Dehai News

(HdriMedia.com) ሒደጥ መላለዪ ነጥቢታት ንቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’

Posted by: hdrimedia

Date: Friday, 08 February 2019


Source: https://wp.me/pa2mXx-3u

Hiyaw Debri

ሒደጥ መላለዪ ነጥቢታት ንቕንየታት ‘ህያው ደብሪ’
መጽሓፍ፤ ህያው ደብሪ
ደራሲ፤ ተስፋማርያም ወልደማርያም ጅር ወይ ጃንዳ፤ ስነግጥሚ / ቅንየት ገጻት፤ 492
ኣሕታሚ፤ ኣሕተምቲ ሕድሪ

ሄኖክ ተስፋብሩኽ
ኣስመራ – ሆቴል እምባሶይራ 06 ለካቲት 2019

እዚ መጽሓፍ ስነግጥሚ’ዚ፡ ኣብ 360 ገጻት ዝዝርጋሕ፡ 158 ግጥሚታት ኣብ 12 ምዕራፋት ዝጠርነፈ ዀይኑ፡ ብስፍሓትን ዕምቈትን ትሕዝቶኡ፡ ከምኡ’ውን፡ ብቕዲኣዊ ፍሉይነቱን ስነጽባቐኣዊ ፈጠራኡን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ጽሑፋዊ ስነግጥሚ ትግርኛ እዩ። ሸለላ ስነግጥሚ ንምፍላጥ፡ ንትሕዝቶ ከምኡ’ውን መልክዕን ቅርጽን ምስ ሓድሕድ ተዛምዶኡ ምትንታን ዘድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ምዕራፋት እንታይ ከም ዝመስል ብሓፈሻዊ ኽገልጾ ኽፍትን እየ።

ትሕዝቶ

ነፍስወከፍ ግጥሚ ዝሓዞ ትሕዝቶታት ገሊጽካ ዝውዳእ ስለ ዘይኰነ፡ ገጣማይ ትሕዝቶኡ ንምውዳን 12 ምዕራፋት ኣቐሚጡ ኣሎ። እቶም ምዕራፋት፡ ነፍስወከፎም ካብ 11 ክሳብ 20 ዝበጽሕ ግጥሚታት ዝሓዙ ዀይኖም፡ ምኽንያት መከፋፈሊኦም ብዘይካ ምዕራፍ 12፡ ኵሎም ብመንጽር ትሕዝቶኦም እዩ። ኣብ ሓድሕድ ምዕራፋት እናወሓዙ ዘወሃህድዎም ድማ፡ ኣምራት ግዜ፡ ቦታን ስልጣኔኣዊ ሰንሰለታትን ናይ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እዮም። ከምቲ ገጣማይ ተስፋማርያም ኣብ ሓደ ጽሕፉ፡ “ባይታ ካብ መሰረት’ውን ይዓቢ፡” ዝበሎ፡ ንባይታ ሕብረተሰብ ዝገልጽ፡ ሰብኣዊ ጭውነት ዘሎዎ ዘቤታዊ ስልጣነና ወይ’ውን ስልጣኔኣዊ ውርሻታትና ገለ ካብ ግሉሓት ድምጺ ናይ ግጥሚታቱ እዮም። ኣብቲ፡ ቅድመ-ዘመናዊ፡ ዘመናዊ፡ ድሕረ-ዘመናዊ ወይ’ውን ቅድመ-ኤርትራዊ፡ ኤርትራዊ ሃገረ-ሓርነታዊ ወዘተ. ዝብሎ መቓን-ግዜ እናወደነ ድማ ኣምራቱ ይሃንጽ።

ኣብ ቅድመ-ዘመናዊ ወይ ቅድመ-ኤርትራዊ ዝብሎ መቓን-ግዜ ዝተጠርዩ፡ ሕብርተሰባዊ ‘ነብሰ-ኣኽብሮት’ን ዝሰዓቡ ‘ነብሰ-ከሓሲ መንፈሳዊ ቕንኢ’ን ምስ ብ“ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋልታን ኵኑ፡ ኣንታ ’ዛ ዓድና ኸይኣትዋ ጓና፡” ዝምራሕ ጅግንነታዊ ባህላዊ መኸተን ዝተነቓቕሑ ሓያሎ ግጥሚታት ይንበቡ። “ቃለ-ያታዊ ቕንየታት” ኣብ ዝበሎ ምዕራፍ ሓደ ዝርከቡ፡ “ወዮ መዅርዕ-ህዝቡ ሓርበኛዊ መስፍን”፡ “ቍሸትና”፡ “እናታዊት ኣደ-ዓባየይ” ወዘተ፣ “ንስለ ፍልየተ-ንጸራዊ፥ ክዕው-ፍስሳዊ፥ መቕረ-ላዛዊ ብቕዓታት ናይ ትግርኛዊ ቛንቋ፤ ብመዳያት ናይ ግጥማዊን ስዲ-ንባባዊን ቅንየት” ኣብ ዝሰመዮ ካልኣይ ምዕራፍ ከኣ፡ “ስልጣን ናይ ምረቓ”፡ “ዳዕሮና ሆይ”፡ “ኣይመውትን- በሃሊት፤ ዝነቐጸት ኣውሒ” ወዘተ. ዝብሉ፣ ኮታ ኣብ ኵሉ ምዕራፋት ዝርከቡ እዮም።

ኣብዚ “ስልጣኔኣዊ ውርሻ” ዝበሎ ኤርትራዊ ባይታ ኣተኵሩ ስምዒታቱን ሓሳባቱን ጥራይ ኣይኰነን ዝገልጽ፣ ንዝተጓነፎ ናይ ካልኦት “ነብሰ ኣሕሳሪ” ስምዒታትን ኣንደበታትን፣ ከቃጭጭን ክጻረፍን’ውን ይርአ። “ዘይንጸላለዉ መበቈል-ውርሻዊ ነብሰ-ዓቃቢነት” ኣብ ዘርእስታ ግጥሙ፡ ንሓደ ዘመደይ ዝበሎ ሰብ ብኸምዚ ዝስዕብ ክሰሃሎ ይርአ፤

ስምዓኒ’ስኪ፡ ጅንጅብል፤ ኣቡ-ዓሸራ

ስልጣን ገንዘብ ዲግሪ
ቪላ መርሰዲስ ጭርሖ ውድብ . . .

ከም’ዚታት ዲ’ዮም ዝመስሉኻ፡ ትእምርቲታት ናይ ሓበነይ፧ ካብ እንዳ ብራንና’ኮ እየ፤

እንዳ ኢደ-ጽሑፍ!

ካብ እንዳ ግእዝ ካብ እንዳ ሰዋስው፤

ካብ ስነ-ጽሑፍ! ኣቕሓ-’ለዮ፡ ነዚ ናትካ፣

ስሚንቶኣዊ፥ ማርሻ-ቤዲኣዊ፥ ካትራመኣዊ፤ ልቑሕ፥ ጥማዕ ቝዘማ!

ወዲ ብሄር እኮ እየ። ካብ ኣጋኡ ዝጠለልኩ፤

ንዘ-ቤታዊ ዋዜማ!! (128)
እናበለ ባህላዊ ስልጣነን ልቁሕ እንታይነትን እናኣነጻጸረ ይቕጽል።

“ገለ-ገለ ንጸራታት፤ ናይ ውሉዳዊን ትውልዲኣዊን ፍቕሪታት” ኣብ ዝበሎ ምዕራፍ ሰለስተ፣ “ጽልዋታትን ዝካሬታትን፤ ካብ ከባቢታት ናይ መዕበያ” ኣብ ዝሰመዮ ምዕራፍ ኣርባዕተ’ውን ዋሕዝታት ናይ ዘቤታዊ ስልጣነ ይንበቡ። ኣብ ምዕራፍ ሽድሽተ፡ “ዝኽረ-ናዅራ”፡ “እኳ’ዶ፡ ሓደ ዓርኪ፧!”፡ “ልዅሎም ሓረበኛውያን መሳፍንቲና”፡ “ህያው-ደብሪ”፡ “መሓመዲኖ”፡ “ናይ ግዜና ገንሸላት”፡ “ኣደን ጓልን ይሳለያ” ወዘተ. ዝብሉ ኣብ “ኤርትራዊ ሃገረ-ሓርነታዊ ውርሻታትና” ኣብ ዝብሉ ዝምደቡ እዮም።

