Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ዓውደ-ዘተ ንምክልኻል ዶብ ሰገር ገበናት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 February 2019

ዓውደ-ዘተ ንምክልኻል ዶብ ሰገር ገበናት


ብ-ጥዑምዝጊ ተስፋይ      ሓዳስ ኤርትራ    1 ለካቲት 2019 


ዶብ-ሰገር ገበናት መግትኢ ተሳኢኑዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብዝያዳ ኣተኵሮን ሓባራዊ ቃልስን ምምካት፡ ናይ ዓለምና እንኮ ምርጫ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኩነት፡ ስግኣት ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብምዃኑን ብስግረ-ዶባዊ ባርትያቱን፡ ብዘይዞባዊን ዓለማዊን ምትሕግጋዝ ክዕገት ከም ዘይክእል፡ ካብ ወትሩ ንላዕሊ ጋህዲ ኰይኑ ይርከብ። ውሁድ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ዓቕሚ፡ ናብ ኣንጻር ዶብ-ሰገር ውዱብ ገበናት ዝቐንዓሉ መንገዲ ምድህሳስ ቀንዲ ዛዕባ ምዃኑ ድማ ንቡር እዩ። ናይ መጻኢ ውሁድ ጻዕሪ ዝእንፍቱ ተበግሶታት ተወሲዶም እንተ ሃለዉ’ኳ፡ ኩሉ መዳያዊን ጥጡሕን ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ንምንጻፍ ግን፡ ነዊሕ መንገዲ ዝተረፈ ይመስል። 

ኣብ’ዚ እዋን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ስግረ-ዶባዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ካብ ዝኽሰተለን ሃገራት ዓለምና፡ ብቐዳምነት ዝጽዋዓ ኰይነን ኣለዋ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ነዚ ናይ ሓባር ጸገም፡ ብሓባር ዝቃለሳሉ ባይታ ኣብ ምንዳይ ይርከባ።

ሓደ ካብ ተበግሶታት’ዚ መዳይ ዝዀነ ዓውደ-ዘተ፡ ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ዕጸፋርስን ገበንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ፖሊስ (INTRPOL) ዝወደቡዎ፡ ጥምረትን ውህደትን ኣህጉራዊን ዞባዊን ሓይልታት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምስዋድ ዘድሃበ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ 30 ጥሪ 2019 ኣትሒዙ፡ ኣብ ኣስመራ - ኣስማራ ፓላስ ሆቴል ይካየድ ኣሎ። 

እዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝቃናዕ ዘሎ ዓውደ-ዘተ፡ ብዝያዳ፡ ዞባዊን ዓለማዊን ምትሕግጋዝ ፖሊስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝትርንዓሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ዘተኮረ እዩ። 

ኣብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዕጸፋርስን ገበናትን (UNODC)፡ ሓላፊ ምክልኻል ዶብ-ሰገር ገበናትን ሽበራን፡ ሚስተር ዮሃን ክሩጀር፡ ካብ ሃገራት ድማ - ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ኬንያን ኡጋንዳን ምስ ሕግን ገበንን ኣብ ዝተኣሳሰር ጕዳያት ዝነጥፉ ወከልቲ፡ ከምኡ’ውን ኢንተርፖል፡ ኣህጉራዊ ውድብ ኢጋድ፡ ኣምባሳደራት ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ኤርትራ ዝተረኽቡሉ ዓውደ-ዘተ፡ ሓይሊ ፖሊስ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ኣብ ዝኣመሰሉ ስግረ-ዶባዊ ገበናት፡ ብምትሕግጋዝን ብጥምረትን ኣድማዒ ናይ ምክልኻልን ናይ ምምካትን ስራሕ ዝዓምመሉ ተኽእሎታት ክድህሰስ እዩ። 

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ዓውደ ዘተ፡ ሚስተር ሁዋን ክሩጀር ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ስግረ-ዶባዊ ገበናት፡ ናይ ዓለምና ዓቢ ብደሆ እናዀነ ምምጽኡ፡ ሃገራት ዓለም፡ ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉር ይኹን ዓለም፡ ዓቕመን ኣወሃሂደን ንኽገጥማኦ ዝድርኽ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣንጻር ውዱብ ገበናት ኣብ ምቅላስ፡ ምትሕግጋዝ ክግበረሎም ዘኽእሉ መዳያት ዘርዚሩ። 

ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂሰብ፡ ዝተሓላለኸ፡ በብእዋኑ ዝቀያየርን ተዓጻጻፊን ምዃኑ ዝገለጸ ሚስተር ዮሃን፡ ምስ ተለዋዋጢን ተዓጻጻፊን መጥቃዕቲ ገበነኛታት፡ ሃገራት እውን ብሓባርን ብምትዕጽጻፍን ንኽገጥማኦ፡ ግብራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምትሕግጋዝ ዞባዊን ኣህጉራዊን ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ምክልኻል ስግረ-ዶባዊ ውዱብ ገበናት ወሳኒ ምዃኑ ዝገለጸ ሚስተር ዮሃን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት፡ ዞባ፡ ኣህጉርን ዓለምን፡ ምልውዋጥ ሓበሬታን ሓባራዊ ስርሒታትን፡ ምርግጋጽ ሓቅነትን ንጹርነትን ናይ ጉዕዞ ደኲመንትታት፡ ምድግጋፍ ብፋይናንስን ስልጠናን፡ ሓባራዊ ቍጽጽር ክልተኣዊ ዶባት፡ ዝተወሃሃደ ምርመራ ገበናት፡ ገለ ካብ’ቶም ዝጠቐሶም ግብራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታታት እዮም። መሰል ብዝኸበረሉ መንገዲ ንግዳያት ምሕጋዝ እውን፡ ኣካል ናይ’ቲ ቃልሲ ምዃኑ ኣረዲኡ። 

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምክልኻል ዕጸፋርስን ገበንን፡ ነዚ ዓውደ-ዘተ ኣብ ኤርትራ ከካይዶ ብምውሳኑ ብምምስጋን “ካብ ገበን ውሕስቲ ዝዀነት ሃገር የላን። ኣብ’ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ፡ ዕጸፋርስን ንግዲ ፈኮስቲ ኣጽዋርን ምስ ዝኣመሰሉ ገበናት ኣብ ስግኣትን ብድሆታትን ኢና ዘለና። ክብደት ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዘለናዮ ሕብረተሰብ ዝፈጥሮ ጸገማት ኩላትና ንፈልጦ ኢና። እዞም ገበናት እንተ ዘይተኣልዮም ከኣ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ርግኣት ናይ ዞባና ክዘርጉዎ እዮም። ስለ’ዚ ኸኣ ሰላምን ድሕነትን ናይ’ዚ ዞባ ምውሓስ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። 

 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ 14 ናይ ፖሊስ ሓይልታትን ኣገልግሎታትን ኣብ ትሕቲ EAPCCO ተወዲቦም ውዱብ ገበናት ኣብ ምቅላስ ከም ዝርከቡ ዝሓበረ ኮሎኔል መሓሪ፡ “ስግረ-ዶባዊ ገበናት፡ ንኽልተ ልኡላውያን ሃገራት ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ገበነኛ ዶብ እንተ ሰጊሩ፡ ፖሊስ ገበነኛ ዝከታተለሉ ሕጋዊ ባይታ ይስእን።” ብምባል፡ ከም’ዚ ዝበለ ጸገማት ንምስዓር፡ ኣብ መንጎ መንግስታትን ናይ ፖሊስ ሓይለንን፡ ኣብ ሕጋዊነትን ግብራዊ ስራሕን ዝተመርኮሰ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ክግበር ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ። 

ኮሎኔል መሓሪ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምክልኻል ዕጸፋርስን ገበንን፡ (UNODS) ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብንጥፈት ይዓዪ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ መቐጸልታ ናይ’ቲ ድሮ ፈሊሙ ዝጸንሐ ቃልሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። እቲ ዓውደ-ዘተ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ፡ ጭቡጥ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ዝፈጥር ኣጋጣሚ ከም ዝኸውን ከኣ እምነቱ ገሊጹ። 

ኣብ መወዳእታ “ኣብ ጻንሖትኩም ሕጕሳት ክትኰኑ እምነየልኩም፡ ናጽነት ይሰማዕኩም፡ ናይ ከተማና ኣስመራ ድሕነት ድማ ኣስተማቕሩዎ” ክብል፡ ንተሳተፍቲ ሰናይ ተመንዩ።

