Dehai News

ሓተታ፥ ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን ስላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 26 March 2019

ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ 

ሓዳስ ኤርትራ   24 መጋቢት 2019

ቀይሕ ባሕሪ፡ ንርሑቕ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ምስ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘራኽብ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊን ኣገዳሲን ማያዊ መስመር ዓለምና እዩ። በዚ መስመር’ዚ ዕለታዊ ዝመሓላለፋ ብዝሒ መራኽብን፡ ዓይነትን ዋጋን ናይቲ ጽዕነታትን ድማ ሓደ ካብ መርኣያታት ደርማስነቱ እዩ። 

ቀይሕ ባሕሪ ከም መተሓላላፊ መስመር ጥራይ ዘይኮነ፣ ነዚ ባሕሪ’ዚ ሓቚፉ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዘሎ ሃብቲ ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ባህርያዊ ጸጋታትን፡ ንስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ ዜዕዝዝ ካልእ ተወሳኺ ረቛሒ እዩ። በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከል ዞባዊን ዓለማዊን፡ ናይ ዕብለላን ምግባትን፡ ጥሙሓትን ኣጀንዳታትን፡ ንሱ ዘኸትሎ ቊርቊስን ኮይኑ ምጽንሑ ድማ፡ ካልእ ጂኦ-ፖለቲካዊ ማዕዶ (dimension) ዝህቦ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራን ቀይሕ ባሕሪን - ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ

ቅድሚ መግዛእቲ (19-ዘመን)፡ ኤርትራን ገማግማን፡ ኣካል ናይ ዝገፍሐ መንጠርያ-ቁራዕ (melting pot) ስልጣነታት ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኤርትራ “ቀይሕ” ማለት ምስ ምዃኑ፡ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ነቲ ባብ “ኢጣልያዊ እምብራጦርያ ምብራቕ ኣፍሪቃ” ክኸውን ዝሓረዮ መሬት “ኤርትራ” ኢሉ ምስማዩ ሃንደበት ኣይነበረን። 

ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ግሎባዊ ናይ ዕብለላን ጽልዋን ስትራተጂያዊ ረብሓታቱ ኣብ ዝሓረየሉ፡ እስራኤል፡ ኢራን፡ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ዓምዲታቱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መዲቡ፡ ቀይሕ ባሕሪን ኪንዮኡን ብውክልና ስርዓት ኢትዮጵያ ኪቈጻጸር ስለዝመረጸ፡ “ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓታትና ኣይተገልግልን’ያ” ብዝብል ውሳነ መሰል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ግሂሱ፡ ናይ ፍርቂ ዘመን ኲናትን ቅልውላውን ከምዘስዓበ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ቅማረ’ዚ ወይ ምዕሪት (equation) ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሚዛን ዕዙዝ እዩ ነይሩ። ብሶቭየት ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ኪዳን እውን፡ ኣብቲ ናይ ጽልዋን ዕብለላን ውጥን-ጸወታ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተቘራቘስሉ ታሪኽ፣ ካልኣይ ገጽ ናይ ሓደ ዝምቡዕ ሞጎት እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይ 50 ዓመታት ተጻብኦ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ተላዒሉ ዘይፈልጥ ናይ ሓንሽ ፈጠራ “ግጭት ባሕራዊ ዶብ”፣ ኤርትራን የመንን ዶበን ብዘይምፍላጠን ዝተኸስተ ምስሕሓብ ኣይነበረን። ንሓንሽ ናብ ልኡላዊ እጀታ የመን ኣስጊርካ፣ ኤርትራ ኣብ ግዝኣታዊ ማያት የመን ዓሳ ክትገፍፍ ዘፍቅድ ብይን ምሃብ ከኣ፡ ዘይዓርፍ ምስሕሓብን ህውከትን ንምዝራእ ዝተሃንደሰ ካልእ “ሕጋዊ” ፍሕሶ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ “ሓንሽ” ዝሰዓበ ተመሳሳሊ ናይ “ባድመ” ጉዳይ እውን፡ ካብቲ ዝበለየ ውጥን-ጸወታ ዝረሓቐ ኣይነበረን። ኪኖ ምሕሳም ፍርዳዊ ውሳነን ርግጸት ልዕልና ሕጊን፡ ንህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዕረፍቲ ንምኽላእ፡ ናይ ጅቡቲ “ግጭት ዶብ” ምብጋስን ናብ ባሕራዊ ግጭት ምሕዋሉን እውን ሓድሽ ምህዞ ኣይነበረን። በዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጭብጢታትን ካልእን፡ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪን እዚ ዞባን ብዙሕ ስለዝተማህረሉ፡ ሓድሽ መለበሚ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ 

