Date: Tuesday, 13 April 2021
ኣዲስ ኣበባ ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጁንታ ኣብ ሸሞንተ ከባቢታት ክልል ትግራይ እናገበሮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሽፍታ ብሰራዊት ምክልኻል ብዝተወሰደሉ ስጉምቲ ከምዝተደምሰሰ ዋና ኣተሓባባሪ ዘፈር ህንፀት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሰራዊት ምክልኻል ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ ከባቢታት ምብራቕ፣ ደቡብ፣ ሰሜንን ሰሜን ምብራቕን ካልኦት ከባቢታትን ስጉምቲ ዝወሰደ እቲ ሰራዊት ኣድላዪ ጠየክሎኖጂ ጦር ብምጥቃም እቲ ጁንታ ምድምሳስ ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጦም።