Dehai News

(ቢቢሲ) “ኢትዮጵያ እትፈሽል ዘላ ሃገር እያ” ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 10 April 2019

“ኢትዮጵያ እትፈሽል ዘላ ሃገር እያ” ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ

ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስDAWIT W/GIYORGIS FACEBOOK PAGE

ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ደርጊ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ እዩ። ኣብዚ ቅነ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ቀልቀል ቅልውላው እያ ዘላ" ዝብል ጽሑፍ ጽሒፉ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክንበበሉ ቀንዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣይተ ዳዊት፡ ኢትዮጵያ ትፈሽል እያ ዘላ በሃሊ እዩ።

ሻለቃ ዳዊት፡ ዕላማ ጽሑፈይ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምብራህ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ብዙሓት ነገራት እዮም ዝካየዱ ዘለዉ። እዚኦም ኩሎም ተደሚሮም፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይታ ሃገር እንታይ ይመስል ንዝብል እየ ከብርህ ደልየ። ኣብ መዳይ ድሕነት፣ ቁጠባን ብሓፈሻ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኩነታት ክንምርምሮ ከለና፡ ኢትዮጵያ ዝፈሸለት ሃገር ( failed state) ወይ ከኣ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ትኸውን ዘላ።

እቲ ኣንፈት ሓደገኛ እዩ። እቲ መሪሕነት ኣድላዪን ከቢድን ውሳነ እንተደኣዘይወሲኑ፤ [እታ ሃገር] ናብ ጀቕጀቕ ክትኣቱ እያ፤ ምናልባት'ውን ኩናት ሕድሕድ ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ዘሎ መሪሕነት፤ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለና ፈሊጡ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ንኢትዮጵያ ዘድሕና መሪር ውሳነ እዩ ክውሰን ዘለዎ እምበር፤ ብዛዕባ ፍቕሪ ብምዝራብን ንህዝቢ ብምጥባርን፤ ከምኡ ድማ ተስፋ ብምሃብ ነቲ ጸገም ምፍታሕ ኣይከኣልን።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ሓድሽ መሪሕነት ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ዝገድድ ሃዋህው እያ ዘላ ዶ ምባል ይከኣል?

ሻለቃ ዳዊት፡ እወ፤ ኣዝዩ'ምበር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ምምዝባል እንተርኢና፤ ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ'ውን ዝነበረ እዩ። ሕዚ ግን፤ እናገደደ መጺኡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዘለዋ ሃገር ኢትዮጵያ እያ። ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ'ሎ።

ብሓፈሻ ውሕስነት ናይታ ሃገር ክንርኢ ከለና ድማ፤ ብናጽነት ምንቅስቓስ ክትገብር ኣይትኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ዝፍጠሩ ድማ ኣብ ከም ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያን ማእከላዊ ኣፍሪቃን ኣብ ዝኣመሰላ ዝፈሸላ ሃገራት እዩ።

ብውልቀሰብ'ውን እንተሪኢናዮ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ስግኣት እዩ ዝነብር ዘሎ።ክኣቱን ክውጽእን ይሰግእ። ካልእ ተሪፉ፤ መድሓኒትን ነዳድን ጥራሕ ዘግዝእ እምበር፤ ሸርፊ ወጻኢ ከምዘየለ ብሄራዊ ብንኪ ኣፍሊጡ'ሎ።

እታ ሃገር፤ ብናተይ ዕድመ ብዘበን ሃይለስላሴ፣ ብደርጊ ኮነ ኣብ ኢህወዴግ ናብ ከምዚ ዝበለ ዘሻቕል ኩነታት በጺሓ ኣይትፈልጥን።
ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስDAWIT WELDEGIYORGIS FACEBOOK PAGE

እዚ ጸገም ካብ ቀደም ጀሚሩ ክእከብ ዝጸንሐ እንድዩ፤ ብኸመይ እዩ ሕዚ ዘሻቕል ኮይኑ?

ሻለቃ ዳዊት፡ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ አሕመድ ተተሓሒዙ፤ ጸገም ህዝቢ ኣወጊዱ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት እዩ ዝብል እምነት ነይሩ። ስለዝኾነ፤ እቲ ዝተኣተወ ቃል ስለዘይተተግበረ፤ እቲ ጸገም ቀስ እናበለ ክትኮስ ጀሚሩ።

እዚ ማለት ግን፤ ናይ ሓደ ሰብ ጌጋ እዩ ወይ ድማ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ጸገም እዩ ንምባል ዘይኮነስ ንሱ ናብቲ ስእሊ ምስኣተወ፤ ነቲ ጸገም ከወግድን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሸጋግርን እዩ ዝብል እምነት ነይሩ። እቲ ዝተኣተወ ቃል ኣይተፈጸመን። ስለዘይተፈጸመ ድማ፤ ናብዚ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እቶም ዝጠቐስካዮም ጸገማት፤ ኣብ እዋን ስግግር ዘጋጥሙ እዮም ዝብሉ ሰባት ኣለዉ

ሻለቃ ዳዊት፡ ኣይተሳገርናን፤ ለውጢ'ውን የለን። ለውጢ ማለት ናይ ስርዓት ለውጢ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ'ውን ለውጢ ስርዓት እዩ ሓቲቱ። ናብዚ ጸገም ዘእተወና'ውን እቲ ዝነበረ ስርዓት እዩ። ኣብዝሓ እቶም ነገራት ከምታ ዝነበርዋ እዮም ዘለዉ። እቶም ክሳብ ሕዚ ተለዊጦም ዝበሃሉ ነገራት፡ ብስርዓት ዘይኮነስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወሰዶ ናይ ውልቀ ስጉምቲ እዩ። እዚ ግን ነቲ ለውጢ መገዲ ዝጸርግ'ምበር ንባዕሉ ከም ለውጢ ክንርእዮ ዝግባእ ኣይኮነን።

ክሳብ ሕዚ ንዝተፈጠሩ ጸገማት ኩሎም ንኢህወዴግ ተሓታቲ ምግባርን፤ ኢትዮጵያ ብሓድሽ ሕገመንግስቲ ናብ ሓድሽ መረጻ ክትኣቱ ምግባርን እዩ እቲ ትኽክለኛ ለውጢ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዋላ ሓደ ለውጢ ኣይተርኣየን።

እዚ ድማ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መርሓ-ጎደና ስለዘይብሉ ናበይ ኣንፈት ከምዝኽየድ ኣይፈልጦን። እቲ ሕገመንግስቲ ከመይ ከምዝመሓየሽን ብኸመይ ናብ ሓድሽ መረጻ ክንኣቱ ከምእንኽእልን ትኽክለኛ ኣንፈት ዘቐምጥ መርሓ-ጎደና የድልየና'ሎ።

መሰረታዊ ዝኾነ ለውጢ እንተደኣ ተደልዩ ሉእ ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ መንግስቲ እንድዩ ነቲ ሕገ መንግስቲ ክቕይሮ ዝኽእል?

ሻለቃ ዳዊት፡ በቲ ኣሰራርሓ፡ መንግስቲ ዘይኮነ ሕገ መንግስቲ ዝፈጥርስ፡ ሕገመንግስቲ እዩ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝፈጥሮ። ሐዚ ለውጢ ይምጻእ እንትበሃል ድማ፡ በቲ ዘሎ መንግስትን ሕገ-መንግስትን ለውጢ ክመጽእ ኣይኽእልን። ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ሓዱሽ ሕገ-መንግስትን ሓደሽቲ መሰረታዊ ሓሳባትን እንተድኣተፈጢሮም እዩ።

እቲ ዘሎ መንግስቲ ከምዘሎ ኾይኑ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን። ነዞም ኩሎም ጸገማት ዝፈጠሮም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ ኢህወዴግ እዩ። ንሱ ብቐጥታ ዘይክምልከቶ ይኽእል፤ እቲ ፓርቲ ግን ንኹሉ ነገር ተሓታቲ እዩ። ስለዚ እቲ ሕገ-መንግስቲ ፈሪሱን ሓዱሽ መንግስቲ መጺኡን እዩ፡ ለውጢ ክንርኢ እንኽእል።

ንኹሉ ሰብ ዘሰማምዕ ነገር ምምጻእ ይከኣል ዶ? እቲ ሕገ መንግስቲ ክለዓል ምግባር ከ ናብ ካሊእ ህውከት ኣይመርሕንዶ?

