Dehai News

BBC.com: ንበለስ ትግራይ ነበረያ ነበረ ከይገብሮ ዘስግእ 'ኮቸኔል'

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 20 December 2018

ብኩችኔል ዝተጠቕዐ በለስ

ወይዘሮ ኣምለሱ (ስመን ዝተቐየረ) ሓረስተይቲ ነባሪት ጣብያ ጀነቴ ከባቢ ሞኾኒ እየን፡ ንበለስ "ቖላ'ሕሪ" እናበላ ይፅውዐኦ።

20.12.2018

ወይዘሮ ኣምለሱ፡ "ቖላ'ሕሪማ ዓንተውኡ ብዙሕ ጥቕሚ ነይሩዎ። መቸም ዓዲ ራያ ከም ተፅንዑዎ ይኡ፤ ዝተወሰነ መዓልቲ ልሙዕ ይኾን፡ ዝተወሰነ መዓልቲ ድርቂ ይኾን።

ድርቂ እንትኾን በለስ ካብቲ ድርቂ የውጽአና ነይሩ። ሃፍታም ኣይብል ድኻ ኹሉ እዩ ድጥቀመሉ ነበረ። ኣብ ሓጋይለ ገንዘብና [ጥሪት] ንሱ እዩ ዘውፀአን ነበረ" ኢለን።

"ሐዚ ግን ሓሸኻ ዝበሃል ነገር ንዝሕ ኣቢሎምሉ፤ ካብኡ እቱ ቖላባሕሪ 'ፍረ ቓርዩስ፡ ክሻዕ መዓኮሩ ቦኽቢኹ ነቒፁ፡ 'ቲ ነበረ ልምዓት ሕልሚ መሲሉ'ዩ ልረአ፡ ላራሓቐና ኸይዱ" ይብላ።

ወይዘሮ ኣምለሱ፡ ብዙሓት ጥሪት ከም ዝነበረአን ይዛረባ። ሐዚ ኣርባዕተ ተሪፈን። ቀለብ ስለዘየለ ንገሊአን ሸይጠን ነተን ዝተረፋ ንምቕላብ ከምዝተገደዳ ይዛረባ።

ሰለስተ ኣወዳት ደቂ አለዉወን። እቲ ሓደ ታሽዓይ ክፍሊ ይመሃር'ሎ።

ካብ መኾኒ ንማይጨው በለስ ተሸኪሞም ብምኻድ፡ እናሸጡ ክዳኖም ይዕድጉ ነይሮም። ደፍተሮም'ውን ባዕሎም ይኽእሉ ነይሮም ይብላ።

ሕዚ ግን በለስ ስለ ዝጠፍአ፡ ተሊቂሐን ክዳኖም ከምዝዕድጋሎም ይዛረባ። እዚ ድማ አደዳ ዕዳን ዕንድዳን ከም ዝገበረን ይገልጻ።

ነበርቲ ራያ ዓዘቦ፡ "ድኣነይ ድበለሲይ ልፈላለየ፡ ዳርጋ ቤተኽሲያን ለቃፀለ" እናበሉ ጉማየ ምባሎም ካብዚ ዝተበገሰ ይመስል።

ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት

ከባብታት ሕንጣሎ ወጅራትን ራያ ዓዘቦን ብበለስ ብሰፊሑ ካብ ዝተሸፈኑ ከባብታት ትግራይ ሓደ እዩ። መነባብረኦምን ህላወኦምን ድማ ኣብዚ ተኽሊ ዝተደረኸ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብሰንኪ ሓሰኻ ኮችኔል ዘስዕቦ ዘሎ ብርሰት፡ ንዓርሶምን ጥሪቶምን ቀለብ ኣስኢኑ ንጥሜትን ስደትን ከም ዘሳጠሖም ይዛረቡ።

ኣይተ ዓረዶም ገብረኺዳን ነባሪ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ፡ ወጀራት ዒስራ ዓዲ እዮም።

ሓረስታይ
ናይ ምስሊ መግለጺኣይተ ዓረዶም ገብረኺዳን

"ብፍላይ ካብ ሰነ ክሳብ ጥሪ ኣቢሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ እቲ ኦም ንሱ እዩ ዝኽእለና። ሓመድ ወጀራት ሓንቲ ንበረኻ ኣይትኸዲ። ቆልዓ ወጀራት ጥሜት ኣይፈልጢ። ወጀራት ዓዲ'ማቱ ስደት ኣይፈልጢ። ሕዚ ግን ኩሉ ንስዑዲ ይኸትት'ሎ" ይብሉ።

ኣይተ ስዩም መኮነን ድማ ካልእ ነባሪ ወጀራት እዮም።

"በለስ እንስሳት ኮነ ሰብ ይምግብ፣ ሓመድ ከይሽርሸር ይከላኸል። ከረናት ከይፈርሱ ኣስጢሙ ይሕዝ ነይሩ" ይብሉ።

ሕዚ ግን ብሰንኪ በለስ ምጥፍኡ፡ ገባር መነባብርኡ እናራሕረሐ ናብ ከተማ ይኣቲ ከም ዘሎን እቲ መንእሰይ ድማ ናብ ስደት ይውሕዝ ምህላውን ወሲኾም ይዛረቡ።

ቅድም ክንብል ዘዘራረብናዮ፡ እዚ ሽግር ካብ ብጒሓቱ ፍታሕ ክረክብ ካብ መንጎ ዝጎስጎሱ ሓደ፡ ተወላዲ እቲ ኸባቢ ኣይተ ደጋፊ ጎድፋይ እዩ።

"ከባቢና ዋላ እኳ ተደራቒ ከባቢ እንተኾነ፡ በለስ ድርቂ ዝፃወርን ምቁርን ተኽሊ ብምዃኑ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ኢና ንምገቦ። እኽሊ ካብ እንበልዖ ንላዕሊ በለስ ኢና ንምገብ፤ በለስ እንተበሊዕና ብዙሕ እንጀራ ክንበልዕ ግድን ኣይኮነን "ይብል ብጣዕሳ።

ይቕፅል ድማ፤ "እዚ ውህብቶ ፈጣሪ ዝኾነ በለስ፡ ገንዘብን ጉልበትን ኣይሓተናን፤ ከይሓረስና፣ ከይፀሃና፣ ከይዓፀድና፣ ንኣስቤዛ ከይተጨነቕና ጥሪትናን ባዕልናን እንምገቦ ተኽሊ ነይሩ።"

በለስ ንወጀረቶትን ራየቶትን ስራሕ ዕድል'ውን ብምፍጣር ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ እቲ ከባቢ እውን እዩ።

"ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ካልእ ዕድል ፅግዕተኛ ኣይነበረን፤ 'ረድኤት መንግስቲ ዘይተቐበልኩ' ኢሉ ኣይስከፍን፡ ኮሪዑ ብነፃነት ንክነብር፣ ንከይስደድን በለስ፡ ማእገር እዩ ነይሩ" ይብል ኣይተ ደጋፊ።

እዚ ተኽሊ መንበሩ እንስሳ ዘቤትን እንስሳ ዘገዳምን እውን ምኻኑ ነበርቲ ይዛረቡ።

"ንሕናን ጥሪትናን ጥራሕ ኣይኮናን ተጎዲእና፤ እዚ ተኽሊ ብምብራሱ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ እንስሳት ዘገዳም'ውን ጠፊኦም" ይብሉ ነበርቲ።

ብርክት ዝበሉ ከባብታት ትግራይ ንከይብሕጎግን ሚዛን ሃፍቲ ተፈጥሮ ንክሕሎን ዕዙዝ ግደ ከም ዝነበሮ ድማ ካብ ኣንደበት ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ትግንዘብ።

"ዘራእቲ ንምዝራእ ብርክት ዝበለ ጉልበት፣ ገንዘብን ግዜን ይጠልብ። በለስ ግና ልሙዕ ሓመድን ምቹእ ገፀ-ምድርን ዘይሓትት ኣብ ዝረኸቦ ቦታ ዝቦቅል'ዩ።

......ኣብ ከውሒ ከይተረፈ ሓመድ ፈጢሩ እዩ ዝለምዕ። መሬት ኣይሻመን፤ ስለዝኾነ ድማ ሚዛን ሃፍቲ ተፈጥሮ ይሕሉ ነይሩ" ኢሉ ደጋፊ።

ሓረስታይ ወጀራት
ናይ ምስሊ መግለጺኣይተ ስዩም መኮነን

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣትሪሩ ዝፅሕፍ ኣይተ ኣኸዛ ኣውዓሎም ድማ፡ ቁጠባዊ ረብሓ ቆላ ባሕሪ ቁፅሪ ስፍሪ ከም ዘይብሉን ሓፁር ኮይኑ'ውን የገልግል ምንባሩን ወሲኹ ይገልጽ።

ንሱ፡ ኣብ ሜዳን ኣኽራናትን ዝነበረ በለስ ግን ፈላልዩ እዩ ዝሪኦ። ኣብ ሜዳ ንሕርሻ ኣብ ዝውዕል ቦታ ሸፊኑ ዝነበረ በለስ ተነቒሉ ንኢንቨስትመንት ምውዓሉ፡ ገባራት ክሳብ ዝረብሐ ተቓውሞ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

ይኹን'ምበር ኣክራናት ከይሽርሸሩ ኣስጢሙ ዝሕዝ በለስ ምብራሱ፡ ንምንታይ ረብሓ ከም ዝኾነ ሰፍ ዘይብል ሕቶ እዩ ዝፈጥረሉ።

ኮችኔል ብኸመይ'ዩ ተኣታተዩ?

ገልዒ በለስ ንማርማላት፣ ሳሙናን፣ ሻምፖን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ተጀሚሩ ከም ዝነበረ ይዝረብ።

ካብ 2000 ዓ.ም (2008) ጀሚሩ ድማ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር 'ኮመርሻል' ኢንቨስትመንት ሓሰኻ ኮችኔል ኣብ ቅፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተፈቲኑ።

ቅድመ ትግበራ መፅናዕቲ ምስ ተወድአ ድማ፡ ኣብ 2001 ዓ.ም ትግበራ ሓሰኻ ኮቾኔል ተጀሚሩ።

እዚ ሓሰኻ ኣብ ተግባር ንምውዓል ድማ መፈተኒ ቦታ ንሚኒስትር ሕርሻ ፌደራል ፍቓድ ከም ዝተሓተተን፡ ሚኒስትር ሕርሻ ፌደራል እውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት ማለት እውን፡ ኣብ ራያ ዓዘቦ ፋጨጋማን ኣብ ወጀራት ድማ ፀሓፍቲ ኣብ ዝበሃል ቦታን ንክፍተን ፈቒዱ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ምልባድ (ምርባሕ) እዚ ቁርዲድ በለስ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ስለ ዝርከብ ተወሳኺ ቦታ ይፈቐደልና ዝብል ሕቶ ቀሪቡ ከም ዝተፈቐደ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።

ብብርኪ ፌደራል ፍቓድ ምስ ተውሃበ ድማ ብዩኒቨርሲቲ መቐለን ሰብ ሞያ ሕርሻ ክልል ትግራይን ቁርዲድ ኮቾኔል ክብተን ክኢሉ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ጎቦ እንዳየሱስ ፥ ኣብ ወጅራትን ራያ ዓዘቦን ብሰፊሑ ክላበድ ከም ዝተገበረን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዘፍቀደ ኣካል ከም ዘየለን ይዛረቡ።

እቲ ኣብ ገልዒ በለስ ዝተፈተነ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ሜክሲኮ ቀለም ብምፍራይ ኣብ ረብሓ ውዒሉ ዕዙዝ ኣታዊ ወፃኢ ዝርከቦ፡ እንትኸውን ነዚ ተሞክሮ መሰረት ተገይሩ እዩ እቲ ሓሰኻ ክተኣታተ ተሓሲቡ ነይሩ።

ሓደ ኣውፋሪ ተወላዲ ችሊ ድማ ነቲ ስራሕ ጀሚሩዎ። እቲ ቴክኖሎጂ ብመንግስቲ ፌደራል ውን ኣፍልጦ ረኺቡ።

ይኹን'ምበር እቲ ወፍሪ ክሳብ ሐዚ ግልፂ ብዘይኾኑ ምኽንያታት ጠጠው ዝበለ እንትኸውን፡ እቲ ዝተዘርአ ሓሰኻ ግን ምርባሑ ቀፂሉ።

ከይተቀረመ ስለ ዝተረፈ ድማ ዕላምኡ ስሒቱ ተዛሚቱ፡ ኣብ ልዕሊ በለስ ድማ ክሳብ ሕዚ ሰፍ ዘይብል ሓደጋ እናስዐበ ይርከብ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣይተ ፍሰሃ በዛብህ፡ "እቲ ፕሮጀክት እንትጅመር ቅኑዕ ዕላማ ሒዙ እዩ ነይሩ። ዝሐሸ ኣታዊ ንምርካብን እቲ ገባር ካብዚ ቴክኖሎጂ ተረባሒ ንምግባርን'ኳ እንተነበረ እቲ ሓሰኻ ካብ ቁፅፅር ወጻእ ኾይኑ" ኢሎም።

"ህዝቢ ከም ህዝቢ ከይፈልስ የስግእ"

በለስ በብዝሕን ስፍሓትን ዝርከበሉ ዝነበረ ከባቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብተኽሊ በቲ በለስ ዝወቐቡ ሓምለዎት ከባብታትን ብተኽሊ በለስ ተሓፂሩ ዝማዕረገ ካንሸሎን ዝበዝሖም'ዮም ነይሮም።

ፍረ በለስ ብኸፈር ፀይረን ናብ ዕዳጋ ዝወርዳ ጎራዙን መናእሰይን፤ ናብ ዕዳጋ ወሪዶም ብዝሸጥዎ በለስ፡ ዓመት ሙሉእ ንትምህርቲ ዘድልዮም ናውቲ ዓዲጎም፡ ንወለዶም ከይተጸበዩ ዝመሃሩ ራዮቶትን ወጅረቶትን ተምሃሮ ምርኣይ ጨና ማይ ኮይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ "በለስ ንኩሉ ከኣሊና እዩ ነይሩ። ሕዚ ብድርቂ ደሓን ዝነበረ ዞባ ደቡብ ተደራቒ ኮይኑ ኣሎ" ይብሉ።

"መንግስቲ ኮነ ኢሉ እዩ ሃፍቲ ተፈጥሮና ኣብሪሱልና፤ " ኢሎም ዝኣምኑ ነበርቲ'ውን ኣይሰአኑን።

 
ህዝቢ ዘመዛብል ዘሎ ሓሰኻ ኮችኔል!

"ነዚ ዕማም ዝወሰዱ ኣካላት ነዚ ሓሰኻ ከዝርግሕዎ ከለዉ፡ እቲ ህዝቢ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን፤ እቲ ሓሳኻ ናብ ኩሉ ተባፂሑ ክረአ ምስ ጀመረ ግና ድሕሪ 2002 ዓ.ም ህዝቢ ምጥራዕ ጀሚሩ" ይብሉ ኣይተ ደጋፊ ጎደፋይ።

"ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ እዚ ሓሰኻ ፅቡቕ ኣይመስልን፤ እዚ በለስ እዚ ጠፊኡ ማለት እዚ ተኽሊ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጠፍእ ዘሎ፡ ህልውና እቲ ህዝቢ ምጥፋእ ማለት እዩ፤ ንሕናን እንስሳናን ብዘይ በለስ ክንነብር ኣይንኽእልን፡ ስለዝኾነ ብገንኡ ክእለ ኣለዎ " ብምባል ብኣጋ ምጥራዕ ጀሚሮም።

ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ግና፡ "እዚ ሓሰኻ በለስ ጉድኣት የብሉን፡ ዝህቦ ጥቕሚ እዩ ዝዓቢ፡ ንመናእሰይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር እዩ፡ ምንጪ ኣታዊ ስለዝኾነ እዚ ትብሉ ዘለኹም ሰባት ተዓገሱ" ኢሎም ከም ዝመለስዎም ዘዘራረብናዮም ምንጭታትና ይገልጹ።

"ካብ ብገንኡ እዚ ሓሰኻ እዚ ኩሉ ብርሰት ከየስዓበ እንከሎ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ብምዃን ምንጪ እቲ [ሓሳብ] ናብ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ጠሪዕና ሰማዒ ኣይረኸብናን ፤ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ፡ ቢሮ ሕርሻ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክንከይድ እዮም ዝነግሩና። ካብ ዕንክሊል ወፃኢ ሰማዒ ኣይረኸብናን" ይብሉ።

ድሕሪ ግዜ ግና፡ ለበዳ ቁርዲድ በለስ ኮቾኔል ናብ ብዙሓት ከባብታት ምስ ተላበደን ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ጥርዓናት እናዛየደ ከይዱ።

መንግስታዊ ኣካላት ድማ፤ እቲ መረረት ትኽክል ከም ዝኾነን፡ ቁርዲድ ኮቾኔል ዝጠቅም ኣይመስልን ስለዚ እቲ ሓሰኻ ኣጥፍኢና፡ እቲ በለስ ነሕውዮ ናብ ዝብል መርገፂ ከም ዝመጽኡ ይዛረቡ።

"ንጥፍኣት ዶ ሃፍቲ ህዝቢ ንከንቱ ይባኽን! ሰብያ ገበረ እዩ፡ ኣብ ልዕሌና በደል ተፈፂሙ፡ ብኣጋ እንትንጠርዕ እንተዝሰምዑናኸ፡ ግና ፀገም ህዝቢ ኣይርድኦምን" ይብሉ።

ኣይተ ዓረዶም ገብረኺዳን፤ "ካሊእ መድሓኒት አሰናዲኡ እናሃለየ፤ ንዚ ሓሰኻ እዚ ምጥፋእ ስኢኑ ኢልና ኣይንኣምንን" ይብሉ።

ኣይተ ስዩም መኮነን ብወገኖም "በለስ ድሕሪ ሐዚ ክሐዪ ዶ ይኽእል ኣይሓዩን ገና ምስዞም ምርምር ዝገብሩ ዘለዉ ዩኒቨርስታት ሓቢርና ንሪኦ" ኢሎም። ክሳዕ ዝሓዩ መንግስቲ መተካእታ ይግበረልና እዩ ናይና ሕቶ" ይብሉ።

"በለስ ትግራይ ነበርያ ነበረ እዩ ክኸውን"

ብብርኪ ሃገር ነቲ ፀገም ዘፅንዕ ኮሚቴ ተጣይሹ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ድማ ቅድም ክንብል ዘዘራብናዯም ሚኒስትር ነበር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ እዮም።

ኣተኣታትዋ እቲ ቴክኖሎጂ ተፈጢሩ ዝበሉዎ ጌጋ ድማ የዛኻኽሩ። እቲ ቴክኖሎጂ ብዕሊ ከይተነፀረ ናብ ትግበራ ከም ዝተኣተወን፡ እዚ ድማ ብስሕተት ውልቀሰብ'ምበር ብዝኾነ ትካል ከም ዘይኮነ ይሕብሩ።

እቲ ኮሚቴ ፈሪሱ እዩ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝዘረብ ኳ እንተኾነ፡ እዚ ቃለ ምልልስ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን እቲ ኮሚቴ ከም ዘይፈረሰን ኣብ ስራሕ ከም ዝርከብን ይዛረቡ።

ኣይተ ፍሰሃ በዛብህ፡ ብፍላይ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ምስኮነ፡ እቲ ሓሰኻ ካብኡ ንላዕሊ ከይዛመትን፡ ነቲ ሓሰኻ ኣጥፊእኻ ነቲ በለስ ንምድሓንን፤ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከም ውድብ ምግቢ ዓለም ምሰ ዝኣመሰሉ መዳርግቲ አካላት ኮይኑ ገለ ስትራቴጂ ወፂእሉ፡ ገለ ፃዕርታት የካይድ ከም ዘሎ የብርሁ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ሓሰኻ እናኣከብካ ምሻጥ ጠጠው ክብል ዝተገብረ እንትኸውን፡ ካብቲ ዘለዎ ናብ ካሊእ ከይዛመት 'በፈርዞን' ተፈጢሩ እዩ ድማ ይብሉ።

በለስ ከይባድም ይስጋእ

ካልእ ሜላ ድማ ነዚ ሓሰኻ ዝፃወር ዓሌት በለስ ምትእትታው፤ ከምኡ ድማ ብቐሊሉ ክትቆጻጸሮ እትኽእል ሕርሻ በለስ ምክያድን ዝኣመሰሉ ፈተነታት ከምዝተገብሩ ወሲኾም ይዛረቡ። ነቲ ሓሰኻ በለስ ዝበልዑ ካልኦት ዓሌታት ሓሰኻ ንምፍራይ 'ውን ፃዕሪ ከም ዝተገብረ ይዛረቡ።

መንግስቲ ከምዚ ይበል 'ምበር፡ እቶም ነበርቲ ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ፀገም ሐዚ'ውን እናተጋደደ 'ምበር ክቃለል ኣይረአን።

ንለበዳ እቲ ቁርዲድ ንምጥፋእ 'ኬሚካል' ምንፃግ ተጀሚሩ ነይሩ እዩ። ብጉልበት ህዝቢ ገልዒ በለስ ተቖሪፁ ንክቕበር እውን ተገይሩ ነይሩ፤ ግና ወይ'ከ ለውጢ።

እቲ ቁርዲድ ኣብ ራያን ዋጅራትን ዝነበረ በለስ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብሪሱ ናብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ተላበደ ደኣ'ምበር ኣብ ባይታ ጠብ ዝብል ነገር ኣይተሰርሐን ይብሉ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ።

ወጀራት ብጣዕሚ ሰፊሕን ኣፃድፍን ሰብ ክኣትዎም ዘይኽእል ከባቢታት ዝበዝሖን ስለዝኾነ፡ ነቲ ሓሰኻ ክበልዕ ዝኽእል ካልእ ስነ ህይወታዊ ሓሰኻ እንተዘይተረኺቡ፡ ብጉልበት ህዝብን ብኬሚካልን ክጠፍእ ከምዘይክእል ይዝረብ።

ህዝቢ ዝበሎ ኣይተሰምዐን። ራያ፣ ዋጅራት፣ እንደርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎ....... በፂሑ ኣሎ። በዚ እንተቐፂሉ እቲ ኣብ ዓጋመን ኢሮብን ዘሎ በለስ እውን ምጥፍኡ ኣይክተርፍን።

እንድሕር ከምዚ ቀፂሉ፡ በለስ ካብ ምድረ ገፅ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኤርትራ እውን ክጠፍእ ከም ዝኽእል ብዙሓት ይሰግኡ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ትግራይ ብምድሓን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብልፅቲ ተባሂላ ምሽላማ ይዝከር።

ይኹን'ምበር እዚ ሽልማት ንብዙሓት ከባብታት ዘየማእኸለን ንኩሉ ከባቢ ዘየጠቓልልን እዩ ይብሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተዓዘብቲ።

"ሽልማት ዝግበኦ ኩለ መዳይ መርኣያ ንዝኾነ እዩ፤ እቶም ሸለምቲ ኣካላት ደሓን ዝተብሃለ ውሱን ከባቢ እዮም ክርእዩ ተገይሮም፤ መዓዝ እሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ በለስ ዝወረደ ኣልማሚታዊ ጨፍጫፍ ርእዮሞ፡ ግርም እባ ብሉፅ ሽልማት! ዘይመስል!" ይብሉ እዞም ስሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ተዓዛቢ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events