Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ኣማኻሪ ፕረሲደንት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 10 April 2019

ኣማኻሪ ፕረሲደንት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ።

ረቡዕ 10 ሚያዝያ 2019 




ኣማኻሪ ፕረሲደንት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ፡ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን ኣብ ህልዉ ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኮረ ሰሚናር ኣካይዱ።


ኣቶ የማነ፡ ንገዛእቲን ዘራያቶምን ስዒሩ ኣብ 1991 ናጽነቱ ዝተጎናጸፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ካብ 1998፡ ንልኡላዉነቱ ዒላማ ዝገበረ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራራት፡ ቁጠባዊ ሽርሕታት፡ ከምኡ’ዉን መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ከምዝፈልሱ ንምግባር ዝዓለማ ከቢድ ዉዲታት ከምዘጋጠሞ፡ እንተኾነ ግን ብሓያል ናይ መኸተን ምጽማምን ባህሉ፡ ንኹሉ ብንቕሓት መኪቱ ኣላሽ ብምባል ኣብ 2018 ብዓወት ከምዝወጸ ገሊጹ።

ሕጂ’ዉን፡ ጸላእትና ዋላኳ ተሳዒሮምን ተዳኺሞምን እንተኾኑ፡ ድኹም ዉዲታትን ተጻብኦታትን ከምዘየቋርጽ፡ ነዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ መድረኽ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝራግ ዝግበር ሽርሕታት ዝምስክሮ ሓቂ ምዃኑ ዝጥቐሰ ኣቶ የማነ፡ “ከይተገራህናን ኣብ ናይ ዜና ምትህልላኽን ትርኽን ከይተጸመድናን፡ ከምቲ ልሙድ ሓድነትና ኣትሪርና ብዉሕሉል ዓቕልን ኣገባብ ክንብድሆን ክንስዕሮን ምዃንና ምንም ዘጠራጥር የለን” ክብል ኣብሪሁ።

ኣቶ የማነ ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ዝምድናታትን ምትሕብባርን፡ ምዉሓስ ዞባዊ ጸጥታን ምምልላእን፡ ነቲ ብኮምሽን ዶብ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምትግባር ዝዓለመ ምዃኑ ብምብራህ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ-ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ብዘስፍን ኣገባብ ብዕቱብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሃገር ብዘይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሓያል ክትከዉንን ሉኣላዉነታ ከተዉሕስን ስለዘይትኽእል፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሰንኪ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ተዳኺሙ ዝነበረ ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምሕያልን ኣፍራይነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንምዕባይን፡ ቀዳምነት ሰሪዑ-ኣብ ትሕተ ቅርጽን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣበጊሱ ከምዘሎ’ዉን ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ሕቶታት መሊሱ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events