“ገድለኣዊ ቕንየታት” ዝሰመዮ ምዕራፍ ሸውዓተ፡ ዛንታ ህይወት ዝገልጽ (ባዮግራፊካል) ኰይኑ፡ “ትግርኛዊ ቛንቋን፤ ኣነን” ዝብል ምዕራፍ ሸሞንተ ኸኣ፡ ሓደ ካብ ሕመረታት ናይዚ መጽሓፍ’ዚ እዩ። ሓደ ምዕራፍ ንበይኑ ደኣ ይፍለየሉ’ምበር፡ ብዛዕባ ልሳን ትግርኛ ዝገልጽ ዳርጋ ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ ኣሎ ንምባል የድፍር። ቋንቋ ትግርኛ ብዝተፈላለየ ገጻቱ ሓደ ኻብ ዝዓበዩ ቴማታት ናይዚ መጽሓፍ እዩ። “ካብ ወለድታ እትሓይሽ፤ ምዕትብቲ ሕንጢት”፡ “ቀ፥ ቐ”፡ “ግእዛዊ ፊደላት እንኪቋየቑ”፡ “ንሱ ዀነ ንሳ”፡ “ወዲ-ዕባራ ስነ- ጽሑፋዊ ማህደር”፡ “ካብ መዓስ ደኣ’ዩኸ ዝደኸየ፡ ’ቲ ትግርኛ”፡ “ኣግኣዝያናዊት ፊደል”፡ “ነዓ፡ ቅረብ፤ ጐረሮኻ ክንወግኣካ!”፡ “ዝተመረቐት ልሳን”፡ “ገዳይ-ቋንቋኡ!” ወዘተ ዝኣመሰሉ ግጥሚታት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኣድሂቦም ዝተሃንጹ እዮም። ቅድመ-ቓል ናይዚ እኩብ ግጥሚታት’ዚ ብዛዕባ ስነግጥማዊ ጃንዳኡ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ቛንቋ ትግርኛ ምዝራቡ፡ ትግርኛ ኽሳብ ክንደይ ማእከል መንነቱን ግጥማዊ ህይወቱን ምዃኑ ብኣጋኡ የነጽር። ንትግርኛ ከም መሳለጥያ ዘገልግል ስርዓት ዘይኰነ፡ ልሉይ መልክዕ ዘሎዎ፣ ከም ሰብ ብስሙ ኽንጽውዎ እንኽእል፣ ከም ዝሓለፉ፡ ዘለውን ዝመጽኡን ወለዶታት፣ ገይሩ ይርእዮ። ምስ ምስጢረ-ስላሴ ብምንጽጻር፡ ትግርኛ’ውን ሓደን ሰለስተን ኸም ዝኸውን የውክእ፤ “ቃለ-ያታዊ ቕዲ፣ ሓውሰ-ቓላዊ-ሓውሰ-ወግዓዊ ቕዲ፣ ወግዓዊ ቕዲ፡” ብምባል ከኣ ይዝርዝሮም።

ዝዀነ ሕብረተሰብ ናቱ ኽብርታት፡ ትውፊታት፡ እምነታትን ሜላ-ናብራን ኣሎዎ። ቋንቋ ኸኣ ሓደ ኻብ’ቶም ተጨበጥቲ ትእምርቲታት ባህልን ሓባራዊ መንነትን እዩ። ተስፋማርያም’ውን ከም ሕመረት መንነቱ ስለ ዝርእዮ፡ ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ንዝስንዘሩ ገለ ኣሉታዊ ኣጠማምታታት ተዓጢቑ ኽገጥም ይርአ። ዝበዝሑ ግጥሚታቱ ብልዙብ መገዲ ዝተሃንጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ንልሳኑ ዘነኣእስን ዘቃጭጭን ግን ይንድር፡ ይቕይዕ፡ ይራገምን ይጻረፍን።

