Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 29 December 2018

 

ኣብብ``ዚ ስማዕ

https://www.youtube.com/watch?v=Dc2nDWJSD_A

ዞባና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንሓያላን ከርብሕ ብዝተቐየሰ ግዳማዊ ፖሊሲታት፣ ንሰለስተ መዋእል ማለት ንኣስታት 80 ዓመታት፣ ብኲናትን ግጭትን፡ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ቅልውላዋት፡ ተሓሚሱን ተረሚሱን ዝጸንሐ ዞባ እዩ። ኣብ መቓን ናይዚ ውሁብ ኩነት'ዚ ድማ፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ንጂኦ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዓበይቲ ሓይልታት ኣየገልግልን'ዩ ስለዝተባህለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝተነፍጎ መሰል ብገዛእ ቅልጽሙ ከረጋግጽ፡ ን30 ዓመታት መሪርን ደማዊን ሓርነታዊ ኲናት ከካይድን ንስለ ናጽነት ኣዝዩ ብዙሕ መስዋእቲ ክኸፍልን ተገዲዱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ መዳርግቲ ብዘይብሉ ዘዅርዕ ታሪኽን ጅግንነትን ልዑላውነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ እውን፡ ረዚን ዋጋ ከፊሉ ዘምጽኣ ሃገር ቀሲኑ ክሃንጽ ዕድል ኣይተዋህቦን። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ እንተተኻኢሉ ልዑላውነቱ ንምቕልባስ፡ እንተዘይኮነ ድማ ዕብየቱ ንምዕንቃፍ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ግሁድን ስዉርን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ሽርሒታት ብምእላም፡ እንተላይ ዓማጺን ዘይሕጋዊን እገዳ ብምስግዳድ፡ ገስጋሱ ንምሕንኳልን መሳርዑ ንምዝራግን ብዙሕ ተፈቲኑ። ኩሉ ውዲታትን ሽርሒታትን ግን፡ ምስ ከውሒ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሙ ኣይሰርሐን። ዓመተ 2018 ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዳግማይ በደል ብጽንዓቱን ተጻዋርነቱን በዲሁ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ዝወጻላ ፍልይቲን ታሪኻዊትን ዓመት እያ ነይራ።

እዛ እንሰናበታ ዘለና ዓመት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰፊኑ ዝጸንሐ ኩነተ ውግእ ኣብቂዑ፡ መላእ ዞባና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዓሎቚ ተስገደዱ ዝጸንሐ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዕርቃኑ ተቐሊዑ ዝተላዕለላ፡ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ብዙሕ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለታት ዝተኸስተላ፡ ክብረትን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ደሚቑ ዝተዀልዓላ ዓመት እያ ነይራ።

ብግብሪ ከምዝርኣናዮ፡ መድረኽ ናጽነት፡ ልክዕ ከም ጉዕዞ ናጽነት ከቢድ ዋጋ፡ ብዙሕ ምጽማምን ጽንዓትን ሓቲቱና እዩ። የግዳስ ብመጠን ዝተጸመምናዮ ጻማና ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ልዕሊ ኹሉ፡ ድሕነት ሃገር ምስ ክብረት ብምውሓስ፡ ነቲ ዘሐብን ታሪኽና፡ ተወሳኺ ርዝነት ክንድርዓሉ ክኢልና ኣለና። ምስናይ ኩሉ ጸገማትን ድሩትነት ጸጋታትን ድማ፡ ንህንጸት ስልጡን ሃገር መሰረት ዝኸውን ስትራተጂያዊ መደባት ልምዓት ክንትግብር ክኢልና ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያል ምጽማም ዝሓተተ ምዕራፍ ዝተዋህለለ ገስጋስን ዝተነጽፈ ተሪር ባይታን ረጊጽና ከኣ፡ ናብቲ ጻማና እንሓፍሰሉ መድረኽ ክንስጋገር በቒዕና ኣለና።

ንሰለስተ መዋእል ዝገጠመና ዘይጽወር ፈተነ ብጽንዓት ሰጊርና፡ ናብ እሙንን ውሑስን ባይታ ክንበጽሕ ዘብቅዓና ምስጢር፡ ብቐንዱ ዘቤታዊ ሓይልና እዩ። ሓርነት-መስመር፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክብረት ምዃኑ ኣሚንና፣ እምነትና ኣብ ነብስና ገይርና፣ መሳርዕና ኣስሚርና፣ መንፈስና ዓቕሊን ትዕግስቲን ኣስኒቕና፣ ብብርቱዕ ሕልናን ንያትን ገጥ ስለዝበልና፡ ጥንግናግ ተጻብኦታት ፈንጢስና፡ ብዓወት ክንወጽእ ክኢልና ኣለና። ከም ውጽኢቱ፡ ገና ክስገር ዘለዎ ብድሆታት ከይዘንጋዕካ፡ እዛ ሓዳስ ዓመት 2019፡ ብሩህ ተስፋን ዝጭበጥ ዕድላትን ኣብ ቅድሜና ኣምሪሕና ንኣትዋ ኣለና። ብዕዮና ድማ፡ ፍኖተ ሓድሽ ምዕራፍ ከምእትኸውን ርጉጽ እዩ። ኪበጽሖ ዝሓለነ ከይበጽሖ ዘይተርፍ፡ ወትሩ ዕዉትን ጻዕረኛን ህዝቢ ስለዘለና! ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡ ንጽኑዕን ዕዉትን ህዝቢ ኤርትራ!!


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events