Dehai News

(HdriMedia) ሒደት ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’

Posted by: Hdri Media

Date: Tuesday, 12 February 2019


source: https://wp.me/pa2mXx-3N

ሒደት ብዛዕባ ‘ህያው ደብሪ’

እኩብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ 12 ምዕራፋት ዝተጠርነፈ 158 ግጥሚታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ሰፊሕን ዓሚቝን ብቕርጹ ድማ ልሉይን ጽባቐኣውን እዩ። ኣብቶም ግጥሚታት ብጻዕቂ ዝተኸሸኑ ቛንቋኣዊ ባእታታትን ዝዓቘሮም ባህለታትን ትርጓመታትን ከምኡ’ውን፡ ጋሻ ዝዀኑ ደፋእቲ ደረት ቅርጽኣዊ ባእታታትን ተደማሚሮም፡ ብተበግሶኡ ፍርቂ መገዲ ንዘይቀረቦ ነባቢ ኽሳዕ ክንደይ ክብድህዎ ኸም ዝኽእሉ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ንባብ ከም ዝዀነ ሞያ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ጻዕርን ድስፕሊንን ስለ ዝሓትት ግን ወናም ነባቢ ኣብዚ ዓለም ግጥሚታት ምስ ኣተወ በብወኑን ኣተናኡን ሓያለ ምስምቓራት ክረክብ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ካብ ባህሪ ስነግጥሚ ዝነቅል፡ ኣብ ሕትመት መጽሓፍቲ ግጥሚ ክንድዚ ቍጽሪን ጻዕቂን ዘሎዎ ስራሓት ብሓንሳብ ክሕተም ብዙሕ ልሙድ ኣይኰነን። ስለዝዀነ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ብዙሓት መጽሓፍቲ ክኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ከምቲ ኣብ ቃል-ኣሕታሚ ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ደራሲ ‘ህያው ደብሪ’ ተቐናያይ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ኣብቲ ነዊሕ ስደቱ ብሒቱ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ከም ባሕታዊ ንስምዒታት ኣብ ሰብሪ ግጥሚታቱ ብምጽራሕ፡ ኣፍ ኣውጺኡ ኸም ዝዛረብ፡ ከም ዘፍቅር፡ ከም ዝደፋነቕ፡ ከም ዘዝይም ክገብሮ ኸሎ፣ ማዕረ-ማዕረኡ ንግጥሚታቱ ካብ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ህይወት፡ ታሪኽን ባህልን ብዝነቅል ሓሳባት’ውን ዘዊሕዎ’ዩ።” ስለዝዀነ፡ እቶም ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ዘሎዉ ግጥሚታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ናጽነት እኳ እንተ ኣሎዎም፡ ኣብ ሓደ ኵነተ- ህላወ ዝወሳወሱ ብምዃኖም ግን ኣብ በበይኑ መጽሓፍቲ ክቐርቡ ንትርግታኡ ምብትታኽ እዩ።

ግጥሚታት ኣብ ህዋ ኣይህነጹን፣ መበቈላውያን ዝገብሮምን መንነቶም ዝገልጽሉን መካን ይርከቦም። ምከና ናይ’ዞም ግጥሚታት ከኣ ዝከናወንሉ ልሉይ ቦታታትን እዋናትን ኣሎዎ። ገጣማይ፡ ነቶም ኣብ ብዙሕ ግጥሚታቱ ዝደጋግሞም፡ ቅድመ-ኤርትራዊን ኤርትራዊን ወይ ድማ ቅድመ-ዘመነይቲ፡ ሓውሰ-ዘመነይቲ፡ ዘመነይቲ፡ ድሕረ-ዘመነይቲ ወዘተ. ዝብሎም ስያመታትን ኣምራትን ባይታ ናይ ግጥሚታቱ እዮም። ብግዜ፡ ብባይታን ስልጣኔኣዊ ወግዒን እናተመልከተ ከኣ መዋእላት ናይ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዓሚሙዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ውን፡ እዚ ግጥሚታት’ዚ፡ ዝነጻጸል ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ

ባህሊ ናይ ጽሑፋዊ ዕዮ፡ “Trilogy” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ብተኸታታሊ በበይኑ ኽወጽእ ዝጸንሐ ምርኡይ ስራሓት መወዳእታኡ ብሓንሳብ ጠርኒፍካ እተሕትሞ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ብመወዳእታኡ ዝጀመረ ትርዮሎጅያ እዩ። ተስፋማርያም ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ብህይወት ምሳና እኳ እንተ ዘይኣምሰየ፡ ከምቲ ንደራሲ በየነ ሃይለ ድሕሪ ‘ድኳን ትበርህ’ን ‘ትጽቢት ባህጉን’ ሳልሰይቲ ምስአን እትለግብ ሳልሰይቲ መጽሓፍ ከስዕበልና እናተጸበና ዝተዀልፈና፡ ዘይምዃኑ ግን ዕድል ንኤርትራዊ ስነጽሑፍ እዩ። ምስተን ዘሎዋና ሒደት ትሪዮሎጂያታት (ንኣብነት፡ ሰለስተ መጽሓፍቲ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ሓንትን ዕንትርትን ትሪዮሎጂ መጽሓፍ ቅንየት ትጽንበረን ምህላዋ ኸኣ ክንጽንብሎ ዝግባእ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ንስነትን ቀጽሪ ኣምራትን ዝፈጥር ትሪዮሎጅያ ሳሕቲ ዝርከብ ብምዃኑ።

ገጣማይ፡ ነቲ ብዝሕን ዓይነትን ግጥሚታቱ ዝውድኖ ቅርጺ ንምትሓዝ 12 ምዕራፋት ኣቐሚጡ፡ ዝጥርንፎ ኣርእስታት’ውን ስለ ዝገበረሉ መቓን ግዜኡ፡ ባይታኡን ባህላዊ ሰንሰለታቱን ኣብ ኣእምሮኻ ንምስኣልን ምርዳኡን ይሕግዝ። ብመዳይ መልክዕን ቅርጽን ድማ፡ ድሕሪ ኣፋዊ ግጥሚታትና ክሳለ ካብ ዝጸንሐ ናይ ጽሑፍ ግጥሚታትና ልሉይ ለውጢ ኣተኣታትዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣሕታሚ፡ “ሓድሽ ምዕራፍ ከርሑ ዝኽእል ፈዋናይ መጽሓፍ እዩ ኽንብል ንደፍር፡” ኢሉ ንዘቐመጦ ሓሳብ መረዳእታኡ ንምግላጽ፡ ‘ቃል ኣሕታሚ’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ትሽዓተ ገጻት ኣቕሪቡ ኣሎ። ስነጽባቐኣዊ ብልጸትን ጥልቀት ቋንቋን ናይዚ እኩብ ግጥሚታት ከኣ ብሰለስተ መዳያት ብኸምዚ ይገልጽ፤

ቀዳማይ፣ ተቓናያይ ብቛንቋ ሽሕር ዝሰርሕ ኣስማተኛ እዩ ተባሂሉ ይግለጽ’ዩ። ተስፋማርያም ከኣ ብቕኔታቱ ንኣንበብቱ ዘዐንዝዝ ስራይ ይሰርሕ’ዩ። ሓድሽን መበቈላዊን ኣተኣላልማ ቛንቋ ፍሉይነት ግጥምታቱ’ዩ። በዚ ኸኣ ግሩም ግጥምታቱ ንኣንበብቱ ይምስጥን ናብ ሃሴት የእቱን።

