Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ብኣመሪካ ዝወጸ እገዳ መገሻታት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 02 February 2020

            ጋዜጣዊ መግለጺ
ብዛዕባ ብኣመሪካ ዝወጸ እገዳ መገሻታት


ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ብ31 ጥሪ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ካልኣይ ምድብ ናይ’ተን ንገለ “ዜጋታተን” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክነብሩ ዘፍቅድ ቪዛ ምሃብ ዝተወንዘፈለን ሃገራት ኣስፊርዋ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ገለ ሃገራት - ንስቱር ምኽንያታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ (ምጉሕጓሕ) ክኽተልኦ ንዝጸንሓ “ምሃብ ቅጽበታዊ ዕቚባ”ን ካልእ ዝምቡዕ ስጒምቲታትን ብቐጻሊ ክቃወሞ ጸኒሑ’ዩ። ኣንጻር’ቶም ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ዝተኸተሉ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ’ውን፡ ኣብ 2004ን 2009ን ሕጋዊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ’ዩ።

እዚ ናይ ሕጂ መግለጺ እምበኣር፡ ካብ’ዚ ግምታት’ዚ ዝነቐለ ኣይመስልን። ዋላ’ኳ ብቴክኒካዊ ረቛሒታት ምኽኑይ እንተመሰለ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰበብ ንኤርትራ ብፍሉይ ኣነጻጺሩ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ።

ስለዝዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ውሳነ’ዚ እምብዛ ከምዘርመሞ ይገልጽ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ምምሕዳር ኣመሪካ ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝኽተሎ ናይ ሃናጺ ጽምዶ እዉጅ ፖሊሲኡ ስለዝጻረር።

ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ

2 ለካቲት 2020



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events