ካብ ዕዱማት ዓውደ-ዘተ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኤርትራ ኤልማር ክራውትዘር ኣብ ዘስመዖ ሓጺር መደረ፡ ስደት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ እናዛየደን እናተሓላለኸን ከም ዝመጽአ ብምምልካት፡ ነዚ ጸገም ንምክልኻል፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕዉት ምትሕግጋዝ ክህሉ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ላን ሪቻርድስ እውን “ሃገረይ፡ ብፍላይ ከኣ ቀዳመይቲ ሚኒስተርና፡ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ተበግሶ ብቐዳምነት እዮም ዝርእዩዎ” ድሕሪ ምባል፡ ምስ ምስፋን ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ህዋሁ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምትእስሳር፡ 2019 ዓ.ም. ንኤርትራ ፍልይቲ ዓመት ምዃና ጠቒሱ፡ ምስ ህሉው ኩነታትን እቲ ዓውደ-ዘተ ኣብ ኤርትራ ምክያዱን፡ ኤርትራ ኣብ ምክልኻልን ምምካትን ዶብ-ሰገር ገበናት መራሒ ተራ ንኽትጻወት ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ኣብሪሁ። 

 ወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ኢብራሂም ዑስማን፡ ንተሳተፍቲ ዓውደዘተ “እንቋዕ ናብ ኤርትራ ብደሓን መጻእኩም” ምስ በለ፡ ከም’ቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝረአ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን፡ ብስግኣት ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ፡ ሽፍትነት፡ ኣሸባርነት ብዘጠቓለለ ውዱብ ስግረ-ዶባዊ ገበናት ይቕጽል ምህላዉ፡ ኣብ ውሕስነት ዜጋታትን ሃገራትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቍጣባዊ ዕብየት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐሊሉ ዘይሽነን ሳዕቤን ከም ዘኸተለ ጠቒሱ። 

እዚ ብድሆታት ብሓንቲ ሃገር ክሰዓር ከም ዘይተኻእለ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከም ዘይከኣል ብምምልካት ድማ፡ ሃገራት፡ ገበናት ዝከላኸላሉን ዝገጥማሉን ዓቕሚ ከደልድላ፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ብደረጃ ዞባ ውሁድ ዝዀነ ናይ ኣሰራርሓ መንገዲ ከዕብያ ከም ዝግባእ ኣገንዝቡ። 

ኤርትራ፡ ብውሱን ዓቕማ፡ ብብዙሕ መዳያት ንውዱብ ገበናት ክትቃለሶ ከም ዝጸንሐትን ዓቢ ስጕሚ ከይዳ ምህላዋን ዝጠቐሰ ኣቶ ኢብራሂም፡ ዶብ-ሰገር ውዱብ ገበናት ኣብ ምቅላስ ዘጥረየቶ ተመኩሮ፡ ንዞባዊ መሻርኽቲ ከተካፍል ድልውቲ ከም ዝዀነት ኣረጋጊጹ። 

ሓላፊ ውዱብ ስግረ-ዶባዊ ገበናት ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣቶ ጥዑማይ ኣረጋዊ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ማሕንቖታት ንውሁድ ምትሕብባር፡ ሃገራት ነናይ ገዛእ-ርእሰን ቀዳምነታት ስለ ዘለወንን ኣብ ኣተረጓጉማ ስግረ-ዶባዊ ገበናት ስለ ዝፈላለያን ምዃኑ ብምብራህ፡ እንተ ዀነ ግን፡ ነዚ ሓደገኛ ክስተት ንምክልኻል፡ እቲ ኣማራጺ፡ ፍልልያት ብዘየገድስ፡ ብሓባር ምቅላስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ተኣፋፍነት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንስግረ-ዶባዊ ገበናት፡ ብሓባር ተቓሊሰን ንኽምክታ ዝድርኽ ምዃኑ ብምብራህ ከኣ፡ ኣብ ሓድሕደን፡ ሓባራዊ ኣጀንዳ፡ እምነት፡ ናይ ዋንነት ስምዒት፡ ተወፋይነት. . . ከስርጻ ከም ዝግባእ ኣገንዚቡ። 

እዚ ብኣላይነት ኣወሃሃዲት ፕሮጀክት UNODC ኣብ ኤርትራ ወይዘሪት ኣስመረት ተስፋይ ዝካየድ ዘሎ ዓውደዘተ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ርቱዕ ሓሳባትን ናይ ምትሕግጋዝ ባይታን ክድህስስ ትጽቢት ይግበረሉ። 


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events