Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ኣብ ኤርትራ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ናይ ሕክምና ክኢላታት ዝጠርነፈ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ዶክተራት፡ ኣስመራ ኣትዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 02 January 2019




ኣብ ኤርትራ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ናይ ሕክምና ክኢላታት ዝጠርነፈ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ዶክተራት፡ ኣስመራ ኣትዩ


ረቡዕ 2 ጥሪ 2019 

ኣብ ኤርትራ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ፡ 35 ሓደስቲ ምሩቓት ዶክተራትን ሓሙሽተ ምኲራት ናይ ሕክምና ክኢላታትን ዝጠርነፈ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ዶክተራት፡ ኣስመራ ኣትዩ። 

እቲ ጉጅለ፡ ብምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ዝተመርሐ’ዩ።

ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን - ነቲ ብጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝያዳ ንምዕዛዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብሓባር ክሰርሑ ከምእተሰማምዑ፡ ምምጻእ ናይ’ቲ ናይ ፈለማ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ድማ ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሃ። 

እቶም ኢትዮጵያውያን ዶክተራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ብሓባር ክሰርሑን ተመኲሮ ክለዋወጡን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክላለዩ ዕድል ከምዝረኽቡ፡ ሚኒስተር ኣሚና ብተወሳኺ ገሊጻ።

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ነቲ ኣጋጣሚ “ታሪኻዊ” ክትብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሪሕነት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር - ዶክተር ኣቢ ኣሕመድን ናብ ሓድሽ ናይ ፍቕርን ስኒትን መድረኽ ምስግጋረን ዝዓበየ ህያብ ንህዝብታተን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳይ ጥዕና ዝግበር ዘሎ ናይ ፈለማ ምትሕብባርን ምትሕጋዝን፡ መርኣያ ዝምዕብል ዘሎ ሰናይ ጉርብትናን ንቕድሚት ዝጠመተ ዝምድናን ምዃኑ ሓቢራ።

እዞም ኣብ ኤርትራ መጺኦም ዘለው 35 ሓደስቲ ምሩቓት ዶክተራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ከረን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መንደፈራ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝርከባ መወከሲ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ክህቡን ተመኲሮ ክለዋወጡን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events