ብመንጽር ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕሉፍ ተሞኩሮ እምበኣር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተቐልቂሉ ንዘሎ ተስፋ ርግኣትን ምትሕብባርን ንምብርዓን ዝህቀን ዘሎ ጸወታታት ሓድሽን ዘገርምን ክኸውን ኣይክእልን። ምስቲ ዘሎ ብዙሕ ሓድሽ ክስተታት፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝናፈስ ዜናታትን ዝቐርብ ነናቱ ዛዕባታት ዝተሓንገጠ ትንታነታትን መጠኑ ወሲኹ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝጸንሐ መርገጺን ርእይቶን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ደጊምካ ምንጻር ኣገዳሲ ይኸውን። ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

1) ተማእዛዝነት ንልዕልና ሕጊን ኣህጉራዊ ሕጊን፡ ብዘይ-ኩነት፣ 

2) ልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራቶምን ብዝዀነ ምስምስ ዘይምጉሳይ፣ 

3) ስግኣታት “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ምልላይን ብወድዓውነት ምክትታልን (ድርኺት ምትእትታው፡ ኣጀንዳ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ናይ “ስውርን” ቅሉዕን ንጥፈታት ብዘላቕነት ምምስራሕ፣) 

4) ምትእትታው ዓለማውያን ሓይልታት፡ ሕንከራ ዞባውያን ጎብለላት፡ ሽበራን ቅርሰናን ንምግታእን ምእላይን፣ ኣፍለስቲ ሰባት፡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣጽዋር፡ ነጋዶ ሓሽሽን በከልቲ ከባቢን ብብቕዓት ንምቁጽጻር፣ ናይ ጸጥታን ምክልኻልን ዕማማት ምጥንኻርን ምውህሃድን፣ 

5) ብመሰረት ወድዓዊ ምክትታልን ሓበሬታን፡ መርሓ ጎደና ስትራተጂን ውጥንን ምሓዝ፣ ነቲ ስትራተጂያዊ ውጥን፡ ምስ ጎዶቦኣዊ ፖሊሲታት ተመላላእነት ምሃቡ፣ 

6) ኣውራ እተን ኣብ ተኣፋፊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት፡ ናይ ባዕለን ልኡላዊ ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ብሓፈሻ፡ ዘይንዓቕ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ ብፍሉይነት ኪህልወን፡ ከም ግድነት ኪውሰድ። ሶማልያ ካብ ናይ 30 ዓመታት ጃላነትን ቅልውላውን ወጺኣ፡ ናታ ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ክትሃንጽ፣ ካብኡ ወጻኢ ዝዀነ መተካእታ (substitute) ኪውገድን ከይሕሰብን፣ ናይ የመን ተመሳሳሊ። ጅቡቲ፡ ካብ ምስሳይ ሓይልታት ወጻኢ ተገላጊላ፡ ናታ ሃገራዊ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን፣ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ናታ ብቑዕ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን፣ ስዑድያ ድማ ብዘለዋ ብልጫታት ኣብቲ ምሕቡር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክትገብር፣ 

7) ኩለን እዘን ዝተጠቕሳ ብናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳን ናይ ሓባር መካኒዝም ዝፈጥር ሕጋዊ ባይታ ኣዋዲደን ኣብ ፈጽሚ (commitment) ክኣትዋን፣ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ ድምር ጸዓት (synergy) ዝፈጥረሉ ኣወሃሃዲ “እዚን ቁጽጽርን” ክምስርታ (ኣብ መንጎአን ሓበሬታ ምልቕቓሕ፡ ሓባራዊ ልምምዳት ወዘተ. ክህሉ) 

8) ልዕሊ ዓቕመን ኣብ ዝዀነ ወይ ካልኦት ናይ ደገ ሓይልታት ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም ከኣ ኩለን ብዝተሰማምዓሉ መሰረት፡ ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ፣ 

ርግጽ’ዩ ናብዚ ደረጃ ብቕዓትን ምትሕብባርን ንምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ግዜ የድሊ ጥራይ ዘይኮነ ዕቱብን ዘይሕለልን ጻዕሪ ይሓትት። ኤርትራ ከኣ፡ ብታህዋኽ ወይ ብምድፍፋእ፡ ካብዚ መሰረታዊ መትከላትን ኣሰራርሓን ወጻኢ፡ ኣብ ዝዀነ ቀንጠብጠብ ክትኣቱ ሕርያ የብላን። ካብ መጣቘሲ መኣዲታት ምሕያብ፡ ክስርሓሉ ዝጸንሐን ዝግባእን ናይ ታሪኽ ሕርያኣ እዩ። 



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events