Dehai News

(ገጽ-መጽሓፍ) ዘመናዊ ኵናት ብዘመናዊ ሰራዊት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 02 August 2019

 ዘመናዊ ኵናት ብዘመናዊ ሰራዊት

 ብ-ህዝባዊ  መንግስተኣብ    ዓርቢ  2 ነሓሰ 2019 




ኤርትራ፡ ልዑል ጂኦ-ስትራተጅያዊ ኣገዳስነትን ተጠማቲን ኣቀማምጣ ሒዛ ትርከብ። እዚ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጥኣ ከኣ፡ ምረቓን መርገምን’ዩ። መርገም ዝገበሮ፡ ኣዒንቲ ወረርቲ፡ እምብራጦርያውያን፡ ገበትቲን ሓሳዳትን እናሰሓበ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኣማኢት ዓመታት ሩፍታ ረኺቡ ቤቱ ክሃንጽን መነባብርኡ ከመሓይሽን ሰላም ከሊእዎ ምጽንሑ’ዩ። ምረቓ ዝገብሮ፡ ብግቡእ እንተመዝሚዝናዮን እንተኣመሓዲርናዮን፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ህዝበን ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ዝነብሩ ሃብታማት ህዝብታት ክኸውን ሓቀኛ ተኽእሎ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ። ይኹን ግን፡ እቲ ምረቓ ውሕስነት ክህልዎን ክዉን ክኸውንን እንተዀይኑ፡ ብዘይቃል-ዓለም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ንኵናት ድሉው ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ በቲ ቀዳማይ ዝተጠቕሰ ረቛሒ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ነባሪ ስግኣት (Existential Threat) ስለዘለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዅናት ኣይምነን። ሳላ ስልጡን ባህሉን ታሪኹን ከኣ፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ዘጋጥም ጸገማት ብሰለማዊ ዘተ ክፈትሕ ዝብገስ ምበር፡ “በትረይ ሃቡኒ!” ብምባል ናብ ጃህራን ታህዲድን ዝጐዪን ነገር ዝጽሕትርን ህዝቢ ኣይኰነን። ግን፡ “ሰላም እንተደሊኻ፡ ንኵናት ድሉው ኩን።” ዝብል ብሂል ሊቃውንቲ ኵናትን-ሰላምን ኣሎ። ንኵናት ድሉው ምዃን ኵናት ምድላይ ኣይኰነን፤ እኳ ደኣ ንተኽእሎታት ኵናት ምጕዳል’ዩ።

ኣብ’ዚ ዓለም ብቴክኖሎጂ ትውንጨፈሉ ዘላ እዋን፡ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ሰራዊት’ውን ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተሰንዩ ዝስራሕን ዘመናዊ ፍልጠት ዘድልዮን ኰይኑ ይርከብ። ስለዚ’ምበኣር፡ ዘመናዊ ኵናት ንምግጣም፡ ዘመናዊ ሰራዊት ምህናጽ የድሊ። ዘመናዊ ኵናት፡ ውሁድ ስርሒታት ሓይልታት ምድሪ፡ ልዕሊን ትሕቲን ባሕሪን ኣየርን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብታንክታትን ነፈርቲን፡ ናይ መሬትን ሰማይን ሚሳይላት፡ ዘመናዊ መራኸቢታትን ብሳተላይታት ዝተደገፈ ዕላማ ናይ ምንጻር ፍልጠትን፡ መዳፍዕን ሓይልታት ምድሪን ውሁድ መጥቃዕታት ምውሳድ ዝሓቍፍ ኣዝዩ ምዕቡል ጸወታ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። መራሕቲ ሰራዊት፡ ካብ’ቲ ዝለዓለ ክሳብ’ቲ ዝተሓተ፡ ናይ ዘመናዊ ኵናት ፍልጠት ዝዓጠቑን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝመለኹን፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓትን ልዑል ንቕሓትን ዝውንኑን ክዀኑ ይግባእ።

እዚ ሎሚ ኣብ ጽንብል መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን መመረቕታ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝረኣናዮ ሰልፊ ሰራዊት፡ ነቲ ኤርትራ ዘመናዊ ኵናት ብብቕዓት ንምግጣም ዘመናዊ ሰራዊት ንምህናጽ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ዘርኢ’ዩ። እቲ ቀንዲ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ከኣ ንሱ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ብዕድመ ንኣሽቱን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ትርግታ ልቢ መካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር፡ ኮማንዶን ኣጋር ሓይልታትን ኰይኖም ምህላዎም ብግብሪ ዝምስክር ብምንባሩ። ብርግጽ፡ ዘመናዊ ሰራዊት ንምህናጽ ብዙሕ ዝግበር ነገር ይተርፈና ምህላዉ ኣየካትዕን። እቲ ጕዕዞ ግን ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ መስርሕ፡ ካብ’ቲ ንሰራዊትና ዝተራቐቐን ዘመናዊን ኣጽዋር ምድሪ፡ ሰማይ፡ ባሕሪን መራኸቢታትን ምዕጣቕ፡ ክሳብ ገምጋማዊ ደረጃ ዕድመ ሰራዊትና ምውራድን ዘመናዊ ፍልጠት ዘመናዊ ኵናት ምጽናዕን ዘመናዊ ኵናት ንምምራሕ ልዑል ብቕዓት ምውናንን ዝኸይድ’ዩ። ምህናጽ ዘመናዊ ሰራዊት ንበይኑ ተነጺሉ ዝኸይድ ኣይኰነን። ዘመናዊ ናይ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ሃገራዊ ዓቕሚ፡ ዘመናዊ ኢንዱስትሪን ሕርሻን፡ እቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ንህጸት ዘመናዊ ሰራዊት ዝጸሩ ብምዃኖም፡ እቲ ብድሆ ገዚፍ’ዩ። ይኹን ግን ሃገራዊ መሳርዕና እናጸገንና፡ ውርጹጽ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፖሊሲታት እናነደፍናን እናተግበርናን፡ ትካላትናን ትካላዊ ኣሰራርሓናን እናሓየልና፡ ስጡም ዝምድና ህግደፍን ህዝብን ሰራዊትናን ህዝብናን እናዀላዕና እንተኼድና፡ ክንበጽሖን ከነረጋግጾን ዘይንኽእል ባህጊ የልቦን።

ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!!
ክብሪ ንህዝቢ ኤርትራ!!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events