Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ወግዓዊ ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ -24 ግንቦት 2019

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 27 May 2019

ወግዓዊ ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ -24 ግንቦት 2019 


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲን ዕዱማትን፡

ፈለማ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ዮሃና! ንኹሎም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ጐኒ ሓቂን ፍትሒን ደው ዝበሉ ከኣ፡ ስለ’ቲ ምሕዝነቶም ምስጋና! ነዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ንምምዕራግ ዘወሃሃደ ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን፡ ምስ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ሃገራውያንን ናይ ወጻኢን ኣካላት ኩሎም ከኣ ምስጋና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ቴማ በዓል ናጽነት 2019፡ “ጽንዓት ብጽንዓት፡ ንልምዓት’ዩ!” ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቅያ ጽንዓት፡ ዳግም ተዀሊዑ ጸብለል ዝበለሉ ታሪኻዊ እዋን ስለዝዀነ።

ድሕሪ 2ይ ዓለማዊ ኲናት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዝዀነ ካልእ፡ ናጽነቱ ኪጐናጸፍ ዝግብኦ ህዝቢ ክነሱ፡ ብናይ ሽዑ ሓያላን፡ “ኤርትራ እስትራተጂያዊ ረብሓታትና ኣይተገልግልን’ያ” ተባሂሉ፡ መባእታዊ መሰሉ ስለዝተነፍገ፡ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን (50 ዓመታት)፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ውዲታት ምምቕቓልን ምትፍናንን በራሪዙ፡ . . . ናይ ምልሓቕ ፍሕሶታት በናጢሱ፡ . . . ንሰላሳ ዓመታት መዘና ብዘይርከቦ ጅግንነትን መስዋእቲን መኪቱ’ዩ - ናጽነቱ ብክብረት ልዕልና ሕጊ ጨቢጡ። ኣብ ውሽጢ’ቲ 50 ዓመታት፡ ናይ ጸላእቲ ተጻብኦታት ብምስዓር ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ውሽጢ ከፋፋሊ/ በታኒ ግዕዘይ ፖለቲካ እናኣረመ፡ ሓድሕድኲናት ሰጊሩ፡ መሳርዑ እናጽረየ’ዩ፡ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ኣውሒሱ።

ንውሑዳት ካብ ቀንዲ፡ ናይ ጽንዓት ጽንዓት ቅያ ክብሪታት ንምዝኽኻር፡ . . . ብሓይሊን ታህዲዳትን ኣይርዕድን ኣይምብርከኽን! . . . ንሸጠፍን ዓሎቕን ኣይርዕምን! ንወሽለኽለኽን ቈልመጽመጽን፡ ክብረተይን ክብሪታተይን ኣይሸይጥን! . . . ተጸበበ ኣይጭነቕን! . . . ተተረረ ኣይስነፍን! . . . ሰሪሐ ኣይደክምን! . . . ረሃጸይን ደመይን ሂወተይን ኣይበቅቕን! . . . ክሳብ ዕላማይ ዝጭብጥ፡ ኣይሕለልን! ኪኖ እምነትን መብጽዓን፡ ኣብ ባይታ ብግብሪ ተደጋጊሙ ዝተመስከረ ሕላገታት ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ናይ ናጽነትን ልዑላውነትን መዋእልከ?. . . ህዝቢ ኤርትራ፡ ነታ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ሓራ ዝገበራ ዝዓነወት ሃገሩ ኪሃንጽ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ዕረፍቲ ብዘይህብ ተጻብኦታት፡ ጅሆ ሒዝካ ንምስናፉን ንምጽዓዱን፡ . . . ትርጉም-ኣልቦ ፈጠራ ግጭታት ዶብ! ናይ ጠቐነ እገዳ! ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት! ፖለቲካዊ ውዲታት! ቁጠባዊ ሽርሒታት! ናይ ፍልሰት ኲናት! ናይ ምንጻልን ምስይጣንን ስነኣእምሮኣዊ ወራራት! . . . ዝተኻየደ በደል፡ “መንከ መብነኖ፣ ብዘይካ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ” ዘብል’ዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ሕጂኸ?