ካልኣይ፣ ቋንቋ ቕኔ ሓባሪ፡ ገላጺ ዘይኰነ፡ ብቐንዱ ቕጀላዊ እዩ። ብጥበብ ቅጀላ ረቂቕ ዓለም ፈጢሩ፡ ኣንበብቲ ብዕምቈት ከም ዝስምዖም፡ ብዓይኒ- ሕልና ኸም ዝርእይዎን ዝህውስዎን፡ ብመንፈስ ከም ዝሳተፍዎን ዝምኰርዎን ንምግባር ይህቅን። ናይ ተስፋማርያም ልዕሊ ንቡር ናይ ቅጀላ ዓቕሚ ኣብ ግጥምታቱ ብዕዘት ተጋሂዱ’ሎ። ተስፋማርያም ኣብ ‘ህያው ደብሪ’፡ ኣንበብቲ ናብ በበይኑን ተጋራጫውን ሰብኣዊ ዅነት ኣእትዩ ብጥልቀት ከም ዝምኰርዎ ዝገብር ቅጀላዊ ዓለም ክፈጥር በቒዑ’ሎ ምባል፡ ንሓደ ተቓናያይ ክወሃቦ ዝኽእል ዘለዓለ ሞጐስ’ዩ።

ሳልሳይ፣ ሓደ መፍለዪ ናይ ማሕለፊያ ግጥሚ፡ ኣብ ኣንበብቲ ዝፈጥሮ ግራመ

እዩ። ብሉጽ ግጥሚ ናብ ናይ ቍልዕነት ግራመ ዝመልሰና፡ ንህይወትን ኣድማስ ብዓቢኡን ብሓድሽ ዓይኒ ንመጀመርታ ግዜ ከም እንርእዮ ብምግባር ዘስደምመናን ዘስተንክረናን፡ ብኣግርሞት ከም እንሓትት ዝገብረናን እዩ። ኣብ ግጥምታት ተስፋማርያም ኣፍ ዘኽፍት ኣግርሞት ሳሕቲ ዘጓንፍ ዘይምዃኑ ሓደ መርኣያ ልዑል ስነጽባቔኣዊ ደረጃኡ’ዩ።

ከም ድሕረ-ጽሑፍ ድማ፡ “ስነቕዳዊ ትንታነ ኣብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’” ዝብል ኣብ 102 ገጻት ብሄኖክ ተስፋብሩኽ ቀሪቡ ኣሎ። “ድፍንቕ ኣብ ቅንየታት ‘ህያው ደብሪ’” ከምኡ’ውን “ስነቕዳዊ ትንታነ” ኣብ ዝብሉ ኽልተ ኽፋላት ዝቐረበ ስነጽሑፋዊ ሓተታ’ዚ፡ ብውሕዱ ኽልተ ውጽኢታት ክህልዎ ትጽቢት ይገብር፤

ቀዳማይ፡ ገጣማይ ኣብ ልሳን ትግርኛን ስርዓቱን ምሒር ኣድህቦ ስለ ዝገብር፡ ዝተጠቕመሉ ግጥማዊ ቛንቋ እንታይ ከም ዝመስል ምትንታን ንንባብን ምስትምቓርን ክሕግዝ፣ ካልኣይ፡ ዝበዝሕ ክቐርብ ዝጸንሐ ስነጽሑፋዊ ህየሳታት ጦብላሕታዊ ብምዃኑ፡ ስነጽሑፍናን ህየሳኡን ናብ ቤት-ትምህርቲ ምእንቲ ኽኣቱ ብኣካዳምያዊ መዳይ ዝተገርሐ ክኸውን ስለ ዝግባእ፡ ሓደ እምነ-መኣዝን ንምንባር ዝሃቀነ ንያት እዩ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ ግጥሚታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዝታ ዝምርኰስ ምዃኑ ብኸምዚ ይድምድም፤

