Date: Sunday, 30 December 2018
ህዝቢ ኤርትራ፡ መዳርግቲ ብዘይብሉ ዘዅርዕ ታሪኽን ጅግንነትን ልዑላውነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ እውን፡ ረዚን ዋጋ ከፊሉ ዘምጽኣ ሃገር ቀሲኑ ክሃንጽ ዕድል ኣይተዋህቦን። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ እንተተኻኢሉ ልዑላውነቱ ንምቕልባስ፡ እንተዘይኮነ ድማ ዕብየቱ ንምዕንቃፍ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ግሁድን ስዉርን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ሽርሒታት ብምእላም፡ እንተላይ ዓማጺን ዘይሕጋዊን እገዳ ብምስግዳድ፡ ገስጋሱ ንምሕንኳልን መሳርዑ ንምዝራግን ብዙሕ ተፈቲኑ። ኩሉ ውዲታትን ሽርሒታትን ግን፡ ምስ ከውሒ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሙ ኣይሰርሐን። ዓመተ 2018 ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዳግማይ በደል ብጽንዓቱን ተጻዋርነቱን በዲሁ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ዝወጻላ ፍልይቲን ታሪኻዊትን ዓመት እያ ነይራ።
እዛ እንሰናበታ ዘለና ዓመት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰፊኑ ዝጸንሐ ኩነተ ውግእ ኣብቂዑ፡ መላእ ዞባና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዓሎቚ ተስገደዱ ዝጸንሐ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዕርቃኑ ተቐሊዑ ዝተላዕለላ፡ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ብዙሕ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለታት ዝተኸስተላ፡ ክብረትን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ደሚቑ ዝተዀልዓላ ዓመት እያ ነይራ።
ብግብሪ ከምዝርኣናዮ፡ መድረኽ ናጽነት፡ ልክዕ ከም ጉዕዞ ናጽነት ከቢድ ዋጋ፡ ብዙሕ ምጽማምን ጽንዓትን ሓቲቱና እዩ። የግዳስ ብመጠን ዝተጸመምናዮ ጻማና ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ልዕሊ ኹሉ፡ ድሕነት ሃገር ምስ ክብረት ብምውሓስ፡ ነቲ ዘሐብን ታሪኽና፡ ተወሳኺ ርዝነት ክንድርዓሉ ክኢልና ኣለና። ምስናይ ኩሉ ጸገማትን ድሩትነት ጸጋታትን ድማ፡ ንህንጸት ስልጡን ሃገር መሰረት ዝኸውን ስትራተጂያዊ መደባት ልምዓት ክንትግብር ክኢልና ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያል ምጽማም ዝሓተተ ምዕራፍ ዝተዋህለለ ገስጋስን ዝተነጽፈ ተሪር ባይታን ረጊጽና ከኣ፡ ናብቲ ጻማና እንሓፍሰሉ መድረኽ ክንስጋገር በቒዕና ኣለና።