“ኣሽካዕላል ኣብቂዑ” ኣብ ዝተባህለሉ፡ ክሳብ ዘይሕጋዊ እገዳ ዝተላዕለሉ፡ ዝተኸተልናዮ መርሓ፡ “ዘሎናዮ እዋንን ኩነታትን፡ ገና ምጅማር ሓድሽ መዋእል’ዩ! ብባህሩ፡ ናይ ባህታን ሃረርታን ስምዒታዊ እዋን’ዩ! ባህታን ሃረርታን ግን፡ ንብድሆታት ናይቲ ሓድሽ መዋእል ከደብዝዝ ኣይግባእን! ቅድሚ ሰፋሕቲ ናይ ሓዋሩ ዘላቒ (sustainable) መደባት ምስኣልን ምህዋኽን፡ ነቲ ህሉው ወድዓዊ ኩነታት ብዕምቈት ንምፍላጥን ንምግምጋምን፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ድሕነታዊን ዳህሳስ ይሓትት። . . . ዝኣክል ሓበሬታ ኣኪብና፡ ብብልሓትን ጽሞናን ኣመስሪሕና፡ ንጹር ስእሊ ከይወሰድና፡ ናብ ስምዒታዊ ህንጡይ መደምደምታታት ተጊርና ክንብይን ስለዘይከኣል፡ ኣድህቦና ናብ ዓቃል ምውህላል ኪኸውን ይግባእ። . . . ሕጂን ናይ ቀረባን ቀዳምነት/ዕማም ከኣ፡ ነቲ ሓድሽ መዋእል፡ ጥጡሕ ባይታን ሃዋሁን ምውሓስ’ዩ! ዝብል መማእዘኒ፡ ካብ ውህሉል ክብሪታትና ዝመንጨወ ልቦና’ዩ።

ምስ ክስተት ናይ’ዚ ሓድሽ መዋእል፡ ካብ መሰረታዊ ናይ ህንጸት ሃገር ሰረተእምነት ከይወጻእና፡ ማለት፡ ብሓያል ስራሕን ብቑዕ ኣፍራዪነትን፡ ሃገራዊ ሃብቲ ፈጢርናን ኣኻዕቢትናን፡ ዕድላትን ሃብቲን፡ ብርትዒ ኣመቓሪሕናን፡ ካብ ፍልማዊ/ናይ ዕንጋሎ (subsistence) ቁጠባ ወጺእና ዓይነት ሂወት ዝሰፍሐ ግዱዕ ህዝቢ ብዘላቒነት (sustainably) እናቐየርና ናብ ዘመናዊ/ ምዕቡል ኢንዱስትሪያዊ ናይ ምስናዕን ምምስራሕን ቁጠባ ምድያብ’ዩ፡ ቁምነገሩ። ናይ ህንጸት ሃገር ጉዕዞና ብርጉእ (steady) ምረሻ ንምቕጻል ከኣ፡ ንኣፍራዪነትን ፍርያትን ዘጐልብቱን፡ ሓቀኛ ቁጠባዊ ዕብየት ዝድርኹን መሰረታውያን (fundamental) ፕሮግራማት ብትግሃት ከሊስና፡ ዝኣክል ጐስጓስ ጸጋታት ጌርና፡ ብዓጸፋ ሓይሊን ናህሪን ንምግስጋስ፡ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ መሰረታት ልምዓት ንሰርዖም፦

* ቀረብን ኣገልግሎትን ማይ፡ ከም ቀዳምነት ቀዳምነታት፡ ንዝስተን ጽርየትን ሕርሻን ጥሪትን ኢንዱስትሪን፡ ዝውስኽ’ምበር ዘይጐድል፡ ብምዕቡል ሜላን ቴክኖሎጂን ኣብ መዓላ ዝውዕል ፕሮግራማትና ምሕሳን፡

* መርበብ ጽርግያታትን ባቡርን መገዲገመድን ሻምብቆታት-ነዳዲን፡ ኣብ ሰለስተ መድረኻት፡ ማለት፡ ምህዳስ ዝጸንሐን፡ ምምሕያሽ ንስሉጥነትን፡ ሓደስቲን፡ ማዕረማዕረ ብቕዓትን ትግባረ፡ ኣብ ዓይነትን ቅልጣፈን ምውርጻጽ፡

* ወደባትን ገማግምን፡ ተዓጊቱን ተቘጽዩን ዝጸንሐ ፕሮጀክትታት፡ ኣበራቢርካ፡ ብዝተመሓየሹ ውጥናትን፡ ኣብ ውሽጢ ገፊሕ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን፡ ምንጣፍ

