Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ) ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቁዱስ ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019 ኮይኑ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 26 February 2019

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቁዱስ ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019 ኮይኑ

ለካቲት 25, 2019  ዊንታ ኪዳነ


ዋሽንግተን — 

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቁዱስ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ 2019 ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ኮይኑ።

መርሃዊ ነቲ 120.5 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብ ዞባ ሁየ ርዋንዳ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ብ 3:02:17 ግዜ እዩ ፈጺምዎ። ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ካስፐርክዊክስ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ዝተሰርዐ ውድድር ምፍጻሞም መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ጠቒሱ።

ዙር ርዋንዳ 2019 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እትርከበን ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳ: ፈረንሳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ኣልጀርያን ኬንያን ካልኦት ስሙያት ክለባት ከም ኣስታናን ዳይመንሽን ዳታን ዝሳተፍኦ ዘለዋ ውድድር ክኸውን እንከሎ: ትማሊ ሰንበት እዩ ፈሊሙ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት የካቲት 24 ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ’ቲ ውድድር ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ኢጣልያዊ ኣለሳንድሮ ፊደሊ እዩ ተዓዊቱ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ያቆብ ደበሳይ ድማ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ካስፐርክዊክስ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም መዛዘሚ መስመር ረጊጾም።

ኣብ ክልቲኡ መድረኻት ብዝተዋህለለ ነጥቢ መርሃዊ ቅዱስ ብሓፈሻዊ ነጥቢ ኣብ መሪሕነት ይርከብ። ካስፐርክዊክስ ከምኡ’ውን ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ተሰሪዖም ይርከቡ። በዚ ድማ ጽባሕ ካብ ዞባ ሁየ ናብ ሩባቮ ኣብ ዝካየድ ናይ 213.1 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን ሳልሳይ መድረኽ መርሃዊ ቅዱስ ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ለቢሱ ክወዳደር እዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events