Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር-ሑመራ ተኸፊቱ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 07 January 2019

መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር-ሑመራ ተኸፊቱ

   ጥሪ 07, 2019  ብርሃነ በርሀ


ኣስመራ — 

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር -ሑመራ ሎሚ 7 ጥሪ 2019 ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ፈደራላዊ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብቲ ብናይ ክልቲኤን ሃገራት ሃገራዊ መዝሙር ዝተሰነየ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ፡ብወገን ኤርትራ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ በወገን ኢትዮጵያ ድማ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከምኡ’ውን ነበርቲ ከተማ ኦምሓጀርን ተረኺቦም ነይሮም።

ምኽፋት መስመር ኦምሓጀር ሑመራ አካል እቲ ኣብ ሓምለ 9 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብተወሳኺ ምኽፋት’ቲ መስመር ኣብ ኤርትራ ብተሰነይን ገርሰት ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብዶብ ኦምሓጀር ሑመራ ዘለው ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሚንስትር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ።








6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events