* ምምንጫው ጸዓትን ኣገልግሎት ኤለትሪክን፡ ናብ ዕንወት ተጋማጊሙ ንዘሎ ዘይእሙን ስርዓት፡ ናብ መጻንሒ መድርኽ ኣስጊርካ፡ ሰፊሕን ተደላዪታት ብዘይስክፍታ ዘዕግብን ስርዓት ዳግም-ወጢንካ ምትግባር፡

* ብቑዕን ስሉጥን ዘመናዊ ዘቤታዊ መጐዓዝያ-ምድሪ፡ ባሕሪ፡ ኣየር - መራኸቢታትን፡ ብዝተመሓየሸ ውጥን፡ ምስ ዞባዊ መርበባት ምግጣም፡

* መንበሪ ኣባይቲ፡ ከም ሓደ ካብ መሰረታዊ መለክዒታት ዓይነት ሂወት፡ ዛጊት ንዘይሰለጡና ፕሮጀክትታት፡ ብዝተሓደሰ ውጥናትን፡ ዝሓሸ ቴክኖሎጂን ብቕዓትን ምድራኽ፡ 

* ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርቲን፡ ጥዕናዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንሰፊሕ ዓይነታዊ ሸፈነ ምምዕባሉ፡ ዲናሞ ልምዓትን ህንጸት ሃገርን ንዝዀነ ጸጋ-ሰብና ንምጉልባት፡ ስርዓተኣቕርቦት ዘሐይል ኣድማዒ ኩሉ-ጐናዊ ወፍሪ ምቕዳም፡

* ጽላታዊን ኢንዱስትሪያዊን፡ ፕሮግራምብፕሮግራም፡ ዋኒን-ብዋኒን፡ ... ምስ ዝካየድ ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጓሕጓሒ ክለሳ፡ ዝተመሓየሸ መርሓ-ጐደና ወፍሪ ኣርቂቕካ ምትግባር፡

* ኣፈጻጽማ፡ ኣድማዒነት ንምርግጋጽ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት መኸተ ልምዓት ዘሎ መካኒዝም ምስ ምሕሳን፡ ብፍሉይ ናብ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዜጋታት ወሳኒ ኣበርክቶ ዝመጣጠን፡ ፕሮግራማትን መዋቕርን ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ምቅልጣፍ፡

* ጽርየትን ውጽኢታዊነትን ንምርግጋጽ፡ ዘይስልኪ ኲናት ኣንጻር ብከላን ምውቕቓዕን ምሕያል፡

* ዞባዊ ሽርክነትን ርግኣትን፡ ንዘቤታዊ ልምዓታዊ መደባት፡ ጥጡሕ ናይ ምክብባርን ሓቀኛ ሽርክነትን ሃዋሁ ንምፍጣር ምንጣፍ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ናይ’ዞም ክብ ኢለ ጠቒሰዮም ዘለኹ፡ ሓደስቲ ዘይኰኑ ጉዳያት ዝርዝራዊ ሰነዳት፡ ከሊስካ፡ ምስ ምዕባለታት ሓድሽ መዋእል ኣዛኒቕካ ምትግባሮም፡ ኣቋራጫትን ቀለልቲ ፍታሓትን ስለዘይብሎም፡ ከም ወትሩ ኣብ ሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢን፡ ዘይሕለል ስራሕን ጽንዓትን ዝምርኰስ’ዩ ኪኸውን። ጽንዓት ብጽንዓት፡ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ ኸኣ፡ ዘጻግም ኣይኪህልዎን’ዩ።

ከም ኣብ ኩሉ ታሪኽና፡ ኣብ ናይ ሎሚ መዋእል’ውን ብዝያዳ፡ ከም ኣብነት፡ ብሕልና ዝቕስቅሱና፡ ዝያዳ ተገዲዖም፡ ዝበቕዖም ኣገልግሎት ከይረኸቡ ‘ንከለዉ፡ ዝያዳ ዝሰርሑን ዝጽመሙን ዜጋታት፡ ምስ ኣባላትን መራሕቲን ሓይሊታት ምክልኻል! ምስጋናን ሓበንን ንዓኹም ይኹን!

ጽንዓት ብጽንዓት፡ ልምዓትና፡ ምስ ጥሉል ክራማት፡ ኪምርሽ’ዩ!

ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ሞሳን ክብሪን ንስዉኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!






7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events