እቲ ብዛዕባ ትግርኛ ዝገጠሞ፡ ከም መልሰ-ግብሪ ንኣሉታዊ ስንዛረታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድፍንቓዊ ግርማኡ፡ ላዛኡ፡ መቐረቱ. . . እውን ገጢምሉ ኣሎ። “መውስቦ ናይ ያታዊን ዘመናዊን ኣብዓልቲ-ህይወት ምወሳታት፡” ኣብ ዝሰመያ ግጥሚ፡ ካብ ዕልልታ ናይ ልደት ክሳዕ መልቀስ ናይ ፈነዋ ህይወት ብምግላጽ ኣብ ዘስምዖ መዝሙር ምስግና ወይ ውዳሰ ኸምዚ ይብል፤

ኣብ ማእከል ዋሕዚ ናይ ምስጢራት ከም-ገለ’ይልካ፤ ‘ብቕ!’ ዘበልካኒ. . .

ምስ’ቲ ዅሉ__
ብስመይ ፈሊ’ኻ፤ ዝጸብጸብካኒ. . .

ብኣብ ነብሶም ተሰራሲሮም፡ ንመንፈስ ዝስርስሩ ቅንየታዊ ኣምሕሮታት፤ ዘዐንገልካኒ. . .

ብኣብዓልቲ-ህይወት ዕልልታታት-ዝስነዩ

ልቢ-ነከእ ዋዜማታት፤ ዘስማዕካኒ. . . ገታእ-ትንፋስ ምርኢት’ዩ ነይሩ’ውን

ካህናትና ክስዕስዑ፤ ዘርኣይካኒ!
ከም መቝሽሽ__ ብህላዌይ ጥራይ ከይጠበርካ__

የግዳስ፡ ብጸጋታት ናይ ቋንቋይ፤ ስለ ኣርካእካኒ. . . ኦ፡ እግዚኣ-ኣእምሮ!

ዕጹብ-ድንቅ እዩ፤ ንዓይ ዝሃብካኒ!!

ኣብዚ ብኣዝዩ ድራማዊ መገዲ ዝተሃንጸ ግጥሚ፡ ተወሊዱ ናብ ‘ዋሕዚ ናይ ምስጢራት’ ምስ ተጸንበረ፡ ፈጣሪ ንዝሃቦ በረኸታት እዩ ዝጽንብል። ስያመ ንንስነቱ፣ ስነግጥማዊ ጽባቐ ንመንፈሱ፣ ዕልልታ ምስግና ህይወት ንልቡ፣ ኣፍካ ዘየኽድን ወረብ ካህናት ንኣእዛኑን ኣዒንቱን፣ ሓለፋ ዅሉ ኸኣ ብጸጋታት ቋንቋኡ ስለ ዝጠለለ’ዩ ዘመስግን። ምስግና ጥራይ ዘይኰነ’ውን፡ “ክሳብ ሱር መዓሙቓተይ ጠሊለ እየ’ሞ፤ ይኣኽለኒ፡” ኢሉ ንፈነዋ ህይወት ይቕበል።

“ትግርኛዊ ሃይኩ” ዘጠመቖ ምዕራፍ ትሽዓተ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ጃፓን ዘዘውትሮ ዓይነት ግጥሚ ብምርዓም ናብ ትግርኛ ዘእተዎ እዩ። ሃይኩ፡ ሓጺርን ቅጀላዊን ግጥሚ ዀይኑ፡ ካብ ነገራት ነቒሉ ንሰባት ምስ ተፈጥሮ የተሓሕዝ። ጃፓናውያን ንዘመናት ክቓንዩዎ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ካብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣትሒዙ ግና ናብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑስ፡ “ክበባት ሃይኩ”’ውን ሰሲነን ይርከባ። ተስፋማርያም ድማ “ትግርኛዊ ሃይኩ” ብምስያም ናብ ልሳን ትግርኛ ንምእታው ፈተነታት ገይሩ ይርከብ። ገጣማይ፡ ነቲ ብተምሳሌት ተፈጥሮ ዀነ ኣርባዕተ ወቕቲታት ኣቢሉ ዝህነጽ ሃይኩ፡ ንመበቈላዊ ትሕዝቶኡ ብዕምቈት ብምርዳእ፡ 20 ግጥሚታት ቓንዩ ኣሎ። ንኣብነት ዝኸውን “ስእነት” እትብል ግጥሚ ምጥቃስ ይከኣል፤

ተፈናኺሑ እንድሕር ከርፈሖ
ወየ ጸፍሒ ናይ ዓውዲና
ካብኡ የድሕንኩም!
ውቃቤ ጥራሕ እንደኣሉ፤ መሶብ-መኣዲና።

ኣብ ቀውዒ ንዝዳሎ ዓውዲ፡ እሞ ዝተፈናኽሐ ምስ ጥርሑ መኣዲ ብምዝማድ፡ ነቲ “ስእነት” ዝብል ኣርእስቲ ብዝግባእ ይገልጽ። ተስፋማርያም ንሃይኩ ብትሕዝቶኣዊ መዳዩ ጽቡቕ ገይሩ እኳ እንተ ኣተኣታተዎ፡ ኣብ መልክዕን ቅርጽን ኣድህቦ ስለ ዘይገበረ ግና፡ ምሉእ ክኸውን ኣይከኣለን። ጃፓናዊ ሃይኩ፡ ብ5-7-5 ድማጾታት (syllables) እዩ ዝቐውም። እቲ ናብ እንግሊዝኛ ዝርዓመ እንግሊዝኛዊ ሃይኩ ድማ ብገምጋም ካብ 12 ክሳብ

15 ድማጾታት ይበጽሕ። ተስፋማርያም ብፍኑው ድማጾታትን ነግሒታትን ስለ ዝሃነጾ፡ ኣብ ግጥሚታቱ

ምዕሩይነት ኣይርከብን። እዚ ንሱ ብመዳይ ትሕዝቶ ኣተኣታትዩዎ ዘሎ፡ ብመዳይ ቅርጺ ንምስርዑን ምምዕባሉን ድማ ናትና ሓላፍነት ይኸውን።

ካብ ኵሎም ምዕራፋት፡ እታ “ስዲ-ንባባዊ ቕንየታት” ዝሰመያ ምዕራፍ 12 እያ ብቕርጻዊ መዳይ ተራእያ ዝተሰየመት። እዚ፡ እቲ “poetic prose” እናተባህለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓድሽ እታው ንስነግጥሚ ትግርኛ እዩ። መብዛሕትኡ እናኣዘንተወ ብፍኑው ነግሒ ወይ free verse ተሃኒጹ ይንበብ። ኣዝዩ ዓሚቝ፡ ወሓዚ፡ ኣስተንትኖኣዊ ዀይኑ፡ ክትርእዮ ኸለኻ ዳርጋ ንምሉእ ገጽ ዝኸይድ መስመራት እዩ። እታ ዛዛሚት ግጥሚ ናይዚ መጽሓፍ፡ “ቅድመ-ኤርትራዊን ውሕዘተ-ንቕሓታዊን ኣጸሓሕፋ ናይ ደብዳቤ” ዝሰመያ፡ ንኤርትራ ብ“stream of consciousness” ዝጸሓፈላ ደብዳቤ እያ፣ ናይ ፈነዋ ደብዳቤ’ውን ትመስል።

ትብጻሕ፤
ናብ ኣዚኺ ዚተፈተኺን ዚኸበርኪን፡ ኤርትራ ዓደይ!
ቅድሚ-ዅሉ፡ ምውቕ ሰላምታይ ተቐበሊ።
ኣስዒበ፡ ሰናይ ኪትህልውለይ ናይ ወትሩ ምንዮተይ ምዃኑ፤ ከም-ብሓድሽ፡ ከስምረልኪ።
ኣነ፡ ብጀካ’ቲ ኸም እንጀራ ዝጠምዮ፥ ከም ማይ ዝጸምኦ ናፍቖትኪ፤ ደሓን ኣለኹ። ክንደይ’ኳ!

(…)
ደቀቕቲ ዝርዝራታ ድሕሪ ምዝርዛር ድማ፤

ኤርትራ ዓደይ፤ ብዙሕ-ብዙሕ-ብዙሕ-ሰላም! ሽሕ-ሽሕ-ሽሕ-ግዜ-ሰላም!
እህእ! እህእ! እ. . .ህ. . .እ. . .፤ እወ፡ እህህታ የብልናን! እህእ። እ. . .ህ. . .እ. . .፤ ንመን ኪሕሾ’፧ ሓጺን-ንሓጺን ኢና!! እ፡ እንክንዓብይ፡ ብፍቕሪ ናይ ወለድቲ፤ ንሕጸን። እንክንመስል፡ ብምሼት፡ ንሕጸን።
እንክንጋደል፡ ብምረት፤ ንሕጸን።
ንድሕሪት-ተረፍነትና እንክንገጥም፡ ብተዓብ፤ ንሕጸን። እንክንዕወት፡ ብዓወት፤ ንሕጸን።

ሓጺን-ንሓጺን ኢና፤ ኣይ ሓጺናት እንዲና። ኣምጻእኩዋ ደኣ!
እወ፡ ደኣ!
እወኒ!!

እናበለ ይቕጽል።

ቅዲ

ቅዲ ናይዚ ግጥሚታት’ዚ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ፡ “ስነቕዳዊ ትንታነ ንቕንየታት ህያው ደብሪ” ብዝብል ካብ ገጽ 363 ክሳብ 465 ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ስነጽሑፋዊ ሓተታ’ዚ፡ ክልተ ኽፋላት ኣለውዎ፤ እቲ ቀዳማይ፡ “ድፍንቕ ኣብ ቅንየታት ህያው ደብሪ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ፡ “ስነቕዳዊ ትንታነ” ዝብል እዩ። ስነቕዲ (stylistics) ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ፡ ኣብ ቅዲ ኣድሂቡ ዝትንትን ዓውዲ እዩ። ከምቲ ዊደውሰን ዝብሎ፡ “ድንድል ኣብ ሞንጎ ስነጽሑፋዊ ህየሳን ስነቛንቋን እዩ።”

ኣብ ስነቕዲ ኣተኲሩ ዝካየድ ምርምራት ብሓሙሽተ ኣብያተ ምህሮ ኸም ዝማዕበለ ይግለጽ። እዚ ንግጥሚታት ‘ህያው ደብሪ’ ንምትንታን ዝቐረበ ካልኣይ ክፋል ሓተታ፡ ኣብቲ ብቪክቶር ሽክሎቭስኪ ዝምራሕ ናይ ሩስያ ፎርማሊዝምን ብሮማን ጃኮብሰን ዝምራሕ ናይ ፕሬት ቤት ምህሮን ኣብ ዝማዕበለ ኣብ ግጥማዊ ቛንቋ ኣተኲሩ ንዝካየድ ምርምር ተኸቲሉ ዝቐረበ እዩ። እቲ ቐዳማይ ክፋል፡ “ድፍንቕ ኣብ ቅንየታት ህያው ደብሪ” ዝብል ከኣ፡ ገጣማይ “ድፍንቕ” ዝብል ቃል፡ “Nostalgia” ንዝብል ኣምር ንምግላጽ ካብ ዝተጠቐመሉ ዝተወስደ እዩ። ብገለ ሸነኹ ድማ ብጀርመናዊ ልዮስፒዘር ንዝምራሕ ኣብ ኵነት ጸሓፊ ንዘድህብ ስነልቦናዊ ስነቕዲ ተመርኲሱ ዝቐረበ እዩ። ገጣማይ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ድያስጶራ ብምሕላፉን ኣብ ስልጣኔኣዊ ውርሻታት ሕብረተሰብና ኻብ ዘሎዎ ሕሉፍ ፍቕሪን ዝነቅል ግዲ ዀይኑ፡ ንድሕሪት ግልጽ ኢሎም ብናፍቘት ዝዝክሩ ግጥሚታቱ ብዙሓት፣ ብዓብላሊ ድፍንቓውያን እዮም።