ግጥሚታት ‘ህያው ደብሪ’ ብዓብላሊ ድፍንቓውያን እዮም። ድፍንቕ ልሳን ትግርኛ (ፊደላቱ፡ ቃላቱ፡ ድምጺታቱ)፡ ድፍንቕ ወግዒታት (ምርቓታቱ፡ መርገማቱ. . .)፡ ድፍንቕ ኣፋዊ ያታታት (ውርሻታቱ፡ ኣውሎታቱ፡ መልቀሳቱ፡ ቅንየታቱ. . .)፡ ድፍንቕ ዝሓለፉ ተመኵሮታት (ሓርበኝነቱ፡ ገድሊታቱ. . .)፡ ድፍንቕ ሕብረተሰባዊ ትእምርቲታት (ዳዕሮኡ፡ ሳግላኡ፡ ሩባኡ፡ ባሕሩ፡ ዒላ ዓዱ፡. . .)፡ ድፍንቕ ሃይማኖታዊ እምነታት (ቅዳሴኡ፡ ኣዛኑ. . .)፡ ድፍንቕ ዝሓለፉ ነገደታት (ምስጢረ ኣደነቱ፡ ኣቦነቱ፡ ነገደኡ)፡ ድፍንቕ መጻኢ ወለዶታት (ትምኒታቱ፡ ባህጊታቱ. . .) ወዘተ። በዚ ድማ፡ ዕምረ-ምሉእ ኣስተንትኖ ህይወት ናይ ገጣማይኡ እዩ ንምባል የድፍር። ዝሽፍኖ ታሪኻዊ ግዜያትን ዘልዓሎም ፍሉያት ሕብረተሰባዊ ፍጻመታትን ሰፋሕቲ ብምዃኖም ድማ ብጥበባዊ መዳይ ዝተዓቀበ ሰነድ ወለዶታት እዩ ምባል ይከኣል።

እቲ ግጥሚታት እንታይ ቅዲ ዝሓዘ ምዃኑ ንምግላጽ ከኣ፡ ኣብ (1) ስርዓተ- ነጥቢ፣ (2) ንድቀ-ቓል፣ (3) ስነሓረጋት፣ (4) ስነባህለት፣ (5) ፎኖሎጅያ ኣብ ዝብሉ፡ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ብብዝሒ ኣብ ዝተዘውተሩ ባእታታት ብምትኳር ስነቕዳዊ ትንታነ ተኻይድሎም ኣሎ።

