Dehai News

ህዝባዊ ግንባር ህዝባዊ ዕላማ እዩ

Posted by: Germay Berhane

Date: Sunday, 17 February 2019

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ተወፋይነትን ጽንዓትን ንሃገራዊ ክብሪ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ህዝቢ ጸኒዑ ከይጋደል፡ ታሪኹን ክብሩን ከይዕቅብ ሽርሕታት ካብ ምፍጣር ካብ ቀደም ክሳብ ሕጂ የዕሪፎም ኣይፈልጡን እዮም። እንተኾነ ጸላእቲ ዕላምኦም በይኖም ከተግብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ነዚ ንምትግባር ድማ ሃሱሳትን መሳርሕትን ደቂ ሃገር ብምውፋር ዕላምኦም ንምዕዋት ዝጥቀምሉ ሉሙድ ተርእዮ እዩ። 
ወዲ ሃገር ስለምንታይ መሳርሒ ጸላኢ ይኸውን?
ቀዳማይ መብዝሕትኦም ሃሱሳት ሱሱዓትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብሉ እዮም። ካልኣይ ድኻምን ናይ ተሰዓርነት መንፈስን ተስፋ ሙቕራጽን መንፈስ ናብ ክድዓትን ሃሱስነትን ይደፍኣካ። ሳልሳይ ፍትወት ስልጣንን ሓላፍነትን ነዚ ምስ ዘይረኽቡ ዝኾነ ቀቢጻዊ ስጉምትታት ክወስዱ ይደፋፍኦም። ነዚ ንምትግባር ከም ምንጪ ኣታዊ ይጥቀምሉ፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ካልእ ዱሑር ዝምባሌታት ብምጥቃም ዘይተገብረ ተጌሩ ብምባል ናይ ሓሶት ወረ ዝነዝሑን  ዘየሎ ታሪኽ ብምጥምዛዝ ኣእምሮ ሰብ ክሰርቁ ዝፍትኑ እዮም።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ተርእዮታት ክሳብ ሕጂ ዝቅጽል ዘሎ እዩ። ዋላ'ኻ ዉሑዳት ኣብ ከምዚ ኣዕናዊ ምንቅስቃስ ዝሳተፉ እንተኾኑ፡ ዕላማ ንነጻነትን ሓርነትን ህንጻ ሃገርን ምውሓስ ሉዕላውነትን ክሳብ ሕጂ ሕላገት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ብጽንዓት ህዝቢ ይምክቶን ይዕወተሉን ኣሎ። 
ሓደ ዕላማ ወይ መኸተ ህዝቢ ንክዕወት ሓፋሽ ህዝቢ ወሳኒ እኻ እንተኾነ፡ ብዘይ ሓያል ውዳቤን ጹኑዕን መስተውዓሊን ኣርሒቑ ዝጥምት መሪሕነትን ግን ኣብ ዓወት ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ሰውራ ኤርትራ ድማ ሳላ ሓያል መሪሕ ውድብን ሓያል መሪሕነትን ዝረኸበ ካብ'ቲ ናይ ሱሳታት ሕንፍሽፍሽ ወጺኡ ጉዕዞ ነጻነት ዛዚሙ ናብ ጉዕዞ ሓርነትን ህንጻ ሃገርን ይጋዓዝ ኣሎ።
ብሓፈሻኡ ጉዕዞ ነጻነትን ምህናጽ ሃገርን ሓርነትን ወይ ድማ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ደ.ፍን ፈላሊኻ ንምርኣይ ዝግበር ፈተነ ንኤርትራ መኻን ናይ ታሪኽ ንምግባር ናይ ሃሱሳትን ቀቢጸ ተስፋ ኣተሓስባ እዩ። ኣብ ታሪኽ ተቃሊሱን ተሰዊኡን ዝተዓወተ ውድብ እምበር ሞይቱን ተቀቢሩን ንጸላእቱ ዝስዕር ውድብ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኤ ዘሎ ለውጥን ኣብ ልዕሊ ወያነ ዝርኤ ዘሎ ስዕረት ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ፍረጻዕሪ ህ.ግ.ደ.ፍን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኻኑ ብሩህ ምስክር እዩ። 
ህዝባዉ ግንባር ድማ ህያውን ነባርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዋንነት እምበር ናይ ዝኸዱን ዝሓለፉን ዝመጹን ዉሑዳት ሰባት መግለጺ ኣይኮነን።

ግርማይ የማነ

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events