Dehai News

ECSS-Online.com: መልእኽቲ መርገጺ ኤርትራ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዋዕላ ሪያድ 21ን 22ን ሚ ያዝ ያ 2019

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 30 April 2019

መልእኽቲ መርገጺ ኤርትራ
ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዋዕላ ሪያድ

21ን 22ን ሚ ያዝ ያ 2019

ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ ክንሳተፍ ንዝተገብረልና ዕድመ፡ ምስጋና ነቕርብ።
ጂኦ-እስትራተጂያዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን ተኣፋፍነት ኰነ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ምኽራር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን። ታሪኽን ኩነታትን ይኺድ ወይ ይገላበጥ፡ ናይዚ ኣህጉራዊ መገዲ-ማይ ይኹን ሓቚፉዎ ናይ ዘሎ ዞባ ዓለማዊ ጽልዋ፡ ሚዛን እናወሰኸ ዝኸይድ እምበር፡ ዝንኪ ኣይኰነን። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ፡ ንድሕነቱ ኪወሃብ ዘለዎ ኣቓልቦ፡ ዝመጣጠኖ ኪኸውን ግቡእ’ዩ። ዝኸበርኩም ተጋባእቲ፡ ማዕረ ሚዛንን ኣገዳስነትን ናይ’ቲ ጉዳይ፡ ናይ ዝሑል-ኲናት ኣሉታዊ ሓድጊ ከየስተናዓቕካ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጥራይ፡ ብዘይቅርዑይ/ዝምቡዕ ኣጀንዳታት ዝተኻየደ ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኰነ ዕንደራታት ዝተፈጥረ ኣራግጽን ሕልኽላኻቱን፡ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት’ዩ ፈጢሩ ዘሎ። ዞባዊን ዓለማዊን ኣጀንዳታት ዝፈጸሞ ምትእትታዋት ግን፡ ብዘይ ኣሳሳይነት ዘቤታውያን ተዋሳእቲ ክውን ኣምበይ’ምዀነን። ስለዚ ኸኣ፡ ወጻኢ ካብ ስምዒታዊ ወይ ህዉኽ/ግሩህ መቓርቦ፡ እቲ ጉዳይ ርዙን/ዘይስምዒታዊ ኣተኣላልያ ኪግበረሉ ርትዓዊን ግድነትን’ዩ።.......................

...................


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events