ብወገን ሓፈሻዊ ስነቕዲ፡ “ግጥሚታት ህያው ደብሪ እንታይ ቅዲ ዝሓዙ እዮም፧” ንምምላስ ድማ፡ ኣብ ሓሙሽተ ኣርእስትታት ማለት፡ (1) ስርዓተ-ነጥቢ፣ (2) ንድቀ-ቓል፣ (3) ስነሓረጋት፣ (4) ስነባህለት፣ (5) ፎኖሎጅያ ኣብ ዝብሉ፡ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ብብዝሒ ኣብ ዝተዘውተሩ ባእታታት ብምትኳር ስነቕዳዊ ትንታነ ተኻይድሎም ኣሎ።

ብሓፈሻኡ፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ብቕዳዊ ሸነኹ ኣዝዩ ሃብታም፣ ብሓደ ሸነኽ ንጽኑሕ ውርሻታት ስነግጥሚና ብዕምቈት ብምጥቃም፣ በቲ ካልእ ከኣ ካብቲ ዝውቱር ብምግላስ ፍሉይ ግጥሚታት ብምቅንባር፡ ብዓይነቱ ፈላማይ፡ ፈወናይ ናይ ብሕጂ ዝመጽእ ዘመናዊ ስነግጥሚ ትግርኛ እዩ ንምባል እደፍር።

1. ስርዓተ-ነጥቢ

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ልዕሊ ዝዀነ ቕድሚ ሕጂ ዝተሓትመ መጽሓፍ ግጥሚ ትግርኛ፡ ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማ ስርዓተ-ነጥቢ ኣተኣታትዩ ኣሎ። እቲ ስርዓተ-ነጥቢ፡ ካብ ዝውቱር ጥቑሙ ሓሊፉ፡ ከም ኣካል መልክዕን ቅርጺን ናይ ግጥሚታቱ ኣውዒሉዎ ይርከብ። ብሕልፊ ንድርብ ሰረዝ ዳርጋ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ነግሒ ናይ ግጥሚታቱ ብምእታው፡ ከም፡ ካብ ኣርባዕተ ነጥቢ ንእስ ዝብል ሰብሪ ወይ ደውታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ደራቲ ቐለም ናይ ረምታ’ውን ተጠቒምሉ ኣሎ። “ደራቲ ቐለም” ወይ “ደራቲ ድማጾታት” ምስቲ ኣብ ግጥሚታት ሮማይስጥን ጽርዕን ፍሉጥ ዝዀነ “caesurae” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዝመሳሰል መገዲ ተጠቒምሉ ይርከብ።

2. ንድቀ-ቓል

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ሰፊሕ መረጻ ቓላት ኣብ ርእሲ ምዝውታሩ፡ ቃላት ኣሐዲሱን ኣማዕቢሉን እውን ተጠቒሙ ይርከብ። ንጥምረትን ስምዒት ሓድሽነትን ግጥሚ ዝሕግዝ፤ መለሳ ቓላት፡ ኣሃዱ መለሳ ቓላት፡ ተጻረርቲ ቓላት፡ ላህጃታት፡ ዝተለቅሑ ቓላት፡ ድግማ ቓል፡ ጥብቆታት፡ ድርብ ቃላት፡ ልወጣ ዓይነት ቃል ወዘተ ብብዝሒ ኣብ ርእሲ ምዝውታር፤ ተኸዚኖም ዝነበሩ ገለ ቓላት ደሮናኦም ነጊፉ ብምጥቃምን ምሕዳስን፣ ካብ- ናብ ክፍልታት ሰዋስው ለውጢ ናይ ኣጠቓቕማ ዘካየደሎም’ውን ኣለዉ።

