Dehai News

(ገጽ-መጽሓፍ) ዙር ጋቦን 2019 : 3ይ መድረኽ ሙሉእ ትሕዝቶ !

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 23 January 2019

🇪🇷🇬🇦ዙር ጋቦን 2019🇪🇷

፠፨3ይ መድረኽ ሙሉእ ትሕዝቶ !
3ème étape de la Tropicale Amissa Bongo 2019 : victoire au fil de l’Erythréen Biniam Hailu, l’italien Niccolo Bonifazio garde le maillot du leader
🇪🇷-ቢንያም ግርማይ ዕዉት መድረኽ
🇪🇷-ሲራክ ተስፎም ንጉስ ዓቐብ ን 2ይ ደረጃ ኣብ ብጫ ማልያን ኮይኑ ይመርሕ!
🇪🇷️፠ 4ተ ኤርትራያን ኣብ ቀዳሞት 10 ሓፈሻዊ ግዜ !!
🇪🇷️ኤ፠ርትራ 2ይ ደረጃ ብጋንታ

፨ሎሚ 3ይ መድረኹ ኣሰላሲሉ ሓደ ካብ ውልዶ ተቐዳደምትና ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ቢንያም ግርማይ ዝተዓወተሉ መድረኽ ፣ካብ መጀምርት ኡ ብናህሪ ዩ ፈሊሙ። 

ውድድር 10 ኪሜ ጥራሕ ምስ ተላዕሎ ዕዉት ዚ ውድድር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ ን ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሃዲሞም ንውድድር ሙቖቱ ኣበሪኾሞ። ነዚ ዝረኣየት ዓባይ ጉጅለ ዓቕሞም ውን ስለ ዝገምገመት ትንፋስ ብዘይህብ ሃደነቶም ።ኣብቲ ቅልስ ክልቲኦም ተቐዳደምቲ ነዊሕ ተጓዒዞም ፣ፍልልዮም ድማ ክሳብ 1ደቂቕ በጺሑ እኳ እንተነበረ ውድድር ፍርቂ ርሕቀቱ ምስተሸፈነ ተዋሒጦም። 
፨ካብዚ ዝቐጸለ መትከል እዮብ ዝርከባ 5ተ ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ጉጅለ ያ ንቕድሚት ተወርዊራ ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝጋለበት ኮይኑ ግን እዚ ኣ ውን ዕድል ኣይገበረትን ።

፠ ኣብ መወዳእታ ብፍላይ ኣብተን ዘዘምቲ 5ተኪሜተራት ውድድር ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን ዓቐሚ ዘለዎም ድማ ኣብ ቅድሚት ጸብልል ኢሎም ንቅጽበታዊ ውድድር ተቐረቡ ።ክሳብዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብስጥምታ ፕሮፈሽናል ጋንታ ዘምስላ ምስሊ ሕዛ ኣብ ቅድሚት ተረጋረገት ።ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ን ማርክ ካቫንድሽ ንምዕዋት ኣብ መወዳእታ ኪሜትራት ዘላ ዘምሰልስል።

፨ኣብታ ናይ ዜሮ ናይ መወዳእታ ኪሜ ቢንያም ግርማይ ኣንጻር ቶም ጎባልል ቅጽበታዊ ውድድር ዓለምና ገጢሙ ፣ሓነግ ነግ ኣቢልዎም ወጽዩ ። ብራቮ ቢኒ🇪🇷️!! ኣዝዩ ዘደንቕ ፍጻሜ ። ምስ ፕሮፈሽናላት ክሳብ ንክድዚ ዝናንን ክእለትን ዘለዎም ቮላቲስታታት ገጢምና ምስዓር ማለት ።ፍረ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ስለ ዝኾነ ። እንቋዕ ሓጎሰና ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሉጻት ቮላቲስታታት ን ብሉጻት ሓኾርቲ ዓቐብ ን፣ ጸዋራት ኣብ ጉዕዞን ተቐዳደምቲ ዓጢቓ ስለ ዘላ ርእሳ ዝኸኣለት ኮንቲነንታል ጋንታ ኮይና *ቆይማ* ኣብ ዓለማዊ ውድድራት እንርእየላ ግዜ በጺሑ ኣሎ ። ስለዚ ኣብዚ ሓጺር እዋን ሃረርታ ኣፍቃሪ ቅድድም ብሽግሌታ ክዉን ክኸውን ተስፋን ንገብር።

-----------------------------
2ይ-🇩🇿- የሱፍ ረጊጊ
3ይ-🇮🇹- 3ይ-ኖኮሎ ቦኒፋዝዮ
4ይ-🇫🇷-ለሮንዞ ማዚኒ
5ይ-🇩🇪- ኣንድሬ ግሪፐል 
6ይ-🇮🇹-ኣንድረ ቨንድራመ
7ይ-🇿🇦-ሮሓን ብርሎይ
8ይ-🇪🇷️- ሄኖክ ሙሉብርሃን
11-🇪🇷 -ሲራክ ተስፎም
14-🇪🇷-ኣሮን ደብረጽዮን
1️6-🇪🇷️- መትከል እዮብ
17-🇪🇷️- ዳን ኤል ተኽለሃይማኖት

---------------------------------------------------
፨ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ኢጣልያዊ ኒኮሎ ቦኒፍዝዮ መሪሕነት ብጫ ማልያ ሒዙ ኣሎ።

2ይ 🇪🇷 ሲራክ ተስፎም ብ 13 ሰከንድ 
3ይ 🇩🇪ኣንድሬ ግሪፐል ---14ሰ
7ይ 🇪🇷 መትከል እዮብ ---18 ሰከንድ 
8ይ 🇪🇷ሄኖክ ሙሉብርሃን 19ሰከን
9ይ🇪🇷ዳን ኤል ተኽለሃይማኖት--21 ሰከንድ
14 🇪🇷ኣሮን ደብረጽዮን 
76 🇪🇷 ቢንያም ግርማይ

----------------------------------
ንጉስ ዓቐብ 

.፨ሲራክ ተስፎም

Credit:


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events