ካብቃል ኣሕታሚ

(. . .) ደራሲ ‘ህያው ደብሪ’ ተቐናያይ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ኣብቲ ነዊሕ ስደቱ ብሒቱ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ከም ባሕታዊ ንስምዒታት ኣብ ሰብሪ ብግጥምታቱ ብምጽራሕ፡ ኣፍ ኣውጺኡ ኸም ዝዛረብ፡ ከም ዘፍቅር፡ ከም ዝደፋነቕ፡ ከም ዘዝይም ክገብሮ ኸሎ፣ ማዕረ-ማዕረኡ ንግጥምታቱ ካብ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ህይወት፡ ታሪኽን ባህልን ብዝነቅል ሓሳባት’ውን ዘዊሕዎ’ዩ። ግጥምታቱ ምስ መሰረታዊን ዘይፍታሕን ግድላትን ሸኸምን ሰብኣዊ ህይወት፤ ፍቕሪ፡ ቅንዕና፡ ሓቂነት፡ ደግነት፡ ሞት፡ ስስዐ፡ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ጭካነ፡ ዓመጽ፡ ኲናት፡ ሰላም፡ ፈተ-ፊት ገጢሙ ብመገዱ ትርጉምን ዕላማን ዝእልሽን ዘልኣለማዊ ሰብኣዊ ሻቕሎታት ዝገልጽን ጥበባዊ ፈጠራ’ዩ። ካብ ናይ ዕለታዊ ናብራን ዋኒንን ንምሕሳብ ዕድል ዘይህብ ሃልከትከት ኣውጺኡ ኸኣ፡ ዋላ ንገለ ህሞት ብዛዕባ ሕሉፍናን መጻኢናን ብጥልቀት ክንሓስብን ኣነባብራና ኽንመዝንን ይድርኽ። እዚ ግጥሚታት’ዚ፡ በቲ ብርኩትን ቈርቋሪን ፍልስፍናዊ ኣስተንትኖኡ፡ ነቲ ብዘይ ሕቶ ከም ፍጹምን ውዱእን እንወስዶ እምነታትን ኣረኣእያታትን ልምድታትን ብምምርማርን ብምቅላዕን ካብ ሃሜናዊ ድቃስ ከም ብወቕዒ የበራብር። ካብ ፍልስፍናዊ ትንተና ብዝተፈልየ ጥበባዊ ፈጠራውነትን፡ ነቲ ብርትዓዊ ኣስተማኻንዮ ዘይብጻሕ ትርጉምን ዕላማን ሰባዊ ህይወትን ሕልፈትን፡ ንሕግታት ስነመጐት ብዝሰገረ ሓይሊ ቕጀላ ኽድህስሶን ናብ ናይ ሓቅነትን ጽባቔን ድንቅነትን ሚሳላዊ ዅነት ክበጽሕን ይመጣጠር። በዚ ኸኣ ካብ ክዉን ዓለም ኣውጺኡ፡ ብሜታፊሲካዊ ኣስተንትኖ ናይ ኪንዮ – ሰገራውነት (transcendence) ኵነት ንምትንካይ ይፍትን። ዘይተመርመረ ህይወት ክንበር ኣይበቅዕን’ዩ ኸም ዝበሃል፡ ብልዑል መትከላትን ክብርታትን ራእይን ዝምእዘን ሞራላዊ ህይወት ንምምራሕ ኣብ ዝግበር ቀጻሊ ጥምጥም ንዘጓንፍ ናይ ሞራላዊ ህይወትን ምርጫታትን ተጋራጫውነትን ስግንጥራትን ብጥልቀት ይምርምር። ብሓጺሩ፡ ‘ህያው ደብሪ’፡ ሓቅነትን ቍንጅናን ዘጣመረ፡ ብቐጻላታት ትርጉም ዝተደርደረ፡ ምስ ወከፍ ምግንጻል ቀጸላ ሓዲስ ትርጉም ዘኸስት፡ ዕምቈት ትርጉሙ ብቐሊሉ ዘይብጻሕ፡ ስለዚ ድማ ናብ ወለዶታት ክሰግር ዝኽእል ነባሪ ስራሕ ክኸውን ዝኽእል ወሓለ መጽሓፍ’ዩ።

ንመንነት፡ ሓርበኛነት፡ ፍቕሪ ህዝቢን ባህሊን ያታን መሬትን ዝገልጽ ሓሳባትን ስምዒታትን ኣዝዩ ዝደመቐ መዳይ ‘ህያው ደብሪ’ እዩ። ‘ህያው ደብሪ’

