Dehai News

(ሻባይት) ዓመት ድሕሪ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 06 July 2019

ዓመት ድሕሪ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን

6 ሓምለ 2019 

ዓሚ 9 ሓምለ 2018፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናትን ተጻብኦን ኣብቂዑ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ዝዓለመ 5 ዓምድታት ዘለዎ፡ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ ዝኸተሙሉ ታሪኻዊ ዕለት እዩ ነይሩ።

ዕዙዝነት ናይዚ ታሪኻዊ ስምምዕ’ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብቲ ብዶባዊ ምስሕሓብ ተመኽንዩ ዝተወልዐ ናይ 1998-2000 መጠነ ሰፊሕ ኲናት ዝደመዩዎን ዝኸሰሩዎን ከይኣክል፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መጋባኣያ ፍርዲ ቀሪቡ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ምስ ተገብረሉ እውን፡ ስርዓት ወያነ ትግባረኡ ንምዕንቃጽ ን16 ዓመታት መመላእታ ካብ ሕጊ ኪሃድም ዝቐጸሎ ተጻብኦታት ሰጊርካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምዃኑ እዩ። 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ምኽታም ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ጠንቂ ናይዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት’ዚ፡ ብቐንዱ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናት ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያላን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ዞባና ናብ ሓድሽ መድረኽ ዝሰጋገር ዘሎ፡ ብቐንዱ ሱር ናይቲ ሽግር ብፍሽለት ስለዘብቅዐን ኣብቶም ግዳይ ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ዝኾኑ ህዝብታት ክዅስኰስ ዝጸንሐ ንቕሓት እናበረኸ ስለዝመጸን ምዃኑ ሰፊሕ መረዳእታ ሂቡ ነይሩ።

ከም ኣካል ናይዚ ግሎባዊ ስትራተጂ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰለስተ ወለዶታት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተጻዕነ፡ ዓለማዊ ውዲትን በደላትን ክምህ ከይበለ ብጽንዓት መኪቱ ምውጽኡ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብትናን መድረኽ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ናብዚ መድረኽ’ዚ ንምብጻሕ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። 

ዓሚ ከምዚ ሎሚ፡ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ተፈረመ፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተራእየ ልዑል ሓጎስን ባህታን ከኣ፡ ጽምብል ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዓወት’ዩ ነይሩ። እዚ ስምምዕ’ዚ፡ ብቃልሲ ክልቲኡ ህዝብታት ዝመጸን፡ ብፖለቲካዊ ድሌት፡ ተበግሶን፡ መሪሕነታዊ ልቦናን መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐን ምዃኑ ድማ፡ ፍሉይነቱ ብኣብነት ክግለጽ ዝኽእል ኣርኣያ ንካልኦት እዩ።

ናይ 9 ሓምለ 2018 ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ከኽትም ጥራይ ዘይኮነ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኩሉ መዳያት ዕብየት፡ ብሽርክነትን ተመላላእነትን ክሰርሓ፣ ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ብሓባር ክጽዕታ ከምእተበገሳ ዘበሰረ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ። እቲ ስምምዕ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ዞባዊ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን። ደድሕሪ’ዚ ክልተኣዊ ስምምዕ’ዚ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ንኣጠቓላሊ ዞባዊ ምትሕብባር ስሉሳዊ ኣዋጅ ምኽታሞም ዝዝከር እዩ። እቲ ተበግሶ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ከይተሓጽረ ንካልኦት ሃገራት ናይዚ ጎደቦ ክጽንብር እውን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ክሰላሰል ጸኒሑ ኣሎ። 

ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን እምበኣር፡ ኣዝዩ ኣዎንታዊ ስጉምቲ ኣብ ምዕባለን ዕብየትን ዞባና ኮይኑ፡ መኽፈቲ ናይ ሓደ ፍሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ’ዩ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዝዓምድታቱ ስምምዕ ሰላም ብምልኣት ንምትግባሩ ዘኽእል ሕጋዊን ትሕተ-ቅርጻዊን ባይታን ቅድመ ኩነትን ንምጥጣሕ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን ሓባራዊ ምርድዳእን ዝያዳ ንምድልዳል፡ ከምኡ’ውን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሰፍሐ ቁጠባዊን ንግዳዊን ምትሕብባር ዝሰጋገራሉ ዝርዝር ሕጋጋትን ቅጥዒታትን ኣብ ምንዳፍ፡ ብዙሕ ዕዮታት ተሰላሲሉ፡ ቀሊል ዘይኮነ ገስጋስ ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራትን ዞባናን ክኸፍቶ ዝኽእል ዕድላት ርእሰ ግሉጽ ኮይኑ፡ ብልዑል ዓቕልን ትዕግስቲን፡ ሓበራዊ ኣመለኻኽታን ስራሕን፡ ክስገር ዝግብኦ ብድሆታት ከምዘለውዎ እውን ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ፡ ተኸሲቱ ዘሎ ባና ትስፉውን ብሩህን መጻኢ፡ በቲ ሒዙዎ ዘሎ ኣንፈት ዝያዳ ገስጊሱ፡ ራእይን ድሌትን ህዝብታት ዞባና ከስምር፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ዝምድና ክሕይልን ክድልድልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ክሰጋገር፡ ንመንግስታት ዞባና ሓያል ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ውፉይ ስራሕን ይሓቶም። 





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events