ሻለቃ ዳዊት፡ ህውከት እማ ሐዚ'ውን ተፈጢሩ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብዚ ዝኸፍአ ጸገም ክፍጠር ኣይኽእልን። ሰለዚ እቲ ቀንዲ ነገር ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ንሓዋሩ ክትህሉ፡ ከቢድ ውሳነ ምሃብ ከድሊ እዩ። እቲ ዋና ጸገም እንኽተሎ ዘለና ኣብ ዓለም ዘየለ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም እዩ። እዚ ስርዓት ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ዓለም የለን። ቁሩብ ዝመሳሰል ናይ ኮሞሮስን ናይጄሪያን እዩ። ንሱ'ውን ግን ኣብ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን።

እቲ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ህዝቢ ተመያይጡሉ ኣይኮነን ተግባራዊ ተገይሩ። እቲ ሕገ መንግስቲ ክርቀቕ ከሎ ዓብዪ ስሕተት እዩ ተሰሪሑ። ፐረዚደንት ነጋሶ ጊዳዳ ባዕሎም፡ ተጋጊና ኢና፤ ህዝቢ ኣየማኸርናን ኢሎም እዮም። ኣነ ህዝቢ ብደምቢ ይምከረሉ እሞ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ይረቐቕ እየ ዝብል። እዚ ዘሎ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ሒዝና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክህሉ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። ሰላም ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይ ጥርጥር፡ ህልቂት ክፍጠር እዩ።

ነቲ ሐዚ እተልዕሎ ዘለኻ ጸገማት መፍትሒኡ እንታይ እዩ?

ሻለቃ ዳዊት፡ መፍትሒኡ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን፤ ሓያል ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጸጋሚ ኩነታት ዝመጹ መራሕቲ ጠንካራ ውሳነ ክውስኑ ኣለዎም። ቀሊል እንተዝኾን ማንም ሰብ ምገበሮ ነይሩ። ኣብ ጽሑፈይ ከምዝገለጽኩዎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንድሕር ዘይከኣለ ይውረድ፤ እቲ ስልጣን ኣምሓራይ ወይ ኦሮሞ ዘይኮነ ሰብ ይሓዞ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ጸገም፡ ኣብ ሞንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ንሕንሕን፡ ኩለ መዳያዊ ምቅርማትን እዩ።

ናብ ስግግር ዘምጸአና መራሒ የድልየና እዩ። ካልኣይ ዘለና መማረጺ ድማ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ይጽናሕ እንተድኣተባሂሉ፤ እቲ ሕገመንግስቲ ፈሪሱ፥ ፓርላማ ተበቲኑን፡ ንሱ ብኣዋጅ መሰጋገሪ ምዃኑ ተገሊጹን ናይታ ሃገር ኣጀንዳ ሒዙ ክኸድ ኣለዎ። እቲ ጸገም ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢህወዴግን ኦዴፓን ኣቦ መንበር እዩ። ክልቲኡ ሒዝካ ክኸውን ኣይኽእልን። ሓዲኡ ክመርጽ ኣለዎ። ወይ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኦሮሞ መራሒ ክኾን ኣለዎ።

ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ከኽብር እየ እናበለ፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ረብሓ ከኽብር እየ ክብል ኣይኽእልን። ኣብ ካልኦት ሃገራት እኮ፡ ሃገር ሙሉእ ዝውክል ፓርቲ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስቴር ካብ ዓሌታዊ ፖለቲካ ወጺኡን ሃገራዊ ኣጀንዳ ሒዙን ክመርሕን ከሰጋግርን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ግን እቲ ሕገመንግስቲ ክፈርስ ኣለዎ።

ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ፓርቲታት ናይ ሲቪክ ማሕበራት ኮይኖም፡ ናይ ህዝቦም መሰል ዘኽብርሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውድባት ክኾኑ የብሎምን ዝብል ሕጊ ክወጽእ ኣለዎ።

 ቀዳማይ ሚኒስተር ንኹሉ ኢትዮጵያዊ እ ዘገልግል  ኢልካ ኣይትኣምንን?

ሻለቃ ዳዊት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ መራሒ እዩ። ስለዚ ፓርቶም ዝደልዮ ነገር ክገብር ኣለዎ። ብኻሊእ ገጽ ድማ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣጀንዳ ክሕዝ ኣለዎ። እዚ ድማ ይጻባእ እዩ። እዞም ሕዚ ዝፍጠሩ ዘለዉ ጸገማት፡ ብምኽንያት ምልታም እዞም ክልተ ሓላፍነታት ዝመጹ እዮም።

ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ ውሳነ ንምውሳን ብዙሕ ስራሕን ምዝርራብን ይሓትት። ናይ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሒዝካ በቢኸባቢኡ ምዝራብን ሰባት ምእማንን የድሊ። መጀመርያ እኮ ኢትዮጵያዊ ኣጀንዳ ሒዞም ብምምጸኦም እዩ ህዝቢ ትሕቲ ፈጣሪ ገይሩ ዝተቐበሎም። ሕዚ ግና ናይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ኦሮሞን ኦዴፓን ሕቶ እዮም ሒዞም መጺኦም ዘለዉ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events