3. ስነሓረጋት

ትግርኛ ብዓልቤት፡ ተሰሓቢ፡ ግሲ ብዝብል እናተሰርዐ ከም ዝቐርብ ይፍለጥ። ስነግጥሚ’ውን ልክዕ ከም ካልኦት መዳያት ቋንቋ፡ ነዚ ስርዓት ኣሰራርዓ’ዚ፡ ይጥቀመሉ እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግን፡ ክጥሕሶን ዝማእምኦ ኣሰራርዓ ቓላት ክጥቀምን ግጥማዊ ፍቓድ ኣሎዎ። ስነግጥሚ፡ ለውጢ ኣብ ኣሰራርዓ ቓላት ዘካይድ፡ ምእንቲ ፍሉይ ኣቓልቦ ኽስሕብ፡ ድምቀት ኽፈጥርን ሳምራታት ከቃዱን ክኸውን ይኽእል። ስነግጥሚ ፍሉይ ቋንቋ ዝገብሮ፡ እንተ ብቐንዲ ሓረግ፡ ዓብዪ ሓረግ ወይ ንኡስ ሓረግ እናተጠናነገ ኣብ ነግሒታት ዝንደቕ ምዃኑ እዩ። እቲ ነግሒ ወይ ነግሒታት ዝኽተሎ ስርዓተ-ኣሰራርዓ ቓላት ወይ ኣቀዋውማ ሓረጋት ኣብ ሓድሕድ ዝፈላለን መልክዕ ኣገጣጥማ ኻብ ዝውስኑ ረቛሒታትን ሓደ እዩ።

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣብ ኣሰራርዓ ቓላት ዝተኸተሎ ቕዲ እንታይ ከም ዝመስል ንምርኣይ፡ መስርዕ ቃላት፡ (መራሓይ ቃል/ሓረግ፡ ከታያይ ቃል/ሓረግ፡ ፈጕፋጓይ ቃል/ሓረግ)፡ ዝግሓተ-ቓላት፡ ግድፈተ-ቓል፡ ድግማ ሓረጋት ወይ መቓልሕነት ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ቀሪቡ ኣሎ።

4. ስነባህለት

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ንዝተፈላለዩ ሸነኻት ቋንቋ ኣኽቲቱ፡ ኣዛሚዱን ኣወሃሂዱን ሰፊሕ ቀጽሪ ባህለት (ኣምር ወይ ትርጓመታት) ፈጢሩ ይርከብ። ኣብ ዝተሓደሱ ቓላት ከምኡ’ውን ምስሊ ወይ ቅጅልታ (ቀጥታዊ ምስሊን ስውያዊ-ንግግርን) ጥራይ ብምትኳር ድማ ትንታነ ተኻዪድሉ ኣሎ። እቲ ግጥሚታት ብሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ዝህወሱ ዝተፈላለዩ ምስሊታት ክቐርጸልና ስለ ዝኸኣለ፡ ከም እኩብ ቅብኣታት’ውን ክግለጽ ይኽእል።

5. ፎኖሎጅያ (ስነ-ጽመጸ-ልሳን)

ኣብ ስነግጥሚ፡ ብተመጣጣኒ ግዜ ዝንበቡን ተመሳሳሊ ቕድወት ድምጺ ዘሎዎምን ቃላት፡ ሓረጋት ይዅኑ ነግሒታት፡ ዜማ ናይቲ ግጥሚ ፈጢሮም፡ ንመልክዕ ግጥሚ ኣብ ምውሳን፡ ስምዒትን ትሕዝቶን ኣብ ምድማቕን ጽባቐ ኣብ ምፍጣርን ዓብዪ እጃም ስለ ዘለዎም፡ እዚ እኩብ ግጥሚታት’ዚ፡ ንድምጺታት ናይቲ ቓላት ብምቅንባር ሃብታምን ፈጠራውን ዜማታት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ንረምታ (ሚዛን ረምታ፡ ደውታዊ ረምታ፡ ውሽጣዊ ረምታ) ከምኡ’ውን ሳምራ (እልመት ሳምራ፡ ውስጠ ሳምራ፡ ሳምራን ዝምድንኡ ምስ ትሕዝቶን) ወዘተ. ዝገልጽ ትሕዝቶታት ከኣ ቀሪቡ ኣሎ።

እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኣብ ረምታኡ ብመንጽር ሚዛን ረምታ ወይ ቀለም ክርአ እንከሎ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ኽጽሓፍ ዝጸንሐ ብዝነውሐ ብምጥቃም ሓድሽ እታው ገይሩ ኣሎ። ኣብ ሳምራ እውን፡ “ሳምራ ኣይተ ተስፋማርያም” ዝሰመኽዎ ኣገባብ ኣተኣላልማ ቅድወት ድምጺ ነግሒታት ብምልኣት ተጠቒሙ ይርከብ።



306957-Hiyaw Debri - Henok 2.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events