Dehai News

ዓወት መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 27 February 2019

Kudus on the podium celebrates 

ዓወት መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019!


🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷️ ብጫ ማልያ መርሃዊ ቅዱስ 
🇪🇷ዝበልጸ ሓዃሪ ዓቀብ መርሃዊ ቅዱስ
🇪🇷 ዝበለጸ ኣፍሪቅዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 
🇪🇷 ዝበለጸት ጋንታ ንመርሃውን ካል ኦት 3ተን ዝኽተተት ኣስታና!!!
መርሃዊ ኣይገደፈሎምን ብራቮ!!

----------

🇪🇷መርሃዊ ቅዱስ 2ይ ናይ መድረኽ ዓወት ሓፊሱ!!

🇪🇷ብጫ ማልያ መርሃዊ ቅዱስ !🇪🇷ቀጠልያ ማልያ መርሃዊ ቅዱስ!🇪🇷 ማልያ ንጉስ ዓቐብ መርሃዊ 

🔍ሕጂ ኣብ ዝተዛዘመ 213ኪሜ ርሕቐት ዝሸፈነ 3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ ብዓብላልነት ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተቐዳደምቲ ጸብለል ኢሉ ዕዉት ዛ ናይ ሎሚ ንግስቲ መድረኽ ኮይኑ ።

መርሃዊ ውድድር ክዛዘም 66ኪሜ ኣብ ዝተረፈሉ ኣብ ምጅማር ቲ ተረርቲ ዓቐብ ምስ ካሎት 5 ተቐዳድደምቲ ናይ በይኖም ጉጅለ ፈጢሮም እዩ ንዝተረፉ ተቐዳደምቲ ዝበታተኖም።

ኣብ ዛ ግሩፕ ዝነበሩ ወዲ ጋንት ኡ ኮሎምብያዊ ረድሪጎ ካልእ ኮሎምብያዊ ናይ ክለብ ኢንተርፕሮ ሳይክሊንግ ፣ኢስቶንያዊ ረይን ናይ ክለብ ዳይረክት ኢነርጂ ፣ስዊዘርላንዳዊ ማቶ ናይ ክለብ እስራኤል ኣካዳሚ ፣ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን እዮም ። 

በዚ ኣካይዳ ዘይዓገበ መርሃዊ ቅዱስ ምዛ ግሩፕ ልዕሊ 10 ኪሜ ክጎዓዝ ኣይመረጸን መሊሱ ብሓያል ስካቶ ተዓዝረ። 

ድሕሪ ዚ ናይ ዓቐብ ጥምጥም 2ተ ኮሎምብያውያን ኢስቶንያውን ስዊዘርላንዳውን ስዒቦም ኣርኪቦም። 

ቀጺሉ ውን ካልእ መጥቃዕቲ ፈነወሎም ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ። ውድድር ክዛዘም 10 ኪሜ ኣብ ዝተረፈሉ ናይ ክለብ ኢስራኤል ኣካዳሚ ስዊዘርላንዳዊ ጥራሕ ኣርከቦ ። ኣብ ሮታ መርሃዊ ቅዱስ ኮይኑ ድማ ንዝተረፉ ዓቀብ ተተሓሓዞ። ድሕሪ ኡ ድማ ኢስቶንያዊ ሰዓበ።

፨እዚ ኣካይዳ ዚ ንመርሃዊ ዘየርብሕ ብዘይምንባሩ መርሃዊ ሕጂ ውን ካልእ ክርዎ ዘጸግም መጥቃዕቲ ፈነወ ። 

እዛ መጥቃዕቲ ተዳግም ስለ ዘይነበረት መርሃዊ ብዝይተቓጻጺ 15 ሰከንድ ከሲቡ ኣብ መዛዘሚ መስመር በጺሑ ንዓወት በቒዑ !!ብራቮ መራ!!

1️⃣ 🇪🇷 መርሃዊ ቅዱስ
2️⃣ 🇪🇪 ረይን ታራመ 
3️⃣ 🇨🇭 ማቶው ባድላቲ
4️⃣ 🇨🇴 ኣጉይረ ርቻርድ
5️⃣ 🇨🇴 ሪቻርዶ ኮንትረራስ፠፠፠
🇪🇷 ሄኖክ ሙሉብርሃን 6ይ ደረጃ 9:27 ድሒሩ
🇪🇷-ሲራክ ተስፎም መበል 11 ደረጃ 9:52 
🇪🇷 ያቆብ ደበሳይ መበል25 ደረጃ ---------13:53
🇪🇷 መኽሰብ ደበሳይ መበል34 ደረጃ 20:23
🇪🇷 ቢንያም ግርማይ መበል 55 ደረጃ 27 ደቂቅ ድሒሩ

፠ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽንኩር ውድድር ብዘይካ ዞም 4ተ ተቐዳደምቲ ዝተረፉ ካብ መርሃዊ ቅዱስ ልዕሊ 9 ደቂቅ ከሲሮም ስለ ዝ ኣተዉ ተወዳዳርነቶም ኣብ ብጫ ማልያ ዝማህመነ እዩ !! እቲ ቅልስ ዓወት ዙር ርዋንዳ 2019 ኣብ መንጎ ዞም 4ተ ተቐዳደምቲ ምኻኑ ናይ ሎሚ መድረኽ ፈሪዳቶ ኣላ ። 5ይቲ መድረኽ ከባድ መድረኽ ብምኻና ንክለብ ኣስታና ን መርሃውን ጥንቃቐ ከተድልዮም እያ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ብጫ ማልያ መርሃዊ ቅዱስ ን3ተ መድረኻት ብ11:05:04 ዛዚሙ ንዙር ርዋንዳ ይመርሖ ኣሎ።

2ይ- ኢስቶንያዊ ረይን ታምረ ናይ ክለብ ዳይረክት ኢነርጂ 27 ሰከንድ ድሒሩ።
3ይ- ስዊዘርላንዳዊ ማተው ባድላቲ 45 ሰከንድ
4ይ-ኮሎምብያዊ ሀርማን 1 ደቂቕ ድሒሩ
5ይ- ኮሎምብያዊ ረድሪኮ ኣስታና 8 ደቂቕ 
--------------------------------------------
፨ማልያ ንጉስ ዓቐብ
1ይ መርሃዊ ቁዱስ -- 25 ነጥቢ 
2ይ ማተው ባድላይቲ 15 ነጥቢ 
3ይ ኮንትረራስ 10 ነጥቢ
-----------------------------------
፠ማልያ ብሉጽ መንእሰይ
1ይ-ፈረንሳዊ ጀረምይ ብ 11:14:40
2ይ ሄኖክ ሙሉብርሃን 5 ሰከንድ ድሒሩ
3ይ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ 18 ሰከንድ ድሒሩ።

-----------------------------
ጋንታታት 
1ይቲ ክለብ ኣስታና
2ይቲ-ኢንተርፕሮ ሳይክሊንግ ጃፓን 
3ይቲ-እስራኤል ኣካዳሚ
4ይቲ- ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

5ይቲ- ኤክሰል ኢነርጂ ርዋንዳ






EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events