Dehai News

(ቢቢሲ) ሓምሳ ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም- የማነ ገብረመስቀል

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 01 May 2019

ሓምሳ ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም- የማነ ገብረመስቀል

ስደተኛታት ኣብ መዳጐኒ ሊብያYONAS
ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጐኒታት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይፍለጥ

ንኣውሮጳ ክኣትዉ ናብ ሊብያ ዝኣተውን፡ ካብኡ ክቕጽሉ ዘይካኣሉ 50 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ካልኦት 18 ጽባሕ ረቡዕ ክኣትዉ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም'ውን፡ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንቀዋሚ ወኪል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ናብ ቤት ጽሕፉቱ ከም ዝጸውዖ እቲ ሚኒስተር ዜና ኣፍሊጡ።

"እዚ ዳሕረዋይ ግብሪ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን፡ ነቲ ህጹጽ መኣረምታ ክግበረሉ ዘለዎ ጎዳኢ ዝኾነ ናይቲ ትካል [ናይ ዕቑባ] ቅጥዒ መምርሒ ዘጋዉሕ'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ እቲ ትካል ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ዝምልከት ዘውጽኦ መምርሒ ብምንቃፍ፡ ክእርሞ ጸዊዑ።

እቲ በዓል ስልጣን ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይመልሶም እቲ ትካል ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ምግዓዙ ነቒፉ።

እቲ ትካል፡ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝጣየስሉ ኩነታት ንምንዳይ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከግዕዝ ጸኒሑ'ዩ። ትማሊ ሰኑይ'ውን 146 ስደተኛታት ብቐጥታ ናብ ጥልያን ከም ዝተሰጋገሩ ጨንፈር ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣብ ሊብያ ሓቢሩ።

ብኣሚት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጐኒታት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዎ'ውን ዝተፈላለዩ ትካላት ስደተኛታት ክሕብራ ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓደ መዳጎኒ፡ ሓለውቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዳጎኑ ስደተኛታት ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ገለ ካብኦም ከም ዝቖሰሉ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ካብ ሃገሮም ከም ዝወጹ ጸብጻባት የረድኡ።

እቲ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ዶባዊ ኲናት ዝተኣታተወ ምዃኑ'ኳ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክግለጽ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ግን ገደብ ክግበረሉ ኣይተራእየን።

ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ንባዕሉ ዋሕዚ መንእሰያት ንስደት ኣየቋረጸን።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ብናይ ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ስለያ ትካላት ዝተወደበ'ዩ ብምባል ክኸስስ ምጽንሑ ይዝከር።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events