየካ እዩ ፡እዚ ጉዕዞ ናብ እውሮጳ ግን ኣብቲ ጫፉ ጸልማት ጥራይ ከምዘሎ ንእግረ መንገደይ ኽሕብረኩም ይፈቱ።
 
ኣብ መጠረሽታ ግን ኣይላጸን ዝበለ ቑማል ይብልዓዮ ኢለ ዛዚመ ኣለኹ ጽሑፈይ።
======================================
* እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንላዕሊ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ንመንእሰያት ብፍላይ ንሕብረተሰብና ድምጃ ብሓፈሻ ንምብትታንን ከም ውጽኢቱ ድማ ንምብርካክን ዝተካየደ ኣብ ሓሶት ዝተሞርኮሰ ኣዝዩ ጽዑቅ ሰርሕታትን ናይ ምጽላም ዘመተን፣ ኣብ'ዚ ታሕቲ ብዕምቈት ኣምብብዎን ተረድእዎን ኢኹም።
 
ብርሃነመስቀል
 
 
Flashback: Thoughts and Rants of an Eritrean-American-The Traffic Racket........Part I, II & III
The Traffic Racket: The Eritrean “Activists” (Part 1)
August 9, 2017
==========================================
This piece is the first in a series of articles on the “The Traffic Racket.” The series will look into the shocking evidence of a smuggling and trafficking network facilitated by human rights activists working with refugee agencies, state governments and officials, NGOs and international bodies to smuggle Eritreans, particularly children, from Eritrea. Exploited Eritrean migrants often show up on European shores with few observers understanding that the growing tide of trans-Mediterranean migrants is the result of a larger trafficking racket. Part one looks into the role of Eritrean “activists.”
Tragedy on the Mediterranean
Sunday, April 19 witnessed the deadliest migrant shipwreck in the Mediterraneansince World War II. More than 850 migrants from multiple countries were pronounced dead the next day after their boat capsized during a voyage from Libya to Italy.
In less than forty-eight hours following the tragedy, before the proverbial dust had settled, the majority of migrants were said to be Eritrean. According to Carlotta Sami, a spokesperson for the United Nations High Commissioner for Refugees (UNHCR) in Catania, Sicily, “there were Syrians, about 150 Eritreans, Somalians.”
Observers found it somewhat odd that, of the 20 different nationalities aboard the ill-fated vessel, only the number of Eritreans were tallied and definitive. This did not appear to be a one-time exception or anomaly, either.
Only a couple hours after Cami’s statement, an updated UNHCR statement by Adrian Edwards, declared that “among those on board were some 350 Eritreans, as well as people from Syria, Somalia, Sierra Leone, Mali, Senegal, Gambia, Ivory Coast and Ethiopia.”
Again, no definitive casualty figures for any groups other than Eritreans. Thus, how was the official number established? How were the bodies identified and confirmed to be Eritrean? Why were numbers not established for other groups?
With a number in hand, Eritrea immediately came to the fore of the horrific international tragedy. Journalists wasted no time in turning to the nation’s domestic politics and human rights situation. From the ensuing barrage of sensational headlines, it was clear that the plight of Eritrean migrants would be singled out and politicized.
Just a few of these headlines, for instance, highlight this reality: Eritrea: Africa’s land of exodus (Stefanie Duckstein, Deutsche Welle); Crushing repression of Eritrea’s citizens is driving them into migrant boats (Dan Connell, The Guardian); andEscaping Eritrea: ‘If I die at sea, it’s not a problem – at least I won’t be tortured’ (Mark Anderson, The Guardian).
Unlike the reporting on other ‘first nations’ that regularly produce Europe-bound asylum seekers and migrants, reporting on Eritrea mainly centered around alleged domestic repression rather than conflict and poverty, which have historically been the leading causes of flight by asylum seekers and migrants worldwide, respectively.
“If you look at the numbers last year,” explained Volker Turk, the director of international protection at UNCHR, “over 50 percent of the people who crossed the Mediterranean were people in need of international protection. Mostly Syrians, Eritreans, some Somalis.”
Tim Lister from CNN, however, noted the exceptionalism of the Eritrean migrants. According to Lister, “Eritreans want to escape repression or military service; Somalis flee Al-Shabaab and clan warfare; Syrians have given up hope of returning home.”
Again, Matina Stevis of the Wall Street Journal echoed, “The continued Syrian war is pushing ever more refugees out to Europe, where they seek asylum and safety. Sub-Saharan Africans are fleeing their homelands because of either conflict or deep poverty. Eritreans, the second-top nationality of migrants reaching Europe last year, are leaving in hordes because their country enforces mandatory conscription in the army, does not pay them and does not allow them to return to work.”
While Business Insider’s Editor Armin Rosen explained that “Eritrea has a population of around 6.3 million and accounted for 20% of the total [asylum seekers in Europe]”, Dan Connell, writing for the Guardian, explained that “Eritreans are second only to Syrians in the number of boat arrivals, though the country is a fraction of Syria’s size and there’s no live civil war there.”
Most reporting on Eritrea was more or less the same and the emerging post-tragedy narrative on Eritrean migrants suggested that they, unlike all other migrants groups (with the exception of Gambians), were fleeing their homeland due to government repression rather conflict and poverty.
Absent from this narrative, unfortunately, were any voices of dissent or more nuanced analyses for a more contextualized understanding of Eritrean migration.
Credible Sources?
Naturally, the question thus emerges: Upon what evidence do the aforementioned journalists base their claims about the domestic situation in Eritrea?
One cannot help but notice the glaring fact that none of the authors have either visited Eritrea to field their reports or based their writing on entities that report from Eritrea such that claims behind the domestic situation can be substantiated firsthand. In fact, many of the entities cited—and some of the author themselves—have already demonstrated compromised credibility and bias vis-a-vis Eritrea...............
Contnue to read it in PDF Attachment below....
Berhane Habtemariam
================================================
"ጸሓይና መሊኣ በሪቓ"

ARTIST MESFUN TEKLAY MAY 24 05 2019

 
 
https://www.youtube.com/watch?v=j3QTvLvZUJk&t=11s&ab_channel=KaliebsudanKaliebsudan
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events