ኣብ ታሪኽን ባህልን ንዝተሰረተ መንነት ብመንጽር ብድሆታት ዘመናውነትን ዝጸሮ ናይ ባህላዊ ስራዝነት ሓደጋን ብዕምቈት ብዝፍትሽ፡ ዘጠንቅቕ፡ ዝግዝት፡ ዘኸሽሕ ግጥምታት ምእኩት’ዩ። ብዝጠረፈ መግለጺኡ ኸም ዓቃባውነት ክግለጽ ብዝኽእል ሮማንሲያዊ ንድሕሪት ጠማቲን ንዝሓለፈ ያታዊ መዋእል ከም ሚሳላዊ ብዘድንቕን ዝናፍቕን ኣጠማምታን ቃናን፡ ንያታታትናን ትውፊታትናን ናብ ምምላኽ ብዝገማገም ውዕውዕ መንፈስን ደረት ዘይብሉ ውቁብ ክላሲካዊ ቛንቋን፡ የድንቖ፡ የሞጕሶ፡ ዕቃቤኡን ህያውነቱን ይጠልብ። በቲ ኻልእ መዳይ ግን፡ ነቲ ዝሓለፈ መዋእልን ባህሉን ወግዕታቱን ዘሎዎ ልዑል ኣኽብሮትን ኣድናቆትን ከይሓደገ፡ ኣብኡ ዝተሰረተ ናይ ገስጋሲ ለውጥን ወደባት ዘመናውነትን ባህግን ዕላማን ብምንጽብራቕ ነቲ ዓቃባዊ ዝምባሌ ብንቕሓት ብምግራሕ፡ ኣብ መንጎ ዝሓለፈን መጻኢን ናይ ዘሎ ዝተጠናነገን ተጋራጫዊን መጐታዊ ምትእትታው ዓሚቝ ግንዛቤ የንጸባርቕ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ‘ህያው ደብሪ’ ኽልተ ዝተጠምረ ዝምባሌታት ክንፈሊ ንኽእል፤ ብሓደ ወገን፡ ኣብቲ ያታዊ ባህልን ሕብረተሰብን ንዘሎ ጐታቲ፡ ሓላኺ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ፡ ከም ኣባታውነትን ጽቕጠት ደቀንስትዮን ዝኣመሰለ ድሕሪት ኣትራፊ ባእታታት ብዘይ ንሕሰያ ዝነቅፍን ዝዅንንን፡ ያዕ ክበሃል ዝጽውዕን ናይ ምንጻግን ምውጋድን ዝምባሌ፣ በቲ ኻልእ ድማ፡ ነቲ ሃናጽን ኣሰጓምን ናይ ኮማዊ ሓልዮት፡ ርእሰ-ምሉእነት፡ ርእስኻ ዘይምድናን፡ ዘይተምበርካኽነት፡ ኒሕን ሓቦን፡ ማዕረ ኻልኦት ሕብረተሰባት ምዃንካ ምእማንን ናይ ምዃን ቈራጽ ሕልናን ክብርታት፡ ትውፊታት፡ ውርሻታት፡ ወግዕታት ብምሉእ ሓይሊ ዝጣበቕን ዝሕለቕን ናይ ምዕቃብን ምድንፋዕን ምምዕባልን ሃናጺን ኣፍራዪን ዝምባሌ። (. . .)

ገጣማይ ኣብ ንእስነቱ

እዛ ግጥሚ፡ ብ1 ታሕሳስ 1977 ኣብ መጽሔት “ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ” ቍጽሪ 29 ዝወጽአት እያ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልብን ኣእምሮን ገጣሚ ዓብያ ድማ “ህያው ደብሪ” ብዝብል፡ ኣርእስቲ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ኽትከውን ዝበቕዐት እያ።

(1945 – 1977)
መንቀሊ ናይዛ ግጥሚ ዝዀኑ ስውእ

ፈላሲ ኣባ ወልደሃይማኖት ኣውዓሎም።

ኤርትራዊ ህዋስ ናይ ጽባቔ

ብዚመጸቶ-ትምጻእ፡ በይናስ ትምጻእ፤ ብሰዓታ ዚዀነት-ኪትከውን፡ ትከናወን ደኣ’ምበር፤ ኣብ ላዓታ ዋላ ኣይግድን ኣብ ዚዀነሉ፤ እቲ ትሕዝቶ ናይ ገዓታ__ ከም ኣመልና፡ ንምጕሶ፥ ንምውሶ፥ ንጸዓታ!
ንጽባቔ ደኣ፡ እንተ ኣጽረረት፤ ንሕብሶም፤ ንንብዓታ። እንተ ኣኽረረት፡ ንቐምሶ፥ ንወርሶ፤ ንጽንዓታ። እንኪትጽብልል፡ ሓለፋ ሃልይዎ፤ ’ቲ ድምዓታ__ ተዐዝመና፥ ትጥርቅመና’ሞ፡ ነለልያ’ወ፤ ሳላ’ቲ ብቕዓታ!!

***
መዝሙር፣ ንቘልዑ ናይ ኤርትራ

ብጊሓቱ፡ ናብ ትምህርቲ ’ወፍር ንነብሰይ፡ ሽምዓ ዀይነ፤

ከመድሕና። ብ’ኡ-’ቢለ፡ ንዓደይ

ካብ ድሕሪት-ተረፍነት፤ ንኸድሕና።

እንክዓቢ’፡ ነዓይ-ነዓይ ኣብ ዝብለሉ’ኳ ብሒደቱ፡ ንእግረ-መንገደይ፤

ዝዓብሰላ! ብደወይ ከለኹ’ስ፡ ንዅሉ’ቲ ትህበኒ

ኣኻዕቢተ፤ እምለሰላ!!

ንህዝበይ ዘይኰነ፣ ንመን ኪኸውን፧ ትርከብ-ኣይትስኣን፤

ይርሓሰላ። ኣቦኡን-ኣዴኡን-ዘፋለጠ

ዘመናዊ ዓወት ኣንዳዕዲዑ፤

ይስፈለላ!!

ብዛዕባ ደራሲ

ተስፋማርያም ወልደማርያም ብለካቲት 1948 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ፡ ብሚያዝያ 2015 ኣብ መበል 67 ዓመቱ ኣብ ኣመሪካ ዝዓረፈ ኤርትራዊ ጸሓፋይ፡ ገጣማይን ሓሳባይን እዩ። ተስፋማርያም ኣብ ንእስነቱ ኣብ ቋንቋን ባህልን ሕሉፍ ተገዳስነትን ናይ ምፍላጥ ድሌትን ተበግሶን ነበሮ። ስሩዕ ትምህርቱ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓዲዃላ፡ ሔቦ፡ መንደፈራን ኣስመራን ኣብ ዝተኸታተለሉ ዓመታት ፍሉይ ናይ ትምህርትን ንባብን ተውህቦ ኸም ዝነበሮ ፈለጥቱ ይምስክሩ።

ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ
ዝነበረሉ፡ ኣብ 1972 ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (SAUA) ኣብ ምምስራት መሪሕ ተራ ድሕሪ ምብርካቱ፡ ቀዳማይ ፕረሲደንት ናይቲ ማሕበር ኰይኑ ኣገልገለ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ፡ ኣብ 1972-74 ምስ ተሓኤ ዝተኣሳሰረ ምስጢራዊ ማሕበር ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲን ኣስመራ ኣብ ምምስራት፡ ምስፋሕን ምምራሕን ዓቢዪ እጃም ኣበርከተ። ኣብ 1974 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብስነቝጠባ ድሕሪ ምምራቑ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ 1975 ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ኣብ ሰውራዊ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ተመርጸ። ኣብ ተሓኤ ካብ 1975-81 ሓላፊ ኽፍሊ ዜና ብምዃን ብዙሓት መጽሔታት ኣበገሰን ኣብ ምምዕባል ፖለቲካዊ ስነጽሑፍ ልሉይ ግደ ኣበርከተን።

ድሕሪ ምብትታን ተሓኤ ኣብ 1981፡ መጀመርታ ናብ ሱዳን፡ ቀጺሉ ኸኣ ናብ ኣመሪካ ተሰደደ። ኣብቲ ብሒቱ ዝነበረሉ ነዊሕ ስደቱ፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉን ድሕሪኡ ኣብ ሜዳን ኣብ ዝጀመሮ ስነጽሑፍ ቅንየት ብምትኳር – ዓንቀጻት ምጽሓፍ’ኳ እንተ ዘየቋረጸ – ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ተኣኪቡ ዘሎ 156 ግጥምታት ጸሓፈ። እዚ ድሕሪ ሕልፈቱ ዝሕተም ዘሎ ‘ህያው ደብሪ’ ኸኣ ብሉጽን ነባርን ሓድጊን ኣበርክቶኡን ንስነጽሑፍ ኤርትራ እዩ።




307724-Hiyaw-Debri-Booklet-